ረብሓታት ምምሕያሽ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ

ትንታነ ዜና

ፀገም ሕፅረት ሽርፊ ወፃኢ ኣብ ብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዝርክባ ሃገራት ካብ ዘጋጥመን ብድሆታት ሓደ ‘ዩ ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪካ ጎሊሁ ዝርኣይ ፀገም እናኾነ ይመፅእ ኣሎ።

ኢትዮጵያውን እንተኾነት ንዝሓለፉ ዓመታት ካብዚ ፈተና ወፃኢ ኣይነበረትን። ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ዝመፅኣሉ ኩነታት ኢሉ ‘ውን ኣብ ናህሪ ዕዳጋ እታ ሃገር ልዑል ፅዕንቶ እናፈጠረ ዝመፅኣሉ ኩነታት ነይሩ ‘ዩ።

ከምዝፍለጥ ኣብ ዓለም ዝተፈላለዩ ስርዓት ሸርፊ ወፃኢ ዘለው ኾይኖም፤ ካብዚኦም ውሽጢ ድማ ሃገራዊ ባንኪ ሸርፊ ወፃኢ ዝትምነሉን ኣብቲ ስርዓት ዕዳጋ ፀገም ምስ ዘጋጠም ‘ውን እቲ ሃገራዊ ባንኪ ኣብ ሞንጎ ኣትዩ መስተኻኸሊ ዝገብርሉ ስርዓት ኣሎ ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ‘ውን ክሳብ ቀረባ እዋን ተመን ወፃኢ ሸርፊ ብሃገራዊ ባንኪ ዝውሰነሉ ስርዓት ዝነብረ ኾይኑ፤ መንግስቲ ኣብዚ ሰሙናት ዕላዊ ብዝገብሮ ነዚ ዝነበረ ፀገምን ካልኦት ፈተናታትን ኣብ ምቅራፍን ኣብ ምንካይን ዓብዪ ግደ ክህለዎ ተስፋ ዝተገበረሉ ኣብ ቀረባ እዋን መመሓየሺ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዕላዊ ተገይሩ ‘ዩ።

እዚ መመሓየሺ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ብሃገራዊ ባንኪ ጥራሕ ዝትመነሉ ዝነብረ ስርዓት ተቀይሩ ተመን ሸርፊ ወፃኢ ብዕድጋ ንክውሰን ምግባር ማለት እንታይ ማለት ዩ? ምስ ምድኻም ዓቅሚ ገንዝብ ብምንታይ ይፍለ? ኣብ ስርዓት ምንዛረ ሸርፊ ወፃኢ ዝህለዎ ፅዕነቶ እንታይ ‘ዩ? ኣብ መበረትታዕ ኢንቨስትመንትን ካልኦት ረብሓታት ህዝብን ሃገርን ዝህለዎ ግደ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ኣብ ዝብሉ ሓሳባት ናይቲ ዘፈር ምሁራት እንታይ ይብሉ።

ኣብ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ፈፃሚ ስራሕ ምምሕዳር ትልሚን ኢንቨስትመንት መንግስቲን በረከት ፍስሃፅዮን ሙሉኡ መመሓየሺ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ጥንኩር ሲቪል ሰርቪስ ዓቕሚ ገንዘብን ፊሲካል ፖሊሲን ብምህናፅ ስርዓት ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ ንምዝማን ዘኽእል ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ መመሓየሺ ዓቅሚ ገንዘብ ብር ዘዳኽም ዘይኾነስ ዕዳጋ መሰረት ዝገበረ ስርዓት ሸርፊ ወፃኢ ‘ዩ ፈጢሩ ይብሉ።

ኣብ ዕዳጋ ዝተመስረተ ስርዓት ተመን ሸርፊ ወፃኢ ካብ ኢድ ኣታዊነት መንግስቲ ባንክታትን ተገልገልትን ብዝህልዎም ስምምዕነት ሸርፊ ወፃኢ ከምዝውሰን ብምሕባር፤ በዚ ምኽንያት ድማ ናይ ገንዘብ ዋጋ ክውስኽ ወይ ክቅንስ ከምዝኽእልን ካብ ደገ ዝኣትው ዋጋ ኣቁሑት ‘ውን ብተመሳሳሊ ክቅንስ ወይ ክውስክ ከምዝኽእል ‘ዮም ዝዛረቡ።

