ሃይማኖታውን ባህላውን ክብረ- በዓላት ንምንቕቓሕ ዘቤታዊ ቱሪዝም

ሃይማኖታዊ ባህላውን ቱሪዝም ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዓይነት ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ከምዝኾነን፤ ካብ መላእ ዓለም ሃይማኖታዊ ባህላውን ፀጋታት ንምብፃሕ ናብ ቅዱሳት ቦታታትን ታሪኻዊ ምልክታትን ሃይማኖታዊ ፍፃመታትን ከምዝጓዓዙ ብሰብ ሞያ እቲ ዓወዲ ይግለፅ ‘ዩ። ብዙሕ ከባቢ ክፋል ሃገርና ብፍላይ ድማ ትግራይ ነዚ ዝተዓደለት ዓዲ ‘ያ::

ምስፍሕፋሕ ሃይሞኖት ክርስትና ኣብ ሃገርና እንትግለፅ ሓቢሩ ካብ ዝለዓሉ ነገራት፤ ኣብ መበል 6ይ ክፍለ ዘበን ካብ ማእኻላይ ምብራቕ ዝመፅኡ ተስኣቱ ቅዱሳን ሓደ ‘ዮም:: ምስ ዞም ተስኣቱ ቅዱሳን ተተሓሒዙ ‘ውን ናብራ ገዳም ዝተጀመረሉን ከምኡ ‘ውን ምስፍሕፋሕ ትምህርቲ ፈለገ ሂወትን ወይ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያንን ኣብ ዕብየት ስነ ፅሑፍ ዓብይ ግደ ዝነበሮ ‘ውን ‘ዩ ካብዞም ገዳማት ብዋናነት ካብ ዝፅውዑ ድማ ሓደ ጥንታዊ ገዳም ደብረ ዳሞ ‘ዩ::

ከም ሓበሬታ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ፤ ገዳም ደብረ ዳሞ ብ537 ዓ.ም ኣብ እዋን ሃፀይ ገብረመስቀል ዘመነ መንግስቲ ከምዝተሃነፀ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ሃገርና ክሳብ ሐዚ ብዕድሚኡ ካብቶም ኣብ ቕድሚት ዝስርዑ ገዳማት ሓደ ‘ዩ:: እዚ ገዳም ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ወረዳ ጉሎ መኸዳ ካብ ከተማ ዓዲግራት ናብ ዓድዋ ካብ ዝወስድ መንገዲ 11 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ዝርከብ ኮይኑ፤ መጠምዘዚኡ ድማ ካብ ከተማ ብዘት ኣስታት 6 ኪሎ ሜትር ዝርሕቕን ካብ ከተማ መቐለ ድማ ኣብ ርሕቐት 174 ኪ.ሜ ዝርከብ ‘ዩ::

እዚ ታሪኻውን ጥንታዊን ገዳም ብፀድፊ ዘተኸበበ ኮይኑ ስፍሓቱ ድማ ካብ ሰሜን ምዕራብ ናብ ደቡብ ምብራቕ 1000 ሜትሮ፣ ካብ ሰሜን ምዕራብ ናብ ደቡብ ምብራቕ 500 ሜተሮ ኮይኑ ብዘይ ሓብሊ (መፅዓን) ንላዕሊ ምድያብ ዘይክኣል ብከውሒ ዝተኸበበ ‘ዩ:: ኣብቲ እምባ ክልተ ኣብያተክርስትያን ይርከቡ:: እቲ ጥንታዊ ቤተክርስትያን ኣክሱማዊ ጥበብ ኣተሃናንፃ ዝዓረፈሉ ‘ዩ::

እዚ በሃፀይ ገ/ረመስቀል ከምዝተሰርሐ ዝንገረሉ ህንፃ ደቀቕቲ ኣእማንን ፅሩባት ዕንፀይትን ብሓደ ኮይኖም ተራ ብተራ ተፀፋፂፎም ጠጠው ዘበልዎ ‘ዩ:: ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ ክርስትያን ድማ ካብ እምኒ ዝተሰርሑ ነዋሕቲ ፅሩባት ዓንድታት ዘለዎ እንትኾን ኣብ ናሕሱ ድማ ዘተፈላለዩ ንድፍታት ዝሓዙ ካብ ዕንፀይቲ ዝተሰርሑ ከፈፋት/ፍሬማት/ ዘለውዎ ‘ዩ:: በዓል ንግሲ ገዳም ደብረዳሞ ጥቅምቲ 14 ማለት ‘ውን ከም ሎምዓንቲ በቢዓመቱ ብድምቀት ዝኽበር ‘ዩ::

ምስ እዚ ተተሓሒዙ 14 ጥቅምቲ ዝኽበር ዘሎ ዓመታዊ በዓል ገዳም ደብረ ዳሞ ክብረ በዓል ብርክት ዝበሉ በፃሕቲ ዝሳተፍሉ ዘቤታዊ ቱሪዝም ኮይኑ ኣብ ወረዳ ጉሎመኸዳ ጣብያ መዛብር ብዝደመቀ ንምኽባር፤ ዝተፈላለዩ ኮሚቴታት ተጣይሾም እናተሰርሑ ከምዝመፅኡ ካብ ምምሕዳር ወረዳ ጉሎመኸዳ ዝተረኸቡ ሓበሬታት የመላክቱ።

ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ጉሎመኸዳ ኣይተ ሃፍቶም ባራኺ ከምዝገለፅዎ፣ ክብረ በዓል ጥንታዊ ገዳም ደብረዳሞ ንምብዓል ኮሚቴ ፀጥታ፣ሎጂስቲክስን ምልዕዓልን ብዝብል ኣብ ሰለስተ ዓብዪ መሰናደዊ ኮሚቴ ተጣይሹ ከምዝተሰርሐን ኣብ ኩለመዳይ ኣከባብራ እቲ በዓል ‘ውን ኣመልኪቱ ምስ ኣመራርሓ ገዳም ደብረ ዳሞን ተወለድቲ ዓድን መድረኽ ዘተ ከም ዘተሳለጠን ዝገለፁ እቶም ዋና ኣማሓዳሪ ብምኽንያት ኵናት ቅሂሙ ዝፀንሐ ዓውዲ ቱሪዝም ኣብ ምንቕቓሕ ኣበርቲዕኻ ምስራሕ ከምዝጠልብ ‘ውን ገሊፆም ነይሮም ‘ዮም።

ምስዚ ተተሓሓዙ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝም ትግራይ ኣፅበሃ ገብርእግዚኣብሄር (ደ/ር) ‘ውን ኣብ ማሕበራዊ ድሕረ ገፆም ከምዝገለፅዎ፤ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ብልጫታት ሃይማኖታዊ ቱሪዝም፡ ባህላዊ ምልውዋጥን ሓበራዊ ምርድዳእን ናይ ምድንፋዕ ዓቕሙ ‘ዩ። ሰባት ናብ ሃይማኖታዊ ቦታታት ብምኻድ ብዛዕባ ልምድታትን እምነትን ካልኦት ሃይማኖታትን ባህልታትን ናይ ምፍላጥ ዕድል ይረኽቡ።

እዚ ድማ ንብዙሕነት ዝያዳ ምፅውዋርን ምክብባርን ከምኡ’ውን ስግረ-ባህላዊ ርክብን ምትሕብባርን ከስፋሕፍሕ ይኽእል። ካብዚ ሓሊፉ ሃይማኖታዊ ቱሪዝም ንቁጠባ ውሽጢ ዓዲ ከነቓቕሕ ይኽእል ‘ዩ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ሃይማኖታዊ ቦታታት ዓበይቲ መስሕባት በፃሕቲ ብምዃኖም ንመዕረፊ፣ንምግቢ፣ ንመጓዓዝያን ንመዘከርታታትን ገንዘብ ዘውፅኡ ብዙሓት በፃሕቲ ይስሕቡ።

እዚ ድማ ናይ ስራሕ ዕድላት ክፈጥርን ኣብ ቁጠባዊ ምዕባለ ናይቶም ኣንገድቲ ማሕበረሰባት ኣበርክቶ ክገብርን ይኽእል። ብተወሳኺ ሃይማኖታዊ ቱሪዝም ኣብ ምዕቃብን ምፅጋንን ሃይማኖታዊ ቅርስታት ኣወንታዊ ፅልዋ ኣለዎ። በብዓመቱ ጥቅምቲ 14 ዝኽበር ገዳም ደብረ ዳሞ ዓብዪ ሃፍቲ ቱሪዝም ትግራይን ሃገርን ኢሉ ‘ውን ዓለምን ብምዃኑ እዚ በዓል ንሕውየት ትግራይን ኩለመዳያዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይን ክውዕል ክንድግፍ ይግባእ ክብሉ ይፅውዑ።

ብሓፍሻ ዓመታዊ ሃይማኖታውን ባህላውን ክብረ በዓላት ንምኽባር ሰባት ካብ ርሑቁን ቀረባን እንትንቀሳቀሱ ዘለዎ ናይ ኩለመዳያዊ ሕውየት ዓቅሚ ኣዝዩ ልዑል ከምዝኾነን፤ ብፍላይ ዘቤታዊ ቱሪዝም ሓደ ዓዲ ንምልዕዓል ዝለዓለ ግደ ከምዘለዎ ይግለፅ ‘ዩ። ነዚ ብግቡእ ናብ ረብሓ ንምውዓል ድማ ኣብ ምዕቃብን ምልላይን ዘቤታዊ ሓድግታት ቱሪዝም ብዕቱብ ብምስራሕን ፀጋታት ቱሪዝም ከባቢና ናብ ረብሓ ብምልዋጥን ዓውዲ ቱሪዝም ንምብራኽ ብዝበለፀ ትኹረት ክስረሐሉ ዝተባባዕ ‘ዩ::

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 7 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You