ታሪኽ ነጃሺ ብምዕቃብን ብምልላይን መስሕብ ቱሪዝምነቱ ክጠናኸር ይግባእ

ታሪኽ ኣልነጃሺ ኣብ ታሪኽ ትግራይ ይኹን ብሓፈሻ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዓብይ ቦታ ኣለዎም ካብ ዝብሃሉ ታሪኻዊ ቦታታት ሓደ ‘ዩ። መስጊድ ኣልነጃሺ ካብ ኣፍሪካ ፈላማይ መስጊድ፣ ካብ ዓለም ካልኣይ መስጊድ ወይ ካልኣይ መካ እንዳተብሃለ ዝፅዋዕ መርአያ ምክብባር ሃይማኖትን ኣብነት ምፍቅቃርን ሓልዮትን ‘ዩ።

እዚ ካብ ከተማ መቐለ ናብ ዓዲ ግራት ካብ ዝወስድ ፅርግያ መንገዲ 60 ኪሎ ሜትር ወይ ድማ ካብ ከተማ ውቕሮ ንኣንፈት ሰሜን 10 ኪሎ ሜትሮ ርሒቃ ኣብ ዝትርከብ ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ንእሽተይ ከተማ ነጋሽ ዝትርከብ ድሪሕ ኣልነጃሺ ሰዓብቲ ነብይ መሓመድን ገለ ቤተሰቡን ካብ መካ መዲና ተሰዲዶም ዘዓረፉላን፤ ፈላመይቲ ሰዓብቲ እስልምና ሃይማኖት ከይተሸቁረሩ እምነቶም ብነፃነት ዘካየዱላን ስፍራ ‘ያ።

እዚ ብምዃኑ ድማ ኣብ ታሪኽ እስልምና ዓብዪ ቦታ ዝወሃቦ ስፍራ ‘ዩ። ኣብ ሃገርና ብመንፈሳዊነትን ብፈላማይነቱን ኣብ ዓለም ካብ ሰዓብቲ እቲ እምነት ዝለዓለ ደረጃን ክብሪን ዘለዎ መስጊድ ‘ዩ።

ታሪኽ ነጋሽ ካብ ሻብዓይ ክፍለ ዘበንዝጅምር ኮይኑ፤ ነብይ መሓመድ ኣብ ሃገሮም ሃይማኖት እስልምና ምስባኽ ኣብ ዝጀመርሉ እዋን ተኸተልቶም ቁረይሽ ብዝብሃሉ ዓሌት እናተሃደኑ መጥቃዕቲ ይበፅሖም ኣብ ዝነበረ፤ ‘ቶም ነብይ ድማ “ዓዲ ፍትሒን ርትዕን“ ኢሎም ዝፅውዕዋ ናብ ዝነበሩ ምድሪ ሓበሻ ንክኸዱ ብምሕባር ኣመላኺቶም ሰዲዶሞም ‘ዮም።

ኣብ መስጊድ ኣልነጃሺ ብዝተፈለየን ብልዑል ድምቀትን ካብ ዝኽበሩ በዓላት ሓደ በዓል ዓሹራ ‘ዩ። ከምቲ ልሙድ ኣብዚ ሰሙን መበል 1446 ዓመተ ሂጅራ በዓል ዓሹራ ኣብ መስጊድ ኣልነጃሺ ብሰዓብቲ እምነት እስልምና ‘ውን ተኸቢሩ ‘ዩ።

ፕሬዝደንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጕዳያት እስልምና ክልል ትግራይ ሸኽ ኣደም ዓብደልቃድር ኣብቲ በዓል ንዝተረኸቡ ሰዓብቲ እምነት እስልምና መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፅሐኩም ኣብ ዘመሓላለፍሉ እዋን፤ ናይ ሎሚ ዓሹራ ካብ ዝተፈላለዩ ኸባብታት ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ኣጋይሽ ዝተሳተፉሉ ብምንባሩ ካብ ካልኦት እዋናት ፍሉይ ከምዝገብሮ ብምሕባር፤ ሰዓብቲ እምነት እስልምና፣ ነዚ በዓል ከኽብሩ እንተለዉ ንተመዛበልትን ንዝተፀገሙ ወገናትን ክሕግዙ ከም ዘለዎም ምዝራቦም ፀብፃብ ኤመሓት የመላኽት።

ምክትል ኣመሓዳሪ ወረዳ ኽልተ ኣውላዕሎ መምህር ኣፅብሃ ገ/ሃዋርያ ብወገኖም ኣፍቲ ስነስርዓት ከምዝገለፅዎ፤ ታሪኻዊ መስጊድ ኣልነጃሺ ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ኣብ መፈፀምታ ንክበፅሕ ምምሕዳር ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ እጃሙ ከፍፅም’ዩ ክብሉ ተዛሪቦም ‘ዮም።

ምስዚ ዝተተሓሓዘ ኣብ ድሮ እቲ በዓል ዓሹራ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ዳግመ ህንፀትን ተወሳኺ ልምዓትን መስጊድ ነጃሺ ዝጠመተ ላዕለዎት አመራርሓ ጉዳያት እስልምና ትግራይን ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ካልኦት መዳርግቲ አካላትን ዝተሳተፉሉ ዝረተኻየደ ኮይኑ፤ ኣብዚ ዋዕላ ነጃሺ፤ ብምኽንያት ዝተኻየደ እቲ ኲናት ኣብ መስጂድ ነጃሺ ዝበፅሐ ዕንወት ንምፅጋንን ተወሰኽቲ ፕሮጀክትታት ንምልማዕን ዝዓለመ ምዃኑ ዋና ፀሓፊ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ ተዛሪቦም።

ፕሬዝደንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ እስልምና ትግራይ ሸኽ አደም ዓብደልቃድር ብወገኖም፤ አካል ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ታሪኽ ነጃሺ ብምዕቃብ ንመስሕብ ቱሪዝምን ቁጠባዊ ረብሓን ምውዓል ከምዝግባእን ንዳግመ ሕውየትና ኣብ ረብሓ ክውዕል ከምዝግባእ እውን ገሊፆም እዮም።

ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዚምን ዘኾኑ ኣይተ ኣፅብሃ ገብረእግዚኣበሄር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሓፋሽ ከምዝገለፅዎ፤ በዓል ዓሹራ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዙርያ ፅገናን ልምዓትን መስጊድ ነጋሽ ዕውት ዋዕላ ከምዝተኻየደ ብምግላፅ፤ እዚ ዋዕላ ክሳኻዕ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና፣ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ፣ ኣርዲ፣ ዩኒቨርሲቲ መቐለ፣ ዛህራ ፕሮሞሽንን ካልኦትን ዝነበሮም ግደ ዝለዓለ ከምዝነበረ ሓቢሮም።

ትግራይ ካብ ዝሓቖፈቶም ፀጋታት ቱሪዝም ሓደ ዝኾነ ነጃሺ ንምልማዕ ዝግበር ፃዕሪ መንግስቲ ዘድሊ ደገፍ ከምዝገብ ‘ውን ኣይተ አፅበሃ ገ/ሄር ወሲኾም ገሊፆም ‘ዮም። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ ሃገራዊ ዋዕላ ነጃሺ ንምፅጋንን፤ ተወሰኽቲ ፕሮጀክትታት ንምልማዕ፣ ንዓለም ክፋለጥ መስሕብ ቱሪዝም ክኸውንን ዘኽእሉ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ከምዝዝተየሎም ደወትን ቴሌቪዥን ትግራይን መፅብፃቦም ዝዝከር ‘ዩ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 11 ሓምለ 2016 ዓ.ም

Recommended For You