“ሓሙሽተ ሚልዮን ‘ኮደርስ’ ንኢትዮጵያን ኣህጉርናን ተስፋ ዝህቡ ‘ዮም” – ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፡ካብ ስልጠና ዲጂታል ቴክኖሎጂ ተጠቀምቲ ዝኾኑ ሓሙሽተ ሚልዮን ዜጋታት ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣህጉርና ‘ውን ፍልፍል ተስፋ ከምዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ቤተ መዘክር ሳይንስ ሓሙሽተ ሚልዮን ናይ ኢትዮጵያውያን “ኮደርስ” ፕሮግራም እንተጅምሩ እንከለዉ ከምዝገለፅዎ፤ እቲ መደብ ሓሙሽተ ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ዘመኑ ብዝጠልቦ ስልጠና ዲጂታል ቴክኖሎጂ ጠቓሚ ዝግብር ‘ዩ።

በዚ ዓብዪ ዕድል ዝረብሑ መናእሰይ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣህጉርና ‘ውን ናይ ፅባሕ ተስፋ ‘ዮም። ኢትዮጵያ ንመፃኢ ዝሓልሙ መናእሰይን ንሃገሮም ሓለይቲ ዜጋታት ክኾኑ ተስፋ ከምዘለዋ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ናይ ሓሙሽተ ሚልዮን ኢትዮጵያውያን “ኮደርስ” ፕሮግራም ንኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ተስፋ ከም ዝህባ ገሊፆም።

ናይ ኢትዮጵያ ናይ ፅባሕ ተስፋ ዝኾኑ መናእሰይ ነቲ ስልጠና ብጥንቃቐ ተኸቲሎም ስራሕ ፈጠርቲ፣ መስረቲ ኩባንያታት ክኾኑን ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ክወዳደሩን ትፅቢት ይግበር ኢሎም። እቲ ናይ ሓሙሽተ ሚልዮን መደብ ‘ኮደርስ’ ንመንእሰያት ዓቢዪ ዕድል ምዃኑ ብምግላፅ፤ መናእሰይ ኣብቲ ፕሮግራም ብምምዝጋብ ክእለትን ዓለም ለኸ ሰርቲፊኬትን ንኽረክቡ ምቅላስ ኣድላዪ ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ መናእሰይን ደቅናን እንተዘይሰሪሕና እቲ ዝድለ ለውጢ ክንበፅሕ ኣይንኽእልን ኢና። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ወለዲ ንደቖም፣ መምህራን ንተምሃሮኦም ብምምዝጋብ ንናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ተስፋ ከልምልሙ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቲ ናይ ሓሙሽተ ሚልዮን ናይ ኢትዮጵያ መደብ ‘ኮደርስ’ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብምትሕብባር ዝትግበር ኮይኑ፣ እቲ ስልጠና ንሓሙሽተ ሚልዮን ዜጋታት ብዲጂታል ቴክኖሎጂ፣ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ተዛመድቲ ክእለት ዲጂታላይዜሽንን ንኽስልጥኑ ዝሕግዝ ‘ዩ።

ብተወሳኺ እቲ መደብ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ዝተገለፀ እንትኸውን፤ እቲ ስልጠና ምዕቡላት ኣፕሊኬሽናት ምጥቃም ጥራሕ ዘይኮነስ ዲጂታላዊ ክእለትን ፍልጠትን ዘለዎም ዜጋታት ንምምዕባል ዝዓለመ ምዃኑ ኣብቲ መደብ ተገሊፁ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 18 ሓምለ 2016  ዓ.ም

Recommended For You