ምድላዋት በዓል ኣሸንዳ/ዓይኒ-ዋሪ/ማርያ/ሒንግደይ-ፅሞረይ

ኣብ ሃገርና ዝተፈላለዩ ብዙሕ ረብሓ ዘለዎም ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ባህላዊን ሃይማኖታዉን ሓድግታት ከምዘለዉ ይፍለጥ ‘ዩ። ወናኒት ጥንታዊ ሰልጣነ ዝኾነት ሃገርና ታሪኻ ኮነ ባህላ እንትላዓል ምብራቅ ቀርኒ ኣፍሪካ ብፍላይ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጰያ ቀዲሙ ዝላዓል ብዘይምኽንያት ኣይኮነን።ብደረጃ ዓለም መሰተንክር ዘሰመየ ታሪኸና ዘልኣለም ኣፍ ኣውፂኡ ዝዛረብ ብምዃኑ ‘ዩ።

ካብዚኦም ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከቡ ሃገር በቆል ዘይድህሰሱ ባህላውን ሃይማኖታውን ትሕዝቶ ካብ ዘለዎም ሓድግታትና ሓደ ድማ ኣሸንዳ/ዓይነ-ዋሪ/ማርያ ‘ዩ:: ኣሸንዳ ኣብ መላእ ከባብታት ትግራይ በብዓመቱ ካብ ፍርቂ ነሓሰ ክሳብ መወዳእታ እቲ ወርሒ፤ ኣብ ገለ ገሊኡ ድማ ክሳብ መስቀል ዝኽበር ባህላዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ‘ዩ።

ዋላ እኳ መሰረታዊ ትሕዝቶን ኣከባብራ በዓል ኣሸንዳ ተመሳሳሊ ይኹን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝተፈላለየ ሹማት ኣለዎ። ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባብታት ኣሸንዳ ክበሃል እንከሎ፤ ኣብ ብዙሓት ከባብታት ‘ውን ማርያ፣ ኣብ ከባቢ ኣክሱም ድማ ዓይኒ-ዋሪ፣ ኣብ ከባብታት ላዕላይ ፀለምቲ ድማ ሒንግደይ-ፅሞረይ እናተብሃለ ይፍለጥ፡፡

ኣሸንዳ ኣብ ከባብታት ተምቤን ድማ ኣዝዩ ረዚን ፍሉይን ትርጉም ሒዙ ብካልእ ውቁብ ባህሊ ኣውርስ ተዓጂቡን ይደምቕ፡ ፡ እዚ በዓል ኣብ ዓለም ካብ ተመሳሰልቲ ፌሰቲቫላት ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ፍሉይ ትሕዝቶ፣ታሪክ፣ ዕድመ፣ ኣድማሳውነት፣ ድምቀት፣ ትርጉም፣ ክብርታት ወኒኑ ዝክበርን ቀልቢ ማሕበረሰብ ዓለም እናሰሓበ ዝርከብን ‘ዩ፡፡

በዓል ኣሸንዳ/ዓይኒ-ዋሪ/ማርያ/ሒንግደይ-ፅሞረይ እንታይ ፍሉይነት ኣለዎ ንዝብል ሕቶ፤ ኣብ ዕላዊ ማሓበራዊ መራኸቢ ሓፋሽ (ፌስቡክ) ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ትግራይ ከምዝስዕብ ተገሊፁ ኣሎ::

እዚ በዓል ኣዝዩ ዓሚቕ ሃይማኖታውን ባህላውን መሰረት ዘለዎ፣ ዓለም ቅድሚ ብዛዕባ መሰልን ማዕርነትን ደቂ- ኣንስትዮ ምዝራብ ምጅማራ ዝነበረን ዘሎን ሙዃኑ፣ ናይ ደቂ- ኣንስትዮ ዓርሰ-እምነት ዝግለፀሉ፣ መግለፂ ተፈጥራዊ ፅባቐ ደቂ- ኣንስትዮ፣ ባህልን ትውፊትን ዝወራረሰሉ፣ ፍሉይ ስርዓት ኣበዓዕላ ዝወነነ፣ሓድነት፣ ምትሕግጋዝ፣ ፍቕሪ፣ ሰላም ዝስበከሉ፣ ማሕበራዊ ነቐፌታታት መንገዲ ዝቐርበሉ፣ ፍትሕን ማዕርነትን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ሕ/ሰብ ዝንፀባርቅሉ፣ ባህሊ ምስ ፅባቐ ተፈጥሮ ተወሃሂዱ ዝቐርበሉ፣ ልግስን ዝግበረሉ፣ መዓልቲ ምስጋና፣ መልእክትታት ሰናይ ትምኒትን ሓጎስን ዝቐርብሉ፣ ትርጉም ምሕዝነት ዝረኣየሉን ኮታስ ኩሎም ፀጋታትና ኣብ ሓደ ዝሓዘ ‘ዩ

ብተውሳኺ ዋላ እኳ ክንድቲ ዝድለ እንተዘይኮነ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ማሕበራዊ፣ ባህላዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ጉዳያት ንዘበናት ዘተባብዕ ምንቅስቓሳት ይርአ ‘ዩ፡፡ ኣብነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ልምዓት፣ ብረታዊ ቃልሲ፣ ስነ-ጥበብ፣ ምውርራስ ትውፊታት፣ ምድሓን ተፈጥሮ ከባቢ፣ ሚዛን ማሕበረሰብ ምሕላው ወዘተ ኣንፃራዊ ዝኮነን ዘተባብዕን ምንቅስቓስ ንዕዘብ፡፡