እዚ ድማ ናይ ባዕሉ ኣወንታውን ኣሉታውን ፅዕንቶታት ከምዝህልዎ ዝገልፁ ኣይተ በረከት፤ ይኹን እምበር ኣብዝሓ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢታት ገጠር ዝነብር ምስ ምዃኑ ኣብዝሓ ዝጥቀሞም ፍርያታት ዓርሱ ዘፍርዮም ኮይኑ ገለ ንእታወታት ዝጥቀመሎም ድማ ካብ ደገ ከምዝቅበል ይዛረቡ። እዚ ስለዝኾነ ድማ እዚ ዝተገብረ ምምሕያሽ ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ብምብርትታዕ ብዘይኣግባብ ካብ ደገ ዝኣትው ዝነብሩ እታዎታት ንኽተርፉ ብምግባር ጠለብ ዶላር ንምቅናስ ዕድል ክፈጥር ከምዝኽእል ‘ዮም ዘረድኡ።

እዚ ኾይኑ ‘ውን እቲ ሓዱሽ ስርዓት ዝተወሰነ ናህሪ ዕዳጋ ዘምፅእ እንተኾነ ‘ውን መንግስቲ ብዘቐመጦ ኣንፈት እንተተግቢሩ እቲ መመሓየሺ ልዑል ጉድኣት ከምዘየብፅሕ ብምግላፅ፤ ኣብቲ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ መንግስቲ ኣብ ነዳዲ፣ መዳበሪያ፣ ዘይቲ፣ መድሓኒትን ካልኦትን ድጎማ ምግባሩ ዕዙዝ ረብሓ ከምዘለዎን እቲ መመሓየሺ ዕዉት ንኽኸውን ድማ ብፍላይ ሙሁራን፣ ትካላት ፍትሒ፣ ማሕበረሰብ ንግዲ ብሓፈሻ ዜጋታት ትፅቢት ዝግበረሎም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣልዒሎም ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ጎንደር መምህር ክፍሊ ኢኮኖሚ ትምህርቲ ዝኾኑ ይንገስ ኣለሙ (ዶ/ር) ከምዝብልዎ፤ ኣብዚ ሰሙናት ዝተገብረ ስርዓት ብዕዳጋ ዝትመን ሽርፊ ወፃኢ (ፍሎቲንግ ) ወይስ ዓቅሚ ምድኻም ገንዘብ (ዲቫሉዌት) ‘ዩ ኣብ ዝብል ኣከራኻሪ ነገራት እንተተለዓሉ ‘ውን ብዕዳጋ ዝትመን ገንዘብ (ፍሎቲንግ) ስርዓት ምዃኑ ‘ዮም ዝገልፁ፡፡

እዚ ስርዓት ዝተፈላልዩ ሃገራት እናተግበርዎ ዝፀንሑ ኮይኖም፤ ንሓደሓዲኦም ውፂታዊ እንትገብሮም ንሓደሓዲኦም ድማ ከምዝጎድኦም ብምግላፅ፤ በዚ ስርዓት ኣብ ሃገር ውሽጢ ዝህልው ኣቅርቦት ሽርፊ ወፃኢ ብጣዕሚ ወሳኒ ምዃኑ ብምልዓል፤ ኣብ ምልማዕ ዝርከባ ሃገራት ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ካብ ዘቅርብዎ ካብ ወፃኢ ዘእትውዎ ሸቀጣት ዝበልፁ ብምዃኖም ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ከምዘጋጥም እሙን ‘ዩ ዝበሉ ‘ቶም መምህር፤ ኢትዮጵያ ‘ውን እዚ ከምዘጋጥማ ግልፂ ምዃኑን እዚ ፀገም ንምቅራፍ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላት ገንዘብ ዝረኸበቶ ሓገዝን ልቃሕን ነቲ ፀገም ንምክልኻል ከምዝሕግዛ ‘ዮም ኣልዒሎም፡፡

ኣብ ናይ ሓንቲ ሃገር ዕብየት ኢኮኖሚ ውሽጢ ንወፃኢ ዕዳጋ እተቅርቦ መጠን ምህርቲ ወሳኒ ‘ዩ ዝበሉ እቶም መምህር፤ ስለዝኾነ ንወፃኢ ዕዳጋ ዝቀርቡ ፍርያታት መጠንን ዓይነትን ብምውሳኽ ካብ ደገ ዝኣትው ድማ ምቅናስ ከምዝግባእ ብምብራህ፤ ብተወሳኺ እቲ ህዝቢ መሰረታዊ ካብ ዝኾኑ ነገራት ወፃኢ ናይ ደገ ፍርያታት ብዘይምግዛእን ናይ ውሽጢ ዓዲ ፍርያታት ናይ ምጥቃም ባህሉ እናዕበየ እንተኸይዱ እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢታማ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ ይብሉ፡፡

