ሃይማኖታውን ባህላውን ትሕዝቶ ዘለዎ በዓል ደቂ ኣነስትዮ

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ፍርቂ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ኸበሮ ዲም እንትብል ልቢ ብዙሓት ኣዋልድ ምስአ ዲም ምባላ ዝተለመደ ‘ዩ። ምኽነያቱ ካብ ነሓሰ 16 ጀሚሩ ብድሙቅ ዝኽበር ተናፋቂ በዓል ኣሸንዳ (ማርያ፣ ዓይኒ ዋሪ፣ ሕንግደይ ፀሞረይ)ን ከምኡ ‘ውን ኣሸንድየ፣ ሻደይን ሸኖኖን ስለዝኾነ ‘ዩ።

እዚ በዓል እንትኽበር መበገሲ ስም ናይዚ በዓል ዝኾነ ቆፅሊ ኣሸንዳ ኣብ ዝልምልመሉ መሬት በሓምለዋይ ሕብሪ ኣብ ዝመዓረገትሉ (ዝደመቀትሉ) ቡቃላት ኣዝርእቲ ባፂሖም ናብ ዕምበባ ኣብ ዘሰጋገሩሉ ሓረሰታይ ዋጋ ድኻሙን ረሃፁን ንክረክብ ተስፋ ኣብ ዝስነቀሉን ከምኡ ‘ውን ምቅራብ በዓላት ሓዱሽ ዓመት፣ መስቀልን ካልኦት በዓላትን ዘመላኽት ‘ዩ። ኢሉ ‘ውን ብሩህ ተስፋ ዝርኣየሉ ካብቶም ኣለው ዝበሃሉ ዓበይቲ ባህላዊ በዓላት ሓደ ኾይኑ ንዘመናት ካብ ወለዶ ናብ ወልዶ እናተወራረሰ ዝቅፅል ዘሎ ሃይማኖታዊ፣ ባህላዊ፣ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ረብሓ ዘለዎን ተፈታዊ በዓል ‘ዩ።

እዚ በዓል ብኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣብ መላእ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝኽበር በዓል እንተኾነ ‘ውን፤ ኣብ ገለ ክፋላት ኢትዮጵያ ኣብ መላእ ትግራይ ገለ ከባቢ ጎንደር፣ ጎጃም፣ ሰሜን ወሎ፣ ዋግ ህምራን ኣብ ከባቢ ሽዋ ድማ ብዓሌት ቱልማ ሽኖየን ጉቤን ብዝብል ምስ ናይ ሰሜናዊ ከፋል ሃገርና ዝመስል ባህላዊ ትሕዝቶ ብዘለዎ፤ ምዝዛም ፆም ፍልሰታ ምኽንያት መበገሲ ብምግባር ዝኽበር በዓል ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከምዝኾነ ይግለፅ።

ኣከባብራ በዓል ኣሸንዳ፤ ኣዋለድ ደቂ ኣሸንዳ ትግራይ ቆፅሊ ኣሸንዳ ጎንጒነን ኣብ መዓንጠአን ብምእሳር፤ ቁኖ ጋመ፣ኣልባሶን ግልብጭን ዝበሉ ባህላዊ ኣሰራርሓ ፀጉሪ ብሙቁናን፤ ንኢደንን እግረንን ሳስላ፣ ንዓይነን ኩሕሊ፣ ንፀጉረን ጠስሚ ተጣሲመን ከም ሽቶ ኣደስ ዝበለ ገይረን ከምኡ ‘ውን ከም ብሪ መስቀል፣ ጎባጉብ፣ ሃሪን ዑንቚ ወዘተ ዘበሉ ባህላዊ መጋየፂቲታትን መማላኺዒታትን ፀቢቀን ዝደምቃሉ በዓል’ዩ።

