‹‹ጁንታ ህወሓት በይናዊ ጠጠው ምባል ተዅሲ ዘይተቐበለሉ ምኽንያት ንህዝቢ ግዲ ስለዘይብሉ እዩ›› ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ

ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ መስራቲን ኣቦ መንበርን ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ከምኡ ‘ውን ዋና ዳይሬክተር ቤት ምኽሪ ምትሕብባር ህዝባዊ ተሳትፎ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እዮም። ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ምስ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ብዛዕባ ጁንታ ህወሓትን ኩነታት ህዝቢ ትግራይን ዝገበርዎ ፃኒሕት ከምዝስዕብ ተርጕምና ኣቅሪብናልኩም ኣለና።ሰናይ ንባብ።

 ሕቶ፡- ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ህፃናት ናብ ኩናት እናሰለፈ ይርከብ፤ እዚ ጉዳይ እዚ ምስ ቅድሚኡ ዝነበረ ባህሪኡ ከመይ ይሪእዎ?

ዶክተር ኣረጋዊ ፦ መጀመርታ እዚ ጉጅለ እዚ ሃገር ንምፍራስ ዝተጣየሸ ካብ ምዃኑ ተላዒሉ ህፃናት፣ ዓበይቲ ወይ ንፁሃን ዜጋታት ብሓፂሩ ንጥቕሙ ኢሉ ኩሉ ናብ ውግእ እናሰለፈ እዩ ዝርከብ።ከምዚ እናሃለወ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ዝግደሽ መሲሉ የውሪ።እቲ ሓቂ ግና ንህዝቢ ዝሓስብ ጉጅለ ኣይኮነን።ነዚ መርኣያ ዝኸውን ምንም ዘይፈልጡ ህፃናት ናብ ኵናት እናጠጠቖም ምኻኑ እዩ።

ህወሓት ምስ ህዝቢ ዘራኽቦ ነገር ዘየለ እናሃለወ ህዝቢ ተወረረ፣ ተጠቕዐ ወዘተርፈ እናበለ የውሪ።ኮይኑ ግና እዚ ጉጅለ እዚ ናይ ባዕሉ ጥቕሚ ጥራሕ ሓሲቡ ዝገብሮ ምዃኑ ክፍለጥ ይግበኦ።ህወሓት ማለት ንህዝቢ ዘይሓስብ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ተራእዩ እዩ፤ ሕዚ ‘ውን እዚ ባህሪ እዚ እዩ ዘለዎ።

ብምዃኑ ህዝቢን ጁንታን ምንም ርክብ ከምዘይብሎምን ንናይ ባዕሉ ጥቕሚ ጥራሕ እናተጓየየ ምዃኑ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብዝርደኦ ቋንቋ ክነግሮን ከርደኦን ይግባእ።

ህፃናት ናብ ኵናት ክስለፉ ምግባሩ ዓለም ዝፈለጦ ግልፂ እዩ።ምኽንያቱ ዝተቐረፀ ወይ ብፎቶ ግራፍ ዝተደገፈ መረዳእታ እዩ።የምናልባሽ እቶም ህፃናት ናይ ህወሓት እኩይ ዕላማ ተረዲኦም እንተይኮኑስ ብዝተዛብዐ ፕሮፖጋንዳን ብደርፊ ልቦም ክሽፍት ስለዝገበሮም ከምኡ’ውን ሓሸሽ እናሃበ ስለ ዘዐዎኖም እዩ።እዚ ግና ብጣዕሚ ዘሕፍርን ዓለም ለኸ ገበን ምዃኑ ክፍለጥ ይግበኦ።

ብምዃኑ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት መላእ ሕብረተሰብ ዓለም ብፍላይ ብዛዕባ መሰል ህፃናት የድግሸና እዩ ዝብሉ ኣካላት ስኽ ዝበሉ ዋላ ይምሰሉ ውዒሎም ሓዲሮም ኣመራርሓ ጁንታ ህወሓት ካብ ተሓታትነት ዘይድሕን ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ኣብ ቐረባ ግዜ ውፅኢቱ ከምዝሪኦ ግልፂ እዩ።

ሕቶ፡- መንግስቲ ዝወሰዶ በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ተኹሲ ስዒቡ ናይ ግብረ ራዕዳዊ ፈኻራ ከምኡ ‘ውን ናብ ጎንፂ ናይ ምእታው ከመይ ሪኦሞ?

