ኣብ ግድብ ህዳሰ ንዝተረኽበ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ብተሳትፎ ህዝቢ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡- ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ግድብ ህዳሰ ብሕብረት ኣፍሪካ ንኽርኣይ ድጋፍ ምሃቡ ስዒቡ ዝተረኸበ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት፤ ብህዝባዊ ተሳትፎ ኣጠናኺሩ ከም ዘቐፅሎ ዋና ዳይሬክተር ቤት ምኽሪ መተሓባበሪ ግድብ ህዳሰ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ገሊፆም፡፡

ዶክተር ኣረጋዊ ብፍላይ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዝገለፅዎ፤ዘተ ግድብ ህዳሰ ናብ ሕብረት ኣፍሪካ ምምፅኡ ስዒቡ ኣብ ህዝቢ ንዝተፈጠረ ምንቕቓሕ ብዝተወደበ መልክዑ ንህንፀት እቲ ግድብ ዓቕሚ ንኽኸውን እናተሰርሐ እዩ፡፡

‹‹ምትእስሳር ለግድብ ህዳሰ ››ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ነቲ ህዝቢ ብምውዳብ ኣስተዋፅኦ ንኽውስኽ ብምግባር ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ሰፋሕቲ ምንቅስቓሳት እናተገበረ እዩ፤ ብሓድነት ምስራሕ ውፅኢት ዘምፅእ ከምዝኾነ ንሓዋሩ ‘ውን ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም፡፡

ሐዚ ዝተረኸበ ዓወት ዲፕሎማሲ ንኽቕፅል ኣጠንኪርና ምስራሕን ተሳትፎ ህዝቢ በብዘፈሩ ክዓብይ ኣለዎ ዝበሉ እቶም ዋና ዳይሬክተር፤ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ፈተውቶም ብምውዳብ እስካዕ ዝዛዘም ድጋፎም ንኽቕፅሉ ምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም፡፡

እቲ ሓገዝ ብገንዘብ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ብዘፈር ዲፕሎማሲ ‘ውን ተግባራዊ ከም ዝኸውን ዝጠቆሙ ዶክተር ኣረጋዊ፤ ኣብ ጉዳይ ህንፀት እቲ ግድብ ፅዕንቶ ዝፈጥሩ ሃገራት ብወገን መንግስቶም’ውን ነቲ ግድብ ፅቡቕ ርኢቶ ንኽህልዎም ከምዘድልይ ጠቑሞም፡፡

ግብፅን ሱዳንን ዝነዝሕኦ ናይ ሓሶት መረዳእታ ብምዕጋት ሓቃዊ ሕቶ ኢትዮጵያ ምላሽ ንኽረክብ ክስራሕ እዩ ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ፤ ሃገራት ኣባል ሕብረት ኣፍሪካ ‘ውን ናይ ባዕሎም ፀገም ስለዘለዎም ምትሕብባርን ፀገም ኣፍሪካውያን ብኣፍሪካውያን ክፍታሕ ከምዝኽእልን ጠመተ ምርካቡ ፅቡቕ ውፅኢት እዩ ኢሎም፡፡ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ሓቃዊ ፀገም ኢትዮጵያ ከም ናይ ባዕሎም ንምርኣይ ማዕፆ ዝኸፈተ ውሳነ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡ ንኢትዮጵያ ዓብዪ ዓወት እዩ ኢሎም፡፡

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 15 ሓምለ 2013

Recommended For You