ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ተዓዊቱ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣብ መበል 50 ሻምፒዮና ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ ብደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ሓፈሻዊ ድምር ውፅኢት ቐዳማይ ብርኪ ብምሓዝ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ፅዋዕ ሰዓራይ ኾይኑ፡፡ መከላከያን ክልል ኦሮምያን ድማ ካልኣይን ሳልሳይን ብርኪ ሒዞም ዛዚሞም እዮም፡፡

ኣብዚ ሻምፒዮና ኣሰልጣኒ ብርቱኳን ቐፀላ፣ሃለቃ ሚኢቲ ምትኩን ተፈሪ ጭብሳን ኮኾብ ኣሰልጠንቲ ተባሂሎም እዮም፡፡ከምኡ’ውን መኮንን ጤናው ፣ሽመልስ ዳዊትን ተሾመ በቀለን ኣብቲ ሻምፒዮና ኮኾብ ዳያኑ ኾይኖም ተመሪፆም እዮም፡፡

ኣብ መዛዘሚ ዕለት መበል 50 ዓመት(ወርቂ ኢዮቤልዩ) ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻተደ 5ሽሕ ሜትሮ ንሕንሕ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋዬን ኣትሌት ጌትነት ዋለ ስዒሮም እዮም፡፡

ኣብ መጠቓለሊ ንሕንሕ ብቡዙሓት ስፖርት ቤተሰብ እናተፀበየ ዝነበረ 5ሽሕን 1500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ፍፃምኡ ረኺቡ እዩ፡፡ብደቂ ኣንስትዮ 5ሽሕ ሜትር ንሕንሕ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋዬ ቐዳመይቲ ኾይና ክትውድእ ኸላ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይን መልክናት ዉዴ ካልኣይን ሳልሳይን ብርኪ ሒዘን ዛዚመን እየን፡፡

ደቂ ተባዕትዮ 5ሽሕ ሜትሮ ንሕንሕ ቅድሚ ኸዚ ብመሰናኽል ንሕንሕ ዝፍለጥ ኣትሌት ጌትነት ዋለ ቐዳማይ ብምዃን ከስዕር ክኢሉ እዩ፡፡ ኣትሌት ያሲን ሃጂ ካልኣይ ብምዃን እንትዛዝም ኣትሌት ሚልኬሳ መንገሻ ሳልሳይ ኾይኑ ወዲኡ እዩ፡፡

ደቂ ተባዕትዮ 1500 ሜትሮ ኣትሌት መለሰ ንብረት ቐዳማይ ኾይኑ እንትውድእ፣ ሳሙኤል ኣባተን መልካሙ ዘገየን ካልኣይን ሳልሳይን ብርኪ ብምሓዝ ዛዚሞም እዮም፡ ፡

ደቂ ኣንስትዮ 1500 ሜትሮ ኣትሌት ለምለም ሃይሉ ቐዳመይቲ፣ሂሩት መሸሻ ካልአይቲ፣ፍረወይኒ ሃይሉ ድማ ሳልሳይ ብርኪ ብምሓዝ ኣጠናቒቐን እየን፡፡

ኣብዚ ሻምፒዮና ብኣጠቓላሊ ትሽዓተ ክብረ ወሰናት ዝተምሓየሹ እንትኾን፣ካብዚኦም እቶም ኣርባዕተ ኣብ ንሕንሕ ተግባራት ሜዳ እንትኾኑ፣እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ርሕቐታትን ንሕንሕ ምስጓም እዮም፡፡

 ሽዱሽተ ክብረወሰናት ብደቂ ኣነስትዮ ዝተመሓየሸ እንትኾን፣ንሳቶም’ውን ምድርባይ ኲናት፣ምድርባይ ዲስከስ፣200 ሜትሮ፣10ሽሕ ሜትሮ ምስጓም፣ 1ሽሕ 500 ን 5ሽሕ ሜትሮን ጉያ እዮም፡፡400 ሜትሮ መሰናክልን፣ምድርባይ ማርቴሎን ኲናትን ድማ ብደቂ ተባዕትዮ ዝተመሓየሹ ክብረ ወሰናት እዮም፡፡

ብ100ን 400 ሜትሮ መሰናክል ከምኡ’ውን 4 ብ100 ቅብብል በትሪ ሰለስተ ሜዳልያ ወርቂ ተዓዋቲት ዝኾነት ካብ ክልል ኦሮሚያ ኣትሌት መስከረም ግዛው እያ፡፡

ብ110ን 400 ሜትሮን መሰናክል ቐዳማይ ኮይኑ ክልተ ወርቂ ተዓዋቲ ዝኾነ ድማ ካብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣትሌት ደረሰ ተስፋዪ ፍሉይ ተሸላሚ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ብደቂ ኣንስትዮ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ፣መከላከያ፣ ክልል ኦሮሚያ ካብ ቐዳማይ ስጋብ ሳልሳይ ተዓወቲ እንትኾኑ፣ በደቂ ተባዕትዮ ድማ መከላከያ፣ክልል ኦሮሚያን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ካብ ቐዳማይ ስጋብ ሳልሳይ በምውፃእ ንሕንሖም ዛዚሞም፡፡

ብክልቲኡ ፆታ ሓፈሻዊ ድምር ውፅኢት ቐዳማይ ብርኪ ብምሓዝ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ቐዳማይ እንትኾን፣ መከላከያን ክልል ኦሮምያን ድማ ካልኣይን ሳልሳይን ብርኪ ሒዞም ዛዚሞም እዮም፡፡

ወጋሕታ 7 ሚያዚያ 2013

Recommended For You