ዶክተር ኣረጋዊ፡- መንግስቲ ነዚ በይናዊ ጠጠው ምባል ተኹሲ ዘሐለፈሉ ውሳነ ብረክት ዝበሉ ምኽንያታት ኣለዉ እዮም።ንኣብነት እቲ ወቕቲ ክረምቲ ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ሓረስታይ ተረጋጊዑ ኣብ ናይ ሕርሻ ስራሕቲ ክነጥፍ ከምኡ ‘ውን ህዝቢ ስኽን ኢሉ ግዜ ረኺቡ ብምሕሳብ ዝጠቕሞን ዝጎድኦን ብኣግባቡ ፈልዩ ክፈልጥ ብምባል እዩ ነይሩ።ኮይኑ ግና እዚ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ነዚ ኩሉ ቕኑዕ ናይ መንግስቲ ሓሳብ ናብ ፀጋም ብምግዳፍን ንባዕሉ ከም ሰዓራይ ብምሕሳብ ኣብ ዘይግባእ ፈኸራን ጉራን ተፀሚዱ እዩ ዝርከብ።ካብዚ ሓሊፉ ኣብዘይብሉ ዓቕሙ ‹‹ ንዑ ግጠሙለይ›› እናበለ ጎንፂ ይቑስቑስ ኣሎ እዩ።

ሕዚ ከምንሪኦ ዝተወሰነ ህዝቢ ዝደገፎ ዋላ እንተመሰሎ ምስ መብዛሕትኡ ህዝቢ ከብድን ዝባንን እዩ።ምንም ኣይራኸብን ምኽንያቱ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ናይ ውልቐ ናብረኦም ካብ ምምሕያሽ ኣብ ርእሲ ሃፍቲ ሃፍቲ ምድራብ ሓሊፉ ህዝቢ ጁንታ ምንም ከምዘይገበረሉ ብዝግባእ ፈሊጡ እዩ።መንግስቲ ኵናት ጠጠው ዘበለ ኣብ ቐፃሊ ‘ውን ጥሜት ከየጋጥም ኢሉ እዩ።ኮይኑ ግና እዚ ገጅለ እዚ ጥሜት ዋላ የጋጥም ምንም ስለ ዘይመስሎ በይናዊ ኵናት ጠጠው ምባል ውሳነ ጥሒሱ ጎንፂ ይቕስቕስ ኣሎ እዩ።እዚ ተግባር እዚ ድማ ናብ ሓያል ጥሜትን ፀገምን ከምዘምርሕ ምግማት ኣይኸብድን።

ጁንታ ህወሓት በይናዊ ጠጠው ምባል ውግእ ዘይተቐ በለሉ ምኽንያት ንህዝቢ ግዲ ስለዘይብሉ እዩ።ናይ መንግስቲ ፃውዒት ሰላም ኣይተቐበለን።ሕዚ ‘ውን ናብ ኵናት ክኸተና ክኢሉ እዩ።መወዳእትኡ ግና ንባዕሉ መጥፊእኡ ከምዝኸውን ሕዚ ዘሎ ናይ ምልዕዓል ህዝቢ ቑልጭ ኣቢሉ ዘርኢ እዩ።

ሕቶ፡- እዚ ጉጅለ እዚ ሕዚ ‘ውን ኤርትራን ኣምሓራን እናተንኮየ ኲናት ንኽቕፅል ዝገብሮ ዘሎ ፈተነ ብፍላይ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ከብፅሖ ዝኽእል ሓደጋ ከመይ ይገልፅዎ?

