ኣዲስ ኣበባ፡– ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓትን ንመፈፀሚ ቀዳማይ ዘላቒ ልምዓትን ኩለመዳይ ፖሊሲ ዕቤት ልምዓትን ዝተገበረ ኣወጅ ስምምዕነት ልቓሕ ብምምርማር ኣፅዲቑ።
ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ ኣብ ዘካየዶ መበል 38 ስሩዕ ምስ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ዝተገበረ ስምምዕነት ሓገዝ ፋይናንስ ንምፅዳቕ ኣብ ዝተሰናደአ ኣዋጅ ብምዝታይ ውሳነ ምሕሊፉ ዝፍለጥ ‘ዩ።
ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብቲ ሰነድ ምስተዛተየ እቲ ልቓሕ ካብ ወለድ ናፃ፣ ናይ 6 ዓመት እዋን ችሮታ ሓዊሱ ኣብ 38 ዓመታት ተኸፊሉ ዝዛዘም ከምኡ ‘ውን ምስ ስትራቴጂ ምሕደራ ልቓሕ ሃገርና ዝጠዓዓም ከምዝኾነ ብምርግጋፅ እቲ ስምምዕነት ኣፅዲቑ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
እቲ ባይቶ ብወገኑ ሲዒቡ ኣብ 3ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 1ይ ህፁፅ ኣኼብኡ ዘካየደ እንትኸውን ኣቲ ረቂቕ ኣዋጅ ስምምዕነት ኣመልኪቱ ዘቲዩ፡፡ ካብ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ብልቓሕ ዝተረኸበ 500 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጀመሮም ስራሕቲ ሪፎርም ንምድጋፍ ዘኽል ከም ዝኾነ ተመልኪቱ እቲ ባይቶ፡፡
ምስ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ዝተገበረ ስምምዕነት ሓገዝ ፋይናንስ 1 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ዘርክብ እንትኸውን፣ ካብ ሞንጎ እዚ እቲ 1 ቢሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ብእርዳታ፣ 500 ሚሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ድማ ብልቓሕ መልክዑ ዝተረኸበ ከም ዝኾነ ተረዲኡ፡፡
እቲ ሓገዝ ፋይናንስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምርግጋእ ንዝገብሮም ስራሕቲ ሪፎርም ንምፍፃም ብፍላይ ድማ ንፈጠራ ስራሕ፣ ዝቕባበ ዋጋ ንምቁፅፃር፣ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ንምፍታሕ፣ መስተኻኸሊ ውዳበ ንምግባር ከምኡ ‘ውን በጀት 2017 ዓ.ም መንግስቲ ፌደራል ብቐጥታ ንምድጋፍ ዝውዕል ‘ዩ፡፡
በዚ ድማ ካብቲ ባይቶ ብዛዕባ እቲ ስምምዕነት ልቓሕ ኣመልኪቶም ንዝቐረቡ ሕቶታት መብርሂ ተዋሂቡ፤ ዝቐረበ ኣዋጅ 1345/2016 ኮይኑ ብሓደ ተቓውሞ፣ ብሓደ ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ፀዲቑ።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 25 ሓምለ 2016 ዓ.ም