ናብ ርሑቕ ከይኸድና ኣባላት ዕቁብን እድርን ንመልከት። ነበርቲ ሓደ ከባቢ ንርኣይ፤ሰራሕተኛታት ትካል፣ስራሕቲ ንግዲ፣ቤት ትምህርትታት ብምርኣይ ኣዲስ ኣበባ መንበሪ ብሄር ብሄረሰባት ከምዝኾነት ምምስካር ይከኣል እዩ። ንዘበናት ተኸኣኢሉን ተኸባቢሩን ከከም ዓቕሙ ኹሉ ዝነብረላ ከተማ ከምዝኾነት ምግላፅ ቐሊል እዩ። ነዚ ሓቂ ዝተፈላለዩ ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ክዛረቡ ይድመፁ፤ነበርቲ‘ውን ኣስተማቒሮሞ እዮም።
ምስዚ ተተሓሒዙ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቐዳማይ ሚኒስትር ሰራሕተኛ ዝኾኑ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ነብዩ ባዩ፤ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ፖለቲካ እዛ ሃገርን መቐመጢ መንግስቲ ብምዃና ኢትዮጵያውያን ንዘበናት ተኣኻኺቦም ዝነብሩላ ከተማ ከምዝኾነት ይዛረቡ።ቤት ዕዮ መንግስትን ፖሊሲ ዝመርሑ ማእኸላትን ዝርከቡላ ከተማ ብምዃና ብብርኪ ሃገር ዓበይቲ ውሳነታት ዝውሰኑ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ ይብሉ።
ኣዲስ ኣበባ መቐመጢት ሕብረት ኣፍሪካን ዓበይቲ ፖለቲካዊ ውሳነታት ኣፍሪካ መወሰኒት ንምዃን ዝኽኣለት ከተማ እያ:: ነዚ ስዒቡ ፖለቲካዊ ህይወት ናይዛ ከተማ ዘዕብይ ካብ ኣውሮፓ፣ካብ ኣሜሪካን ካብ መላእ ዓለም ዝመፁ ትካላት ኤምባሲ ዝሓቖፈትን ብርክት ዝበሉ ዲፕሎማት ከምኡ ‘ውን ወፃእተኛታት ዝሓዘትን ከተማ እያ።
ዓለምለኸ ማእኸል ፖለቲካ ካብ ምዃና ንላዕሊ መቐመጢ መንግስቲ ከምኡ ‘ውን ንዘበናት ብዝኸደቶም ጎዳናታት ዓወት ካብ ኹሎም ክፋላት ኢትዮጵያ ዝመፁ ኢትዮጵያውያን ሰፊሮም እዮም።ተመርዕዮም፣ወሊዶም ኣባፂሖም እዮም። ቖልዑት‘ውን መልክዕ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝበለፀ እናድመቑን ንዘበናት ተጓዒዞም ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣዝዩ ዝተዛነቐ ሕብረት ንኽህልዋ ከም ዘኽአልዋ ኣመላኺቲም።
ሓጋዚ ፕሮፌሰር ነብዩ ከምዝገለፅዎ፤ ኢትዮጵያ እንታይ ትመስል ኢሉ ንዝሓትት ‹‹ኣዲስ ኣበባ›› እቲ ምላሽ ዝብል እንተኾይኑ ልክዕ እዩ። ኣብ አዲስ ኣበባ ዘየለ ሃይማኖት፣ዘይዝረብ ቋንቋ ዘይርኣይ ባህልን ብሄረሰብን የለን። እዚ ኹሉ መስተጋብር ኣዲስ ኣበባ መግለፂ ባህልታት፣መንነትን ሃይማኖትን ንኽትከውን ገይርዋ እዩ። እዚ መስተጋብር እናተመሓየሸ ንዘበናት ተጓዒዙ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዝርዝር ክፅናዕ ዝኽእል ርክብ ፍቕርን ሓድነትን ፈጢሩ እዩ።
ኣብ መርካቶ ብንግዲ ዝተዋፈሩ ነበርቲ እዛ ከተማ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ምስ ዝመፁ ሰባት ናይ ባዕሉ ውቑብ ሕብሪ ኣለዎ። ከባቢ ፒያሳ መልክዕ ጥንታዊት ኣዲስ ኣበባ ከምዝስትውዓል ይዛረቡ። ከባቢ እንጦጦ በዝሒ ቅርስታት ሃይማኖት ዘለዎን ሐዚ ድማ ልሙዕ ፓርክ እንጦጦ ዝርከበሉን እዩ። ናብ ቦሌ ከባቢ ድማ ዓለምለኻውነትን ዘበናውነትን ዝተላበሰ ከባቢ ከምዝኾነ ኣልዒሎም። እዚኣቶም ኹሎም በብእዋኑ ዝስርሑ ዕብየት ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያውያን እናሓቖፈት፣ እናወሰኸት፣ ብኹለመዳይ መግለፂ ባህልታት ምዃን ኽኢላ እያ።