ካብ ተመሳሰልቲ ኣብ ዓለም ዘለው ናይ ደቂ- ኣንስትዮ ፌሰቲቫላት ፍሉይ መለለይታትን ዓሚቕ ማሕበረሰባዊ መሰረትን ስፍሓትን ዘለዎ ኮይኑ ንረክቦ፡፡ እዚ ኩሉ ድማ ናይዚ ኣሽንዳ/ዓይኒ-ዋሪ/ማርያ/ሒንግደይ-ፅሞረይ ናይ ኣሽሓት ዘበናት ትውፊት ክከውን ይክእል ‘ዩ፡፡

እዚ ኣሸንዳ ኣብ መላእ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማታት መቐለ፣ ዓብዪ ዓዲ፣ ኣኽሱምን ብድምቀት እናተኸበረ ዝመፅአ እነተኾነ ‘ውን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግና ቅድም ክብል ብሰንኪ ኮሮና ቀፂሉ ድማ ብሰንኪ ኲናትን ተዘሓሒሉ ዝነብረ በዓል ኣሸንዳ ሐዚ ግና ብዝተረኽበ ኣንፃራዊ ሰላም ባህላውን ሃይማኖታውን ክብርታቱ ሓልዩ ንክኽበርን መስሕብ ቱሪዝም ንክኸውን ዓሊሙ “ኽብርታት ኣሸንዳ ንኽብሪ ደቂ ኣሸንዳን ብሩህ መፃኢ ትግራይን” ብዝብል መሪሕ ቃል ንክኽበር ናይ ለምዘበን በዓል ብዝለዓለ ድምቀት ንምኽባር ሰፊሕ ምድላው እናተገበረ ‘ዩ። ካብቶም ምድላዋት ናይዚ በዓል ሓደ ዝኾነ ድማ ዓውደ መፅናዕቲ ንምክያድ ንመቅረብቲ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ብቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ትግራይ መፀዋዕታ ካብ መቅራቡ ብተወሳኺ ሰፊሕ ጎስጓስ ክግበር ጀሚሩ ኣሎ።

ነዚ ቅድመ ምድላው ኣብ ምስራሕ ይንቀሳቀሱ ካብ ዘለው ካብቲ ቢሮ ብተወሳኺ ምምሕዳር ከተማ ዓብዪ ዓዲ ሓደ ‘ዩ። ነዚ ቅድመ ምድላው መሰረት ብምግባር ‘ውን ተወከልቲ ዝተፈላልዩ ጎረባብቲ ወረዳታትን ቆልዑ ኣሸንዳን ኣብ ዝተርኸባሉ መድረኽ ዘተ ከምዝተኻየደ ተገሊፁ ‘ዩ።

ኣብዚ መድረኽ ዝተረኸቡ ምኽትል ከንቲባ ዓብይ ዓዲ ኣይተ ኣታኽልቲ ፀጋይ እቲ ከባቢ ብፍሉይ ዝፍለጠሉ ብባህላዊ ፀወታ ኣውርስ፤ እስታሊ ልጓዳ ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፤ በዓል ኣሸንዳ ካብ ውሉድ ወሎዶ እናተመሓላለፈ ዝመፅአ ባህላውን ሃይማኖታውን ኽብርታቱ ብዝግባእ ተዓቂቡ ካብ ዝሓለፍ እዋናት ብዝላዓለ ንምክያድ ካብ 12 ወረዳታት ልምዲ ዘለዎም ከባቢታት ከምዝፅዋዕን ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ናይ ባዕሎም ድሙቅ ባህሊ ፀወታታት ዘለዎም ከም ብሄራት ኩናማን ኢሮብን ከምኡ ‘ውን ካብ ራያን ኣፅብን ከምዝዕደሙን ሓቢሮም።

ሓላፊ ዘፈር ቁጠባ እታ ኸተማ ዝኾኑ ኣይተ ዘርኣይ ሓጎስ ብወገኖም፤ እዚ ዘሎ ተስፋታት ሰላም ብምጥቃም ጎና ጎኒ ምኽባር እቲ በዓል ባህሊ፣ ማህበራዊ ርክባትን ኢኮኖምያዊ ምንቅስቃስን እቲ ህዝቢ ንምዕዛዝ ማእኸል ብዝገበረ ክካየድ ከምዝተሓሰበ ብምሕባር፤ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይን መንግስቲ ትግራይን ብዘቅምጦ ኣንፈት ብምኽታል ንምኽባር ይዳለው ከምዘለው ገሊፆም ‘ዮም።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዝኾና ደቂ ኣሽንዳ ካብ ወለደን ዝተቀበልኦ ፀጋታት ክብርታት ኣሸንዳ ከይበረዛ ብምዕቃብ ናብ ረብሓ ቱሪዝም ንክውዕል ከምዝሰርሓ ገሊፀን ‘የን።

እቲ ቢሮ ክምዝገለፆ ኣብዚ በዓል ልዑል ትኹረት ተገይሩ ብቐፃልነት እነተተስሪሑ ማእከል ስሕበት ቱሪዝም ንክኸውንን ናብቶም ከም ትግራይ ዘለውና ኣዝዮም ብዙሓት ፀጋታት ተወሳኪ ምልክት ትግራይ ብምዃንን ቱሪስት ብምስሓብን ተረባሕነት ሕዝብና፣ ዓድና፣ ከምኡ ድማ ምንቕቓሕ ኢንዳስትሪ ቱሪዝም ናይ ባዕሉ ዓብይ ግደ ክህልዎ ‘ዩ፡፡ ስለዚ እዚ ንምግሃድ ናይ ኩሉ ምርብራብ የድሊ፡፡

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 25 ሓምለ 2016 ዓ.ም

Recommended For You