ዶክተር ኣረጋዊ ፦ ኵናት ብፍላይ ክጎድእ ዝኽእል ህዝቢ እዩ፤ምኽንያቱ ፅልኢ ዝቑስቑስ ንባዕሉ ንምክልኻል ክብል ካብ ዓውደ ኵናት ይርሕቕ እዩ።ኮይኑ ግና ኣብ ማእኸል ገና በሊዑ ዘይፀገበ ጎይዩ ሰሪሑ ዓርሱ ንምቕያር ዘይከኣለ መንእሰይን ህዝብን ሓዊ እናንደደ ንምንባር ይግደድ እዩ።እዚ ህዝቢ ድማ ሕዚ ጥራሕ እንተይኮነስ ቕድሚ ሕዚ ዝነበሩ ብዙሓት ኵናታት መከርኡ ዝረኣየ ብዙሓት ደቑ ዝገበረ ኮይኑ ግና ክሳብ ሕዚ በሊዑ ክፀግብ ዘይካኣለ እናሃለወ ሕዚ ‘ውን ተመሊሱ ኣትይዎ ዘሎ ፀገም ከቢድ እዩ።

ብምዃኑ እዚ ኵናት እዚ ንማንም ዘይጠቕም ካብ ምዃኑ ንልዕሊ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ምንም ትርጉም ዘይብሉ ዘለኣለም ደቁ ክግብር ዘግደድ ዕቤትን ልምዓትን ዝባሃሉ ነገራት ከይረኸበ ዝገብር ብምዃኑ ጁንታ ንህዝቢ ክብሃል ናብ ሰላም ክምፃእ ኣለዎ።ጁንታ ሰላም ከም ኣማራፂ እንተወሲዱ ብሓቒ ጠጠው ኢለሉ ኣለኹ ንዝብሎ ህዝቢ ዘለዎ ኣኽብሮት ዘርኢ እዩ ዝኸውን።

ሕቶ ፡- ህወሓት ሒዝዎ ዝመፀ ባህሪ ኣንፃር ንሰላም ዕድል ይህብ እዩ ኢሎም ዶ ይኣምኑ?

ዶክተር አረጋዊ ፦ብናተይ እምነት ግና እዚ ግብረ ራዕዳዊ ሓይሊ ሃገር ንምፍራስ ዝፍሕሶ ተንኮል ፅምኢ ስልጣኑ ንምርዋይ ዝገብሮ ቓልሲ ገዲፉ ናብ ሰላማዊ መገዲ ይመፅእዩ ዝብል እምነት የብለይን።ምኽንያቱ ናብ ሰላም እንተመፂኡ እቲ ዝደልዮ ምብዝባዝ፣ ጥቕምን ስልጣን ከምዘይረክብ ይፈልጥ እዩ።

ብሓፈሻ ህዝቢ ኢትዮጵያ ስለ ዝተፍኦን ድሕር በል ስለ ዝበሎን መገዲ ሰላም እንታይ ክገብረለይ ዝብል ሓሳብ እዩ ዘለዎ።ቅድሚ 8 ወርሒ መንግስቲ ሰላም እንግበር ብምባል ብዙሕ ፃዕርታት ገይሩ እዩ፤ ኮይኑ ግና እዚ ጉጅለ እዚ ብሰላማዊ መገዲ ድሌተይ ከዐውት ኣይክእልን ዝብል ብምዃኑ ነዚ ኩሉ ፃዕሪ ኣይተቐበሎን፤ ሕዚ ‘ውን ኣብዚ ቕዋም እዚ እዩ ዘሎ።

ሕቶ፡- እዚ ጉጅለ እዚ መንግስቲ ፌዴራል ነቲ ክልል ለቒቑ ምስ ወፀ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትድግፉ ነይርኩም ኢኹም ብምባል ንፁሃን እናቐተለ ከምዘሎ ይስማዕ ኣሎ እዩ፤ እዚ ባህሪ ከመይ ይገልፅዎ?

