ህወሓት ብሕጋዊ መንገዲ ጉባኤ ብምክያድ ናብ ሕጋዊ ፓርቲነቱ ክምለስ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ:- ተመሊስና ናብ ኲናት ከይንኣትው ህወሓት ብሕጋዊ መንገዲ ጉባኤ ኣካይዱ ናብ ሕጋዊ ፓርትነቱ ክምለስ ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር) ኣብዚ ሰሙን ምስ ተፎኻኸረቲ ፖለቲካዊ ፓርትታት ኣብ ዝግበርሉ ዘተ ከምዝገለፅዎ፤ ሰላምን ሕጋዊ መንገዲን ስለ ዘዋፅእና ህወሓትን መሰል ፓርትታትን ብሕጋዊ መንገዲ ተመዝጊቦም ናብ ሕጋዊ ፓርቲ ንክምለሱ ኢና ኣዋጅ ኣመሕይሽና፡፡

ቦርዲ መረፃ ክሰርሖ ዝግባእ ሰሪሑ ዝፃረይ ኣፃርዩ ብሕጋዊ መንገዲ ንክፈቅደሎም ‘ውን ደብዳቤ ፅሒፍና ኢና፤ ናይ ኣፈፃሚ ስራሕ ሚኢቲ ብሚእቲ ሰሪሕና ኢና፤ ስለዚ ህወሓት ክገብሮ ዘለዎ ናብ መረፃ ቦርዲ ኸይዱ ኣብ ክልተ ሰለስተ ሰሙናት ውሽጢ ከማልኦም ዝግባእ ዶክመንት ኣማሊኡ ብምቕራብ ብሕጋዊ መንገዲ ተመዝጊቡ ወይ ፍቃዱ ኣሐዲሱ ‘ዩ ጉባኤኡ ከካይድ ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ከምዚ ብዘይምግባሩ ቦርዲ መረፃ ሕጋዊ ፓርቲ እንተዘይልዎ ግና ኣብ መረፃ ክሳተፍ ኣይኽእልን። መንግስቲ ክኸውን ኣይኽእልን። እዚ ማለት ተመልስና ናብ ኲናት ንኣትው ኣለና ማለት ‘ዩ፤ ንኹላትና ኣይጠቅምን ክብሉ ሓቢሮም።

ከም ገልፃ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ቅድሚ ሐዚ ቦርዲ መረፃ፣ መረፃ ከናውሕ ‘የ ክብል ከሎ መብዛሕትኡ እንትስማዕማዕ ህወሓት ኣይስማዕማዕን ብምባሉ ናብ ከቢድ ፀገም ከምተኣትወ ብምዝኽኻር፤ በዚ ድማ ክንደይ ሰብ ከምዝሃለቀን ክንደይ ዝኣክል ሃፍቲ ከምዝዓነወን ምግማት ከምዝከኣልን እዚ ከምዚ እናሃለወ እቲ ዝጠፍአ ሂወት ሰብን ንብረት ከይተገምገመ ከመይ ኢሉ ጠፊኡ ከይትብሃለ ካሊእ ጥፍኣት ምምፃእ ህዝቢ ዳግማይ ዝጎድእ ‘ዩ።

ብሰላም ምምላስ ዘኽእል ዓውዲ እናሃለወ ንጎኒ ገዲፉ ምኻድ ፅቡቅ ኣይኮነን፤ ስለዚ ብትኽክለኛ መንገዲ ክኸይድ ‘ዩ ኢለ ተስፋ እገብር ክብሉ ገሊፆም። ኣብ እዋን ኲናት ብብዙሕ ነገር ትግራይ ፅቡቅ ኣይነብረን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ድሕሪ እቲ ኲናት ግና ህዝቢ ትግራይ እፎይታ ረኺቡ ‘ዩ። እንተነኣሰ ሰብ ኣይመውትን፣ ብቢልዮናት ዝኣክል ወፃኢ ኣውፂእና ኣብ ፀገም ዝነበሩ ብዙሓት ኣገልግሎታት ብብዙሕ ድኻም ንምፍታሕ ፃዕሪ ከምዝተኻየደ ተዛሪቦም።

ግዝያዊ ምምሕዳር ብዝምልከት፤ ንዓና ዘፀግመልና ዓሌታዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ዘለዎ ሃገር ሓላፍነት ከይወሰድካ ብስም ምክፍፋል ስልጣን ኣብቲ ህዝቢ ፅዕንቶ ካብ ንፈጥር መረፃ ቀልጢፉ ስለዝግበር ክሳብ መረፃ ዝካየድ እዚ ዘሎ መንገዲ ተንኽተል ኢልና ኢና ገይርናዮ ዝብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብቲ ግዝያዊ መንግስቲዘሎ ‘ውን ህወሓት ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ንኣብነት ምክትል ፕሬዚዳንታት ካብ ኣባል ህወሓት ወፃኢ ወታደራት ዝነበሩ ‘ዮም ክብሉ ኣብሪሆም።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እንታይ ይሰርሕ ኣሎ ንዝብል ብዙሓት ዝመፅኡ ውፅኢታት ኣለው ‘ዮም ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ፤ ይኹን እምበር ማሕበረሰብን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብዚ እንተዘይሓጊዞም ዝተማልአ ውፅኢት ብመንግስቲ ጥራሕ ኣይመፅእን ብምባል፤ ንትግራይ ረብሓ ክብል ኩሉ እንተተሓባቢሩ ዝሐሸ ስራሕ ክስራሕ ከምዝኽእል እምነቶም ገሊፆም።

ብኣንፃር እቲ ስምምዕነት ዳርጋ 99 ሚእታዊ ተሳኺዕልና ‘ዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ፤ ሰብ ከይመውት ኲናት ደው ኢሉ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ዝብሃል ዘይነብረ መንገዲ፣ መብራህቲ፣ ስልኪ፣ኣየር መንገዲ ዝኣምሰሉ ኹሉ ፀጊንና ስራሕ ኣጀሚርና፣ መሰረታዊ ኣገልግሎት መንግስቲ ዝህቡ ኣደራጅና፣ ዝተፈናቀሉ ሰባት ናብ መረበቶም ኣብ ምምላስ ዝተማልአ እንተዘይኮነ ‘ውን ናብ ራያን ፀለምትን ምስ ፀገሙ እንትኾነ ‘ውን እናተመልሱ ‘ዮም ዘለዉ ብምባል ኣብሪሆም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 18 ሓምለ 2016  ዓ.ም

Recommended For You