ብተመሳሳሊ ገዛኢ ብሔራዊ ባንኪ ኣይተ ማሞ ምህረቱ ኣብዚ መመሓየሺ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣመልኺቶም ከምዝብልዎ፤ ኣብ ስርዓት ምምሕዳር ወፃኢ ሸርፊ ዝተገበረ ለውጢ ጥዕና ዘለዎን ዕብየት ኢኮኖሚ ንምቅፃል ዘኽእል ታሪኻዊ ውሳነ ‘ዩ ብምባል፤ ቅድሚ ሃገራዊ ለውጢ ዝነበረ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ዝገበረ፣ ውልቀ ሴክተራት ካብ ልቃሕ ዘየገላግለን ልዑል ፅዕንቶ ልቃሕ ዝነበሮ ከምዝነብረ ብምዝኽኻር፤ እቲ ዝነበረ ዕብየት ኢኮኖሚያዊ ኢንቨስትመንት ‘ውን መንግስቲ መሰረት ዝገበረ ብምዃኑ ፋይናንስ ዝግበረሉ ዝነበረ መንገዲ ጥዕና ከምዘይነብሮን በዚ ናይ ለውጢ መንግስቲ ግና ሃገር ቦቖል ሪፎርም ኢኮኖሚ ብምቅራፅ ስብራት ማክሮ ኢኮኖሚ ንምፅጋን ዘኽእሉ ስጉምትታት ከምዝተወሰደ ‘ዮም ዝገልፁ።

ሃገራዊ ባንኪ ካብ ዝገብሮም ሪፎርምታት ስርዓት ምቅያር ሽርፊ ወፃኢ ሓደ ከምዝኾነን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕላዊ ብዝተግበረ ማዕቀፍ ምምሕዳር ሕጊ ሸርፊ ወፃኢ ብዙሓት ለውጥታት እናምፅኡ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንኣብነት ‘ውን ሃገራዊ ባንኪ ጥራሕ ይትምኖ ዝነብረ ስርዓት ብኣንፃሩ ካብ ዕዳጋ ዝተረሓሓቀ ዝነብረ ምስፋሕ ኣፈላልይ ሸርፊ ወፃኢ ሓዊሱ ብዙሓት ፀገማት ዝነበሩ ከምዝኾኑን፤ በዚ መንፅር ተመን ሽርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ንክውሰን ምግባሩ ሓቢሮም ‘ዮም፡፡

እዚ ትግበራ ሪፎርም ቀፃላይነትን ጥዕና ዘለዎን ዕብየት ኢኮኖሚ ንክህልው ዝገብር ብምዃኑ፤ ብዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ) ትንበያ ጥራሕ ኣብ ቀፃሊ ኣርባዕተ ዓመታት ማእኸላይ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ 8 ሚእታዊ ክዓቢ ‘ዩ። በዚ ሪፎርም ኣብ ተኣካቢ ኣታዊ ዓቅሚ ዝፈጥር፣ ዕቋር ወፃኢ ሸርፊ ዝውስኽ፣ ትርጉም ብዘለዎ መልክዕ ኤክስፖርትን ኢንቨስትመንትን ዝልውጥ ከምኡ ‘ውን ፍትሓዊነትን ኢኮኖሚ ዘስፍን ከምዝኾነ ‘ዮም ዘመላኽቱ።

ኣብ ፍሎቲንግ ስርዓት ውሽጢ ካሊእ ጥቅሚ ድማ ኣብ ፀሊም ዕዳጋን መደበኛ ዕዳጋን ዝህልው ኣፈላላይ ንክፀብብ ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ብምልዓል፤ እቲ መመሓየሺ ንዝተፈላለዩ ናይ ወፃኢ ሃገራት ሰብ ሃፍቲ ዝበለፀ ሰሓቢ ከምዝገብሮ ‘ዮም ገሊፆም። እዚ ድማ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር፣ ናይ ውሽጢ ሃገር ፍርያት ዕብየት ንክምዝገብ፣ ናይ ባዕልኻ ፍርያት ናይ ምጥቃም ባህሊ ዘበራትዕን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብዘላቅነት ዘዕቢ ምዃኑ ‘ዩ ተገሊፁ።

ኣብረሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 2 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You