ዶክተር አረጋዊ፦ ኣብ ህዝቢ ዘይተመስረተ ሓይሊ ወይ ትካል ኩሉ ግዜ ብሓይሊ እዩ ዝነብር።ህወሓት ቐደም ‘ውን እንተኾነ ስልጣን ዝሓዘ ኮይኑ ኣብ 27 ዓመታት ብዙሓት ይኣስርን ይቐትልን ነይሩ እዩ።ሕዚ ‘ውን ጉልበቱ ተጠቂሙ ስልጣን ንምሓዝ እዩ ዝፍትን ዘሎ።ካብ ቐደም ሒዙ ኣካይድኡ ከምዚ እዩ፤ ሕዚ ዝረአ ዘሎ ባዕሉ ሃዲሙ ናብ በረኻ ምስኣተወ ነቲ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝሓገዙን ሓቢሮም ዝሰርሑን እናቐተሎም እዩ ዘሎ።

ኣባላት ፓርቲ ዲሞክረቲክ ትግራይ 16 ዝኾኑ ሰባት ኣብ መገዲ እዩ ቐቲሉ ደርቢይዎም።ብሓፈሻ ንህወሓት ዘይድግፉ እንተኾይኖም ጭካነ ብዝተመልኦ ኩነታት እናቐተለ ኣብ በረኻ እናደርበየ ንኣዛብእ እናሃቦም እዩ ዝርከብ።ብምዃኑ ንዝቓወሞ ኩሉ ቕፅዓት እናበለ ዝቐትሎም ዘሎ ሒዝዎ ዝነበረ ናይ ኣራዊት ባህሪ እዩ።ኮይኑ ግና ከምዚ ዓይነት እኩይ ተግባር ኩልና ተሓባቢርና ጠጠው ክነብሎ እንተዘይክኢልና እናቐተለ ክቕፅል ስለ ዝኽእል ከንቓለሶ ይግባእ።

እዚ ኣራዊት ዝኾነ ጁንታ ህወሓት ድማ በቓ ድሕሪ ሕዚ ኣይትቐትለናን፣ ኣይተኣስረናን፣ ኣይተጋፈዐናን ክብሃል ዝከኣል ኩልና ኢትዮጵያዊን ሓደ ኮይና ተሓባቢርና ደው ምባል እንትከኣል እንተሎ ስለ ዝኾነ ኣብ ትግራይ ናይ ለውጢ ደገፍቲ ዝኾኑን ካልኦት ናይቲ ጁንታ ኣባላት ዘይኮኑን ዝቕተሉን ዝንገላትዑን ዘለዉ ጉዳይና ስለዝኾነ ይምልክተኒ እዩ ብምባል ከንለዓልን ክንሓስብ ኣለና።ከምዚ ከንገብር እንተዘይክኢልና ግና እዚ ጉጅለ እዚ ካብ ምስፍሕፍሑ ንላዕሊ ደም ንፁሃን ኣብ ኣዳባባይ እናፍሰሰ ክነብር ከምዝኽእል እዩ ንዓይ ዝርደአኒ።

ሕቶ፡- ኣብ ዝሓለፉ 8ኣዋርሕ ነዚ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ንምጥፋእ መንግስቲ ፌዴራል ዝነኣድ ስራሕ ሰሪሑ ከምዝነበረ ፍሉጥ እዩ።ኮይኑ ግና ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ነፍሲ እናዘርአ ክኸይድ ዝኸኣለሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?

ዶክተር ኣረጋዊ ፦ እወ፣ ኣብቲ ዝነበረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ እዚ ገበነኛ ጉጅለ ቕፅዓቱ ረኺቡ ነይሩ እዩ።በዚ መሰረት በረኻ ዝኣተወ ኣትዩ፣ዝሞተ ሞይቱ፣ ዝተኣሰረ ተኣሲሩ ከምዘሎን ዋግኡ ከምዝረኸበን ይፍለጥ እዩ።

