መጠን ዘይሰርሓ ትካላት ማይ ትግራይ ናብ 30 ሚኢታዊ ቀኒሰን ተባሂሉ

ኣዲስ ኣባባ:– መጠን ክሰርሓ ዘይኽእላ ትካላት ማይ ትግራይ ኣብ እዋን እቲ ኲናት 71 ሚእታዊ ዝነብራ ሐዚ ናብ 30 ሚኢታዊ ከምዝቀንሳ ሓላፊ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ኣይተ ሞገስ ገብረእግዚኣብሄር ገሊፆም።

ኣይተ ሞገስ ገብረእግዚኣብሄር ንጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝገለፅዎ፤ መጠን ክሰርሓ ዘይኽእላ ትካላት ማይ ትግራይ ናብ 41 ሚእታዊ ዝኸውን ምቅናስ ማለት ኣቅሊልካ ዝርአ ስራሕ ኣይኮነን ብምባል፤ ብፍላይ ኣብዚ ዓመት ኣብ ማይ መስተን መስኖን ብዝተሰርሐ ስራሕ ብዙሕ ሕብረተሰብ ተረባሒ ኮይኑ ‘ዩ።

ብተወሳኺ ኣብዚ ዓመት ኣብ ገጠር ጥራሕ ዝተሰርሐ መስተ ማይ ናብ 5 ሺሕን 19 ዝኾና ማእኸላይ ፅገና ከምዝተኻየደ ዝሓበሩ ‘ቶም ሓላፊ ቢሮ፤ ካብቲ ዝተኻየደ ፅገናታት ናብ 96ሺሕን4331ዝኸዉን ሕብረተሰብ ተጠቃሚ ከምዝገብረን ካብዚ ድማ ናብ 496ሺሕን631 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን፤ ብፍላይ ኣብ ገጠር ዝነብራ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቀረባ ማይ ክረኽባ ከለዋ ብእዋኑ ስራሕተን ኣከናዊነን ናብ ትምህርተን ንክኸዳ ከምዘኽእለን ኣብሪሆም።

ከም ገለፃ ኣይተ ሞገስ፤ ኣብዚ ዓመት ካብ ዝተተለሙ ኣብ ፕሮግራማት ከም “ኮ ዋሽ”፣ “ዋን ዎሽ” ሰቆጣ ቃል ኪዳን ልምዓት ዝብሃሉን ካልኦት ከም ዩኒሴፍ ዝበሉ ፕሮግራማት ኣዐዊትናዮምን እናሰራሕናሎም ‘ውን ንርከብ። ብክልል መንግስቲ ተተሓዞም ዝነበሩ ካፒታል በጀት ግና ብዜካ ናይ ሓንቲ ናይ ዘላቂ ልምዓት ካሊእ ንካፒታል በጀት ተባሂሎም ዝተመደቡ ብምኽንያቱ ሕፅረት በጀት ኣይተለቀቀልናን።

ኣብ ቀረባ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበረና ገምጋማ ዕውት ኣብነታዊ ኣፈፃፅማ ስራሕ ተባሂሉ ዝተጠቀሰ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ሞጎስ፤ ንኣብነት ብዋን ዎሽ ፕሮግራም ኣብ ገርዓልታ ዝተሰርሐ ፕሮጀክት ካብቲ ክውድኣሉ ዝተቐመጠሉ እዋን ኣቐዲምና ኢና ወዲእናዮ ክብሉ ተዛሪቦም።

ካበዚ ብተወሳኺ ፕሮጀክት መሰተ ማይ ኢረረ ብዕውት ካብ ዝተዛዚሙ ሓደ ኾይኑ፤ ኣብ ዝቅፅል መወዳእታ ሓምለ ወይ መጀመርያ ነሓሰ ካብ ፌደራል ብዝመፁኡ ሓለፍቲ ብዝተረኸብሉ ክምቕ ከምዝኾነ ኣይተ ሞገስ ኣመላኺቶም።

ኣብ መስኖ ማይ ካብ ዝተሰረሑ ድማ ኢፋድ (IFAD) ብዝብሃል ፕርግራም ዝተሰርሐ ስራሕ ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ሰባዓን ኣርባዕተን ምልዋጥ ኣንፈት ማይ (ዳይቨርታት) ብምስራሕ ብሚኒስቴር ሕርሻ ተገምጊሙ መርኣያ ዕዉት ስራሕቲ ከምዝተበሃለ እቶም ሓላፊ ቢሮ ሓቢሮም።

ኣብ ዝቕፅል ዓመት ትኹረት ካብ ዘድልዮም ስራሕቲ ብዝምልከት ተመዛበልቲ ናብ ቦቶኦም ኣብ ምምላስ ይጅምሩ ብምህላዎም ኣብዚ ተወሳኺ ሓገዝ ስለ ዘድሊ ኩሉ ዝምልክቶ ኣካል ኣብዚ ንክረባረብ ኣይተ ሞጎስ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 25 ሓምለ 2016 ዓ.ም

Recommended For You