ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ካብ ዝጀመረ ለውጢ ኣትሒዙ ስብራት ኢኮኖሚ ንምሕዋይ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ይካየድ ነይሩ፡፡ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ዕላዊ ብምግባር ለውጥታት ተመዝጊቦም ‘ዮም፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ኢትዮጵያ ሙሉ ንሙሉእ ትግበራ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣቲያ ኣላ፡፡ እዚ ከይዲ ኢኮኖሚ ሃገር ኣብ ምሕዋይ ዓብይ እጃም ከምዘበርክት ትፅቢት ይግበር፡፡
ትግበራ ማክሮ ኢኮኖሚ ብኣርባዕተ ዓምድታት ዝተሃንፀ ‘ዩ፤ እቲ ቐዳማይ ንማክሮ-ቁጠባዊ ምርግጋእን ዘላቕነትን ዝድግፍ ዘመናውን ጥዑይን ማክሮ-ቁጠባዊ ፖሊሲ ማዕቀፍ ምምስራት፤ ካልኣይ ንመሃዝነት ዘተባብዕ ምቹው ናይ ኢንቨስትመንትን ንግድን ሃዋህውን ተወዳዳርነትን ምዕባይ፤ ሳልሳይ ዓቕሚ ምፍራይን ኣፍራይነትን ውሽጢ ዓዲ ምሕያል፣ ከምኡ ‘ውን እቲ ራብዓይ ፅሬት ዘለዎ ግልጋሎት ብብቕዓት ንምቕራብ ናይ መንግስቲ ዓቕሚ ምዕባይ ‘ዮም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንኣተገባብራ መደብ ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሽ ዝኸውን ርኡይ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ ፃዕርታትን ድርድራትን ክካየድ ፀኒሑ ‘ዩ። እቲ ድርድር ብፍልጠትን ብስለትን ዝተኻየደ ሃገራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዝሕሉን ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋግፅን ‘ዩ። በዚ መንገዲ ድማ ብመሰረት ቀንዲ ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ዕላማታትን መንግስቲ ዘቐመጦ ስርዓት ሪፎርም ፖሊሲን ኣብ ስምምዕነት ምብፃሕ ተኻኢሉ ‘ዩ። እ
ዚ ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሽ ብዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ፣ ባንኪ ዓለምን ካልኦት ወሰንቲ መሻርኽትና ልምዓትን ዝድገፍ ‘ዩ። ዝተመስረተ ኣብ ሃገር በቖል ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሽ ፕሮግራምን ኣብ ትልሚ ልምዓት መፋርቕ ዘመን ኢንቨስትመንትን ‘ዩ።
ቁልፊ ዕላማታትን ሽቶታትን ፕሮግራም ማክሮ ኢኮኖሚ ምምሕያሽ (ሪፎርም) ምዝባዕ ሸርፊ ወፃኢ ምእራምን ናይ ነዊሕ እዋን ሕፅረት ሚዛን ክፍሊት ናይ ደገ ፀገማት ምፍታሕ፤ፖሊሲ ማዕቀፍ ገንዘባዊ ብምዝማን ናህሪ ዋጋታት ምንካይ፣ተቓላዕነት ዕዳ ብምፍታሕን ውሽጣዊ እቶት ብምውሳኽን ብውሽጣዊ ዓቕምና ሃገራዊ ልምዓታዊ ድሌታትና ንምዕዋት ምቹእ ሚዛን ምፍጣር፣ሓቋፊነት፣ ተወዳዳርነትን ጥዑይነትን ፋይናንሳዊ ዘፈር ምጥንኻር፣ ከምኡ’ውን ኣወሃህባ ግልጋሎት መንግስቲ ምምሕያሽ፣ ንለውጢ ነባሪ ኣየር ብምፅዋርን ውሕስነት ምግቢ ብምርግጋፅን፤ ድልዱል፣ ንኹሉ ዝሓቁፍን ዘላቒን ቁጠባዊ ስርዓት ንምህናፅ ‘ዩ።
