ክብረ በዓል ታሪኻውያን ነገስታት ኣክሱም ኣብርሃ ወኣፅብሃ

ብዙሓት ኣብ ዘመኖም ብዝፈፀምዎም ታሪኻት ምኽንያት ካብ ሃገሮምን ህዝቦምን ሓሊፎም ብብርኪ ዓለም ከይተረፈ ንዘመናት እናተዘከሩ ዝነብሩ ብዙሓት ‘ዮም፡፡ ኣብ ሃገርና ‘ውን ከምዚኦም ዝበሉ ብዙሓት ሰብ ዓበይቲ ታሪኽ ኣለው ‘ዮም፡፡ ካብዚኦም ድማ ካብ ነገስታት ኣክሱም ብዝንኦምን ግኑን ሽሞምን ክሳብ ሐዚ ህያው ኮይኖም ካብ ዝርከቡ ነገስታት ውሽጢ ጎሊሆም ዝጥቀሱ ታሪኻውያን ኣሕዋት ነገስታት ኣብርሃ ወኣፅብሃ ‘ዮም፡፡

በዞም ማንታ ነገስታት ኣክሱም ኣሕዋት ኣብ ከባቢ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ድ.ል.ክ ካብ ኮክሒ ተፈልፊሉ ኣብ ዘተሰርሐ ቤተክርስትያን በቢዓመቱ ብድሙቅ ዝዝከሩን ዝኸበሩ ‘ውን ‘ዮም፡፡ ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ገዲፎሞም ብዝሓለፉ ብዝሕ ዝበሉ ሰነዳት ታሪኽ፣ ሓድግታት ፅሑፍን ውፅኢታት ኪነ ህንፃን፣ ሃገርና ወናኒት ሃፍትታት ፀገብ ዕድመ መስሕብ ክትኸውን ጌሮማ ‘ዮም፡፡ ድሕሪ ክርስትና ምቕባሎም ብዙሓት ፍልፍል ኣብያተ ክርስትያን፣ ገዳማትን ኪነ ህንፃታትን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እዛ ሃገር ኣስሪሖም ‘ዮም፡፡

ብፍላይ እቲ ብስሞም ዝተሰየመን ኣብ ጥቃ ከተማ ውቕሮ ዝርከብን ውቑር ቤተክርስተያን ብጎቦታት ኣብ ዝተኸበበ ከባቢ ዝዓረፈ ኮይኑ ክፋል ኣካሉ ኣብ ውሽጢ መሬት ዝሓብአ ዘደምም መስሕብ ‘ዩ፡፡ ከም ፍልፍላት ሓበሬታ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ጥንታዊን ታሪካዊን ገዳም ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ኣብ ዞባ ምብራቅ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ጣብያ ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ፥ ካብ ከተማ ውቕሮ ንኣንፈት ሰሜን ምዕራብ 15 ኪ/ሜ ሪሑቁ ዝርከብን ቅድም ኢሎም ተፈሊጦም ካብ ዝፀንሑ ኣብያተ ክርስትያን ትግራይ ሓደ ‘ዩ።

እዚ ቤተ ክርስትያን ሰለስቲኡ ገፁ ምሉእ ብምሉእ ካብ ከውሒ ተፈልፊሉ ዝወፀን ናይ መስቀል ቅርፂ ክሕዝ ተገይሩ ዝተሰርሐ ኮይኑ፤16 ብ13 ሜትር ስፍሓት ዘለዎን ንውሓት ቃስትኡ ሸውዓተ ሜትር ዝኣክል ‘ዩ፡፡ ከምኡ ‘ውን 13 ዛኣኽሉ ነቲ ቃስታ ደጊፎም ጠጠው ዝበሉ ገዘፍትን ገረምትን ኣዕምዲ ኣለው፡ ፡ ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ኣብ ውሱናት ኣብያተ ክርስትያን ጥራሕ ‘ዩ ዝርአ። ብምኳኑ