ኣብ መናእሰይ መጠን ዝርገሐ ኤች ኣይቪ/ኤድስ እናወሰኸ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ መናእሰይ ደቒ ኣንስትዮን ደቒ ተባዕትዮን መጠን ምስፍሕፋሕ ኤች ኣይቪ/ኤድስ ቫይረስ እናወሰኸ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጥዕና ገሊፁ።

ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤች ኣይ ቪ/ኤድስ መተሓባበሪ ዴስክ ሓላፊ ኣይተ ሃብታሙ ካሳ ንጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብቐረባ እዋን ዝወፀ ሓዱሽ መፅናዕቲ ኣሎ፤ በቲ መፅናዕቲ መሰረት ኣብ መናእሰይ ደቒ ኣንስትዮን ደቒ ተባዕትዮን መጠን ምስፍሕፋሕ እቲ ቫይረስ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፡፡

እቲ ምስፍሕፋሕ 1 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ከምዝኾነ እቲ መፅናዕቲ ከምዝገልፅ ዝገለፁ ኣይተ ሃብታሙ፤ ብፍላይ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ወፃኢን ኣብ ኣብያተ ህንፀትን ዝመሳሰሉ ክፋል ማሕበረሰብ ዝርከብዎም ዕድሚኦም 24ን ካብኡ ንታሕቲን ዓመት ዝኾኑ ከም ሓዱሽ እናተተሓዙ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ማሕበረሰብ ምስፍሕፋሕ እቲ ቫይረስ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ እቲ መፅናዕቲ ዝገልፅ ኮይኑ ኩሉ ዝተሓዝ ዘሎ ግና መንእሰይ ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ እቶም ዝበዝሑ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮን ደቒ ተብዕትዮን ወላ እንተኾኑ ካብዚኦም ወፃኢ ‘ውን ዝተሓዙ ከምዘለዉ እቶም ሓለፊ ኣብሪሆም፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 18 ሓምለ 2016  ዓ.ም

Recommended For You