ቐንዲ ስጉምትታት ማክሮ ኢኮኖሚን ትፅቢት ዝግበረሉ ሃገራዊ ረብሓታትን ብዝምልከት ብዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ፣ ባንኪ ዓለምን ካልኦት ኣገደስቲ መሻርኽቲ ልምዓታትን ዝድገፍ መደብ ቀንዲ ስጉምትታት ፖሊሲን ትፅቢት ዝግበረሎም ሃገራዊ ረብሓታትን ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ፖሊሲ ዕዳጋ መሰረት ዝገበረ ስርዓት ሸርፊ ወፃኢ፣ኣብ ወለድ ዝተመርኮሰ ማዕቀፍ ገንዘባዊ ፖሊሲ፣ምምሕያሻት ፊስካላዊ ፖሊሲ፣ዕድላት ፋይናንስ ልምዓትን ሪፎርም ምሕደራ ዕዳ መንግስትን’ ዮም፡፡
ፕሮግራም ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ብብቕዓትን ብውፅኢታውነትን ንምትግባር መንግስቲ ቑልፊ ስትራቴጂካዊ ኣንፈታት ኣቐሚዩ ‘ዩ፡፡ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ቐንዲ ቐንዲ ስጉምቲታት ፖሊሲ ምስ ናይ ሓፈሻዊ ነዊሕን ማእኸላይን ዘመን ሃገራዊ ናይ ልምዓት ትልምታትና ተጠዓዒሞም ክትግበሩ ‘ዮም፡፡ ከምኡ ‘ውን ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓ ብዝሕሉን ናይ ዜጋታትና ተጠቓምነት ብዘረጋግፅ መልክዑ ክትግበሩ መንግስቲ ልዑል ናይ ክትትልን ድጋፍን ኣሰራርሓታት ክዝርግሕ ‘ዩ፡፡
ምትግባር ምምሕያሻት ሸርፊ ወፃኢ፣ ምስ ካልኦት ደገፍቲ ማክሮ ስጉምትታት ተደሚሩ፣ ኢትዮጵያ መፃኢ ዕብየታን ብልፅግናኣን ንምቅልጣፍ ርኡይ ዕድል ዝፈጥር ‘ዩ። ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ቁጠባ ኢትዮጵያ ወሰንቲ ዕንቅፋታት ብምውጋድ ዓብዪ ምዕባለ ከርኢ ትፅቢት ይግበር። ብመሰረት ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ትንታነ ውድብ ፋይናንስ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ስጉምትታት ሪፎርም፣ ዕብየት ንምቅልጣፍ፣ ዋጋታት ናህሪ ንምንካይ፣ ዓቕሚ ፊስካል ንምዕባይ፣ ሰደድን ኢንቨስትመንትን ወፃኢ ንምስፋሕ፣ ዓለምለኻዊ ዕቑር ሸርፊ ወፃኢ ሃገርና ንምዕባይ ዓብዪ ኣበርክቶ ይህልዎ፡፡
ከምኡ ‘ውን ብመሰረት እዚ ትንበያ ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ዓመታት ብምኽንያት ዝተወስዱ ስጉምትታት ቁጠባ ኢትዮጵያ ብማእኸላይ 8 ሚኢታዊ ክዓቢ ‘ዩ፤ ዝቕባበ ዋጋ ናብ 10 ሚኢታዊ ዝተፀገዐ ክኸውን ‘ዩ፤ እቶት ግብሪ ካብ GDP ዘለዎ ብፅሒት 11 ሚኢታዊ ክበፅሕ ‘ዩ፤ ዕዳ መንግስቲ ካብ ጠቕላላ ናይ ውሽጢ ሃገር ፍርያት ዘለዎ ብፅሒት ናብ 35 ሚኢታዊ ክወርድ ‘ዩ፤ ዋጋ ንግዲ ሰደድን ዝኣትውን ናብ 20 ቢልዮን ዶላር ክዓቢ ‘ዩ፡፡
ቀጥታ ናይ ወፃኢ ኢንቨስትመንት ናብ 8 ቢልዮን ዶላር ክዓቢ ‘ዩ፤ ዓለምለኻዊ ዕቑር ሃፍቲ ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር (ን3.3 ኣዋርሕ ዋጋታት ሸቐጣት ንምሽፋን ዝኣክል) ክኸውን ‘ዩ። እዞም ትንበያታት እዚኦም ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ብምኽንያት ትግበራ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ክመፅእ ዝኽእል ደረጃ ቁጠባዊ ምስግጋር ዘመልክቱ ‘ዮም።ስለዝኾነ ንዕውትነት ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ኹሉ ኩሉ ክረባረብ ይግባእ፡፡
ወጋሕታ 25 ሓምለ 2016 ዓ.ም