ኮይኑ ግና ኣብዝ ሕዚ እዋን ተረፍ መረፍ ተኣኻኺቦም ነፍሲ ዘሪኦም ኣለዉ እዮም።ኣብዚ ብቐዳምነት ተጠየቅቲ ዝኾኑ ግዝያዊ ኣመሓደርቲ እዮም።ምኽንያቱ ሓላፍነቶም ኣይተዋፅኡን።

ነዚ ዝበልክዎ ምኽንያት እዞም ሓላፍነት ተዋሂብዎም ናብቲ ክልል እንትኸዱ ዝተዋሃቦም ተልእኾ ብኣግባቡ ክዋፅኡ ብዘይ ምኽኣሎም እዩ ከምዚ ኮይኑ።ግዝያዊ ከም ምዃኖም መጠን ኣቐዲሞም እኹል ምድላው ብምግባር ማሕበረሰብ ሲቪክን ካልኦትን ብምስታፍ ተዝንቐሳቐሱ ነይሮም ዓቕሚ ክረኽቡ ነይሮም እዮም።እዚ ዘይምዃኑ ድማ እዚ ግብረ ራዕዳዊ ዝኾነ ጉጅለ ህወሓት ከም እንደጋና ተጣናኺሩ ኣይምተሰአን ነይሩ።

ሕቶ፡- ጉጅለ ህወሓት ሓረስቶት ትግራይ ኮነ ኣምሓራ ናብ ስራሕቲ ሕርሸኦም ተዋፊሮም ስረሖም ከይሰርሑ ጎንፂ እናፈጠረ እዩ ዘሎ። እዚ ከብፀሖ ዝኽእል ሰብኣዊ ቕልውላው ከመይ ይገልፅዎ?

 ዶክተር ኣረጋዊ፦ እዚ ጉጅለ እዚ ሓረስታይ ስርሑ ከይሰርሕ ኮነ ኢሉ እናሃወኸ ይርከብ።እዚ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ እዚ ኣመለኻኽትኡ ፀቢብ እዩ።ፈኸራን ጃህራን ከምኡ ‘ውን ብጉልበቱ ንምጥቓም ፖለቲካዊ ምፍርራሕ እናተጠቐመ ንምሕላፍ እዩ ፃዕሪ ዝገብር ዘሎ።ኮይኑ ግና ኣብዚ ሕዚ እዋን እዚ ኣይሽንካይዶ ከም ህወሓት ዝበለ ድኹም ግብረ ራዕዳዊ ካልኦት ዓብይ ዓቕሚ ዘለዎም ግብረ ራዕዳውያን ዋግኦም እናረኸቡ እዮም።

ህዝቢ ትግራይ ይኹን ህዝቢ ኣምሓራይ ሓደ ህዝቢ እዩ፤ እዞም ጉጅለታት ዝፈጥርዎ ፀገም ዝከፋፍል ኣይኮነን።ኮይኑ ግና እዚ ግብረ ራዕዳዊ ኮነ ኢሉ ሓረስታይ ኣብ ዝሓርሰሉ እዋን እናሓለወ ሓዊ ብምእጓድ ህዝቢ ኣብ ተደራራቢ ፀገም ክፍተን ስለ ዝደሊ እዩ።ሕዚ ኣብ መላእ እዛ ሃገር ሕርሻ ዝከናወነሉ እዩ።ህወሓት ድማ ንሓረስታይ ትግራይ ይኹን ንሓረስታይ ኣምሓራይ ዓሪፉ ማሕረሱ ከይሓርስ ኵናት ከፊትሉ እዩ።እዚ ድማ ከም ሃገር ብናይ እኽሊ ምግቢ ምእንቲ ከንፅገም ከምዝኾ ዘይርደኦ ኣሎ ኢለ ኣይሓስብን።ኩሉ ግዜ ህዝቢ ተሓጋዚ ኮይኑ ንኸብዱ ጥራሕ እናሓሰበ ክነብር እቲ ጉጅለ ምናልባሽ ናብ ስልጣን ዝመፀሉ ዕድል እንተረኺቡ ኣበይ ኢኹም ተባሂሎም ከይረኣዩ ንምግባር ዝሓሰበ ይመስለኒ።ኮይኑ ግና ዘስዕቦ ሰብኣዊ ቐውሲ ብቐሊሉ ዘይግለፅ ክኸውን ይኽእል።ብኻሊእ ወገን ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ነገር ንምልዕዓልን ናብ ኵናት ንምእታውን እዚ መሬት እዚ ናተይ እዩ እናበለ ዝኸፍቶ ኣጀንዳ ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ኩሉ መሬት ናይ ኢትዮጵያ ምዃኑ ብዘይ ምርዳእ እዩ።