ኣዲስ ኣበባ ካብ እትፍጠር እዋን ጀሚራ ናብዛ ከተማ ዝመፁ ብሄር ብሄረሰባት ብምትሕብባርን ብምድግጋፍን ብኢትዮጵያ ይምሰሉ። ብገባር ሩባታት ዝተደራጀወ ዓብዪ ሩባ ድማ መሊስኻ ምፍላይን ምንፅፅልን ከምዘይከኣል ሓጋዚ ፕሮፌሰር ይዛረቡ።
ኣዲስ ኣበባ መልክዕ ኹሉ ኢትዮጵያዊ ዘለዋን ካብ ምውህሃድ ብሄር ብሄረሰባት ሓሊፋ ብዝረቐቐ መልክዑ ብፍቕሪ፣ ብመውስቦን ዝኣመሰሉን ኹነታት ዝተወሃሃዱ ውልቀ ሰባት ዝነብሩላ ከተማ እያ።ናብ ዕዳጋ፣ሆቴል፣ ሆስፒታል፣ ቤት ትምህርቲ ወዘተ ዝኸይድ ዝኾነ ሰብ መኒኻ ካበይ ኢኻ ኢሉ ዝሓቶ የለን። እዚ ኣዝዩ ኣድላዪን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ክሰፍሕ፣ክነባዝሖን ዝግባእ ፅቡቕ ተሞክሮ እዩ። በዚ ድማ ኣዲስ ኣበባ ንኢትዮጵያ ዓባይ ተምሳሌት እያ።
ኣዲስ ኣበባ ተምሳሌት ሓድነት ምዃና ዝዛረቡ ሓጋዚፕሮፌሰር ነብዩ፤ ንዝሓለፉ ሰላሳ ዓማውቲ ዘጋጠሙና ናይ ምፍልላይ ዝንባለታት ብገንኡ ንኽቑፀይ ኹሎም ብሄር ብሄረሰባት ካብ ኣዲስ ኣበባ ተሞክሮ ክወስዱ ከምዝግባእ ገሊፆም።
ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ሕብረ ብሄራውነት ከምኡ ‘ውን ተሓባቢሩ ናይ ምንባር ባህሊ ከምዘሎ ዝተረድእ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ወረዳ 9 ናይ ቀበሌ ገዛ ተኻራይት ዝኾነት መንእሰይ ሄለን ወንዲፍራው ሓጎስ እያ። ኣፍቲ መንበሪ ካንሸሎ ልዕሊ 9 መራሕቲ ስድራ ኣቦታት ይነብሩ። ኣብ ሕድሕድ መራሒ ስድራ ቖልዑት ዘመድ ኣዝማድ ተሓዊሱ ብርክት ዝበለ ቑፅሪ ዘለዎ ፤ዝተፈላለዩ ሃይማኖትን ብሄርን ዝርከብዎም እዮም። ኹላቶም ነበርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ በዓላት ብፍቕሪ ተኣኻኺቦም እናበልዑን እናሰተዩን ብዘሐጉስ መልክዑ የሕልፍዎ። ‹‹ፍቕሮም ኹሉ ዓይነት ገደብ ኣፈላላይ ዝስዓረ እዩ››ክትብል ጥንካረኦም ትዛረብ።
‹‹ሓንቲ ኣዶ ንስራሕ ወይ ድማ ንኻልእ ጉዳይ ቖልዓ ገዲፋ እንተወፂኣ ኣፍቲ ካንሸሎ ዝርከብ ዝኾነ ሰብ እስካዕ እትምለስ ነቲ ቖልዓ ተኸናኺኑ የፅንሖ››እዚ ማለት እቲ ቖልዓ ናይ ኹሎም ከምዝኾነ መርኣያ እዩ።
ኣብ ሓደ ካንሸሎ ዝነብሩ ተኸተልቲ ዝተፈላለዩ ብሄራትን ሃይማኖታትን፤ ሓድነቶምን ምድግጋፎምን ዝተፈላለዩ ፀገማት እንተጓንፍዎም ብቐሊሉ ንኽሓልፍዎ የኽእሎም። ኹሉ ኢትዮጵያዊ ካፍታ ንእሽተይ ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ናይ ቀበሌ ገዛ ተሞክሮ ብምውሳድ ሃገሩ ካብ ናይ ውሽጥን ደገን ፀላእቲ ክከላኸል ከምዝግባእ ትመክር። እታ ኻልአይቲ ብዛዕባ ሕብረ ብሄራውነት ኣዲስ ኣበባ ሓሳባ ዝሃበትና መንእሰይ መሰረት ጌጤ ትበሃል። ኣብ ሽሮ ሜዳ ናይ ባህሊ ኣልባሳት እናሸጠት ህይወታ ትመርሕ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ናይ ባህሊ ኣልባሳት ዝዳለዉን ዝሽየጥን ናይ ኹሎም ብሄረሰባትን ሃይማኖትን መሰረት ገይሩ እዩ ትብል።
ትርሓስ ፍቃዱ
ወጋሕታ 15 ሓምለ 2013