ኣዲስ ኣበባ (ኤፍ ቢ ሲ)፡- ህወሓት ህፃናት ንኲናት ብምስላፍ ብዝፍፅሞ ዘሎ ገበን ተሓታቲ ንክኸውን ናይ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲ ኣይተ ተሻለ ንጉሴ፥ ህፃናት ንኲናት ምስላፍ ብኢትዮጵያ ይኹን ሕጊ ዓለም ብገበን ዘሕትት ኢዩ ኢሎም።
ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ነዚ ሕጊ ብምጥሓስ ህፃናት ብምምልማል ንኲናት ብምስላፍ ብዝፍፅሞ ዘሎ ገበን ተሓታቲ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።
ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተፈላለዩ ገበናት ናይ ምፍፃምን ሃገር ናይ ምፍራስ ልኡኽ ብምሓዝ ዝንቀሳቐስ ከምዘኾነ ኣዘኻኺሮም። ስለዝኾነ ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ጉጅለ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ ተሓታቲ ንክኸውን ንክገበር ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ህዝቢ ትግራይ’ውን ምንም ዕላማን ምኽኒያትን ኣብ ዘይብሉ ኲናት ህፃናት ደቁ ምስኣን ስለዘይብሉ ተግባር እቲ ጉጅለ ክቃወምን ከውግዝን ይግባእ ኢሎም።
ናይ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ትዴፓ)፣ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝፍፅሞ ዘሎ ገበን ብምቅዋም ኣብ ቐረባ እዋን መግለፂ ቅዋም ከምዘውፅእ ኣይተ ተሻለ ሓቢሮም።
ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኮንቬንሽን መሰል ህፃናት ዓንቀፅ 38፣ህፃናት ንኵናት ዘይምምልማል፣ ዘይምስታፍን ዝመሳሰሉን መሰላት ዘካተተ ከምዝኾነ ይፍለጥ።
ወጋሕታ 15 ሓምለ 2013