ብምዃኑ ኢትዮጵያውያን ሓደ እንተኾይና ዶብ ንዓና መልዓሊ ፅልኢ ክኸውን ኣይኽእልን።ኩሉ ነገር በፍቕርን ልዝብል ምፍታሕ ይከኣል እዩ።ኮይኑ ግና ኣብ ዘይውዳእ ኵናት ምእታው ከቢድ እዩ።መሰልቲ ክምስሉ እንተለዉ ‹‹ቑማልስያ ስረ የፍትሕ›› ይብሉ፤ ንእሽተይ ዝባሃል የለን።ንእሽተይ ተባሂሉ ዝተነዓቐ ዋላ እንተኾነ ግዜ ሓልዩ ስረ ከፍትሕ ይኽእል እዩ።ብምዃኑ ነዚ ብምግንዛብ ኣርሒቕካ ብምሕሳብ ብልዝብ ንምፍታሕ ምፅዓር የድሊ።መንግስቲ ዘጣየሾም ከም ሰላም ሚኒሰቴርን ካልኦት ትካላትን እቲ ጉዳይ ክሪእዎ ብምግባር ብመፅናዕቲ ዝተመስረተ መፍትሒ ክመፅእ ምትሕብባር የድሊ እዩ።ካብዚ ሓሊፉ ብረት ተሓንጊጠ በረኻ ኣትዬ ፀገመይ ክፈትሕ እየ ማለት ግና ዘበት እዩ።ምኽንያቱ እዚ ነዚ ኩሉ ዓመት ከኽይድ ከምዘይከኣለ ኩልና ንፈልጦ ኢና።

ሕቶ፡- ሓረስታይ ኣብዚ ኵናት ብምኽራሙ ንቐፃሊ ከስዕቦ ዝኽእል ሰብኣዊ ቕልውላው ከመይ ይገልፅዎ?

ዶክተር ኣረጋዊ፦ ሓረስታይ እኮ ብኣርባዕተ ኩርናዕ ኣብ ፀገም እዩ ዘሎ፤ ይውቓዕ ኣሎ እዩ።እንኳደኣስ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ተስፋ ዝቖረፀ እዩ ዝመስል።እዚ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ነገራት በዚ መልክዕ ተዝኸይድ ነይሩ ሓረስታይ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት መሬቱ እናለሳለሰ ዘሪኡ ብምውቓል እናተንከባከበን እንታይ ዝኣክል ውፅኢት ክረክብ ከምዝኽእል ብተስፋ ኣብ ስርሑ ክውዕል ነይሩ እዩ።ኮይኑ ግና ከምዚ ዝበለ ፀገም ስለ ዘጋጠመ ሓረስታይ ብጣዕሚ ተጎዲኡ እዩ።እቲ ጉድኣት ሕዚ ከምነውርዮ ዝግለፅ እንተይኮነስ ፅባሕ እንድሕር ፅባሕ ሒዝዎ ዝመፅእ ፀገም ብጣዕሚ ከቢድ እዩ።

ሕቶ፡- ግብረ ራዕዳዊ ጁንታ ህወሓት መንግስቲ ክጥንክሮ እንተሎ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ርድኡኒ፣ ተቐተልኩ፣ ተዘረፍኩ፣ ተደፈርኩ ኢሉ የአዊ፤ መንግስቲ ክገድፎ እንተሎ ድማ ኵናት ናይ ምንቕስቃስ ስርሑ ይሰርሕ፣ እዚ ካብ ምንታይ ዝተላዕለ እዩ?