በዓል ኣሸንዳ ኣዋልድ ትግራይ በዘይዝኾነ ኣፋላላይ ዝኽበር እንትኸውን ነዚ በዓል መድመቂ ዝኾኑ ባህላዊ ፀወታታት ካብ ውለዶ ናብ ወልዶ እናተወራረሰ ብዝመፅአ ደርፍታትን ስነቃላትን ብምዕጃብ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ዓርሰ-እምነት፣ሓድነት፣ ምትሕግጋዝ፣ ፍቕሪ፣ ሰላም፣ ማሕበራዊ ነቐፌታታት፣ ፍትሕን ማዕርነትን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ሕ/ሰብ ዝስበኸሉ፣ ምስጋናን ሰናይ ትምኒትን ደስታን ዘቕርባሉን ኮታስ ኩሉ ፀጋታት ኣብ ሓደ ደሚቁ ዝቀረበሉ ‘ዩ። ንኣብነት ኣብዚ በዓል ካብ ዝቐርቡ ደርፍታትን ስነ ቃላትን ነዚ ዝስዕብ ይመስሉ፡-

ንኣዋርሕ ብዝተፍላለየ ምድላዋት ብናፍቆትን ብሃንቀውታን ዝፅበያኣ በዓል ኣሸንዳ ምብፅሓ ከምዚ ክብላ ብጥዑም ድምፀን ይደርፋ፤ “መፀት መፀት ኣሸንዳ ዕምበብ መፀት”፣ “ኣሸንዳይ ናይ ዓምየ ናይ ዓምየ ተጋኒና ሎሚየ” ፣”ኣሸንዳዋይ ዲኺ ስኒ ሸሓነ ኣለሊኽኒዶ መን እየ ኣነ” ብምባል ንሓደ ዓመት ተፈላልየን ብምፅንሐን ብጣዕሚ ነዊሕ መሲሉ ስለዝሰመዐን ኣለሊኽኒዶ ብምባል እተን ኣዋለድ ምስቲ በዓል ዘለወን ስጡም ርክብን ፍቅርን ንምዝኽኻር ይደርፋ።

ካሊእ “ኣሸንዳኒ፤ ኣደዋኒ ኩሓልኒ፣ ጣስምኒ፤ ከም መጎጎ ወልውልኒ፤ ጓል ኣሸንዳ ኣምስልኒ” ብመባል ጓል ኣሸንዳ ካብ ካሊእ እዋን ንላዕሊ ፅባቀኣ ጎሊሁ ዝርኣየሉን ምልክዕትን ፅብቅትን ሙዃና ይፍለጥ። “ቆልዑ ኣሸንዳ ከመይ ዝበላ ‘የን፤ ከም ሸምባቆ ለይለይ ዝበላ”።

“ኣዋልድየ ቆሉዑ ማይ ዱረየ ስነን ፃዕዳ መልክዐን ድርባድርየ” ብምባል ብባህላዊ ጥበብ ዝወቀበ ብኢድ ጥበብ ወለዲ ዝተሰርሐ ብተፈታዊ ባህላዊ ክዳን ክገልፅኦ ይፍትና። ነፃነተን ብዝምለከት ድማ በፈላይ ኣብዚ በዓል ሙሉእ ዘይተገደበ ነፃነት ከምዘለዎን ንምግላፅ ከምዚ ይብላ፡- “ኣዋልደየ ኪዳ ዕበዳ ላዕላይ ሰማይ ዶ ኣለዎ ሜዳ” ብምባል ብዘይገደብ ክፃወታ ነፃነት ከምዘለዎን ይገልፃ።

ዝተናፈቃ ደቂ ኣሸንዳ ኣብ ኣዝየን ዝፈትውኣን ዝናፍቅኣን በዓል ብዘህንን ፅባቀ ምስተራኸባ፤ መጀመርያ ናብ ኣብ ክባቢኣን ዘሎ ቤተክርስትያን ብምኻድ ስም እቲ ታቦት ቤተክርስትያን ብምፅዋዕ ንኣብነት ሚካኤል እነተኾይኑ ሚካኤለይ ማርያም እንተኾይና ድማ ማርያመይ ፀሓየ መፂአ ኣለኹ ናብ መፅብዓይ ብመባል ቅድሚ ኹሉ ንፈጣሪአንን ኣምልኾአንን ምስጋናአን ብምቅራብ ቀፂለን ድማ ነቲ ታሕጓሰን ንምግላፅ በቢገዝኡ እንትኸዳ ድማ እንዳመን እንታይ ተባሂሉ እንተተደረፈ ይገልፆ ብምባል ንኹሉ ገዛ ወይ ክፋል እቲ ማሕበረሰብ ንዕዑ ብዝገልፆ ልክዕ ስነ ቃል ብምጥቃም እናደረፋ ሓሳበን፣ ሕቶኦን፣ቅሬታአን፣ ምስጋናአንን ኣኽብሮተንን ከከም ፆትኡ፣ ዕድሚኡ፣ ሞይኡን መዓርጉን ብዝምጥን ሓደ ሙሁር ዲፕሎማሲ ካብ ዝጥቀመሎም ኣጠቃቅማ ቃላት ብዘይንእስ ጥበብ ተጠቂመን ሕቶአንን ሓሳባተንን ተቀባልነትን ንክህልዎ ግጥምታት ብጥዑም ዜማ ኣሰንየን ድልየተን ናይ ምዕዋት ዓቅሚ ኣለወን ‘ዩ።

ንኣብነት ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘለዎ ልዕል ዝበለ ሓላፍነት ዘለዎ ከም ዳኛ ዝበለ እነተኾይኑ “ኣጋፋሪ ጎይታይ ጥዑም ዳኛ ክፈተለይ በሎ ንበረኛ” ይብላ። ካሊእ “እዞም ዓዲ ኣንበሳ ዶ ኣለዎምየ፤ ሕዝም በለ ኣብ ድሕሪ ገዝኦምየ” ብምባል ዘለወን ኣኽብሮት ብሙሙጋስ ይገልፃ ‘የን። ነታ ሰበይቲ ድማ “እዛ ዓዲ (ገዛ) መን ‘ዩ ዋነኣየ፤ እምበየተዋይ ወርቂ ጫምኣየ”፤ “እነበይተይ ዶ እኒሃየ፤ ከመዓለኪ ከብላየ”።

“እምበይተዋ ፅብቅቲ ሰበይቲ፤ መሃሪት ኣንስቲ” ብምባል ዘለዎን ኽብሪን ኣድናቆትን ብምግላፅ ስለዝጅምራ ድማ ፃኒሒተንን ርክበንን ብስኒትን ፍቅርን ዝተዓጀበ ካብ ሙዃኑ ብተወሳኺ ኣብዝሓ ድልየተን ዘዐወተ ‘ዩ ዝኸውን። በዚ መሰረት ድማ ዝተፈላለየ ወህብቶታት ካብ ገንዘብ ክሳብ ዓይነታት ምግቢ ይወሃባ። ነቲ ዘተወሃበኦ ድማ “ፈሰሰ ከም ማይ ነሓሰ”፤ “ኣቦ ጎይታይ ዝሃቡና እነምበይተይ ዝሃባና ቀለብ ዓመት ይኾነና”፤ “መኾምብያ ለይ ለይ ክብረት የሃበለይ” ብምባል ይውድሳ የመስግና።

ምናልባት እዚ ኹሉ ጥበብ ተጠቂመን እንተብቀዓ ሓደ ሓደ ሰብ ሕትኦን ዘይቅበል፣ ዝንዓቀንን ዘናሽወንን እንተኾይኑ ድማ ብመጠን ዘኽብርኦ የዋርደኦ ‘የን። ንኣብነት “ከመዓልካ ኢለዮ ንእምኒ፤ ሰብ መሲሉኒ”። “ኣታ ጠራጢ፤ ኣይትሃብዶ ኢሉካ ፈላጢ”። “ወይ ዝገርጣጢ ሽሮ፤ ረሲዕዎ ድሮ”። ነታ ሰበይቲ ድማ “እንጣጢዕ ቡቅላ ማይ ስዋኣየ፤ ቆልቃል ባሕሪ እንጀረኣየ” ይብልኣ ‘የን።

እንትጠቃለል በዓል ኣሸንዳ ኣብ ውሽጡ ብዙሓት ክብረታትን ፀጋታትን ዝሓዘ ፍልፍል ቱሪዝም ዝኸውን ሃይማኖታዊ፣ ማሕበራዊን ቁጠባውን ካልኦት ብዙሓት ረብሓታት ዘለዎ በዓል ስለዝኾነ ብግቡእ ክዕቀብ ይግባእ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 16 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You