ክተር ኣረጋዊ ፦ ከምዚ ዓይነት መግለፂ እኮ ባህሪኡ እዩ፤ ንሱ ዝለመደ ጉልበቱ ተጠቒሙ ህዝቢ ብምጭቋን ዝደልዮ ምዝራፍ፣ ምቕታል፣ ዝደለየ ምስራሕ፣ ስለዚ ናብዚ ኵናት እዚ እንትኣቱ ተሎ ፀብለልታ ንኽህልዎ እዩ።ኮይኑ ግና ብግልባጥ ኮይኑ ብፅሑለይ እናበለ እዩ ዝልምን ዘሎ።

ህዝቢ ናይዞም እከያት ዝኾኑ ኣመራርሓ ጁንታ ህወሓት ተግባርን መምሰልትን ብደንቢ ተረዲኡ ባዕሉ ተወዲቡ ኣብ ዝኾነ ከይድኩም ኣእውዩ ጉዳይና ኣይኮነን ኣይንሰምዐኩምን ክብሎም ኣለዎ።

ሕቶ፡- ብምኽንያት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምድሌቶም ናብ ውሽጢ ሃገር ምእታውን ምንቕስቓስን ዝደልዩ ኣካላት ቕድመ ኩነታት እንትቕመጠሎም እንተሎ ኣይንቕበልን እናበሉ እዮም፤ እዚ ንህዝቢ ካብ ምሕሳብ ዝፈልፈለ እዩ ዶ ምባል ይከኣል?

ዶክተር ኣረጋዊ፦ ምስቲ ዘሎ ፀገም ሰብኣዊ ሓገዝ ብጣዕሚ ኣድላይ እዩ፤ ነዚ ንምግባር ብሓቂ ዝንቐሳቀሱ ኣካላት ምስ ምህላዎም ሰብኣዊ ሓገዝ ገይሮም እንደጋና እኩይ ዕላመኦም ንኸፍፅሙን ጁንታ ብዝተፈላለዩ ነገራት ንምድጋፍ ዝፅዕሩ ኣለዉ እዮም።ብምዃኑ ንሕና ሰላምን ሓድነትን ደለይቲ ሓይሊ ተሓባቢርና ትኹረትና ካብኦም ንላዕሊ ኮይና ምክትታልን ጥፍኣት እንትርከብ ኣይኾንን እናበልና ንህዝቢ ረብሓ ዝኸውን ድማ እናተቐበልና ምስጓም ናይና ሓላፍነት እዩ።

ቶ፡- ኣብ መወዳእታ ከሕልፍዎ ዝደለዩ መልእኽቲ እንተሓልዩ?

ዶክተር ኣረጋዊ፦ ህወሓት ብሽም ህዝብን ደምን እዩ ዝሽቕጥ፤ ኣብ ልዕሊ ጁንታ ስጉምቲ ብዝተወሰደ ቑፅሪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ስጉምቲ ተወሲዱ እናበለ ህዝቢ ንምልዕዓል እዩ ዝፍትን፤ ይኹን’ምበር እዚ ምጭብርባር ምዃኑ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ክፈልጡ ይግባእ።

ህዝቢ ንምጥፋእ ዝተላዕለ ሓይሊ የለን።መንግስቲ ፌዴራል ህዝቢ ካብ ጁንታ ተላቒቑ ናፃ ክኸውን ሰላም ክረክብ እዩ ድሌቱ፤ ብምዃኑ ህዝብን ጁንታን ዘራኽቦም ነገር የለን።ስጉምቲ ዝውሰድ ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት’ምበር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከምዘይኮነ ኩሉ ክርደኦ ይግባእ።

ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየለይ።

ዶክተር ኣረጋዊ ፦ ኣነ ‘ውን የቕንየለይ

ወጋሕታ 15 ሓምለ 2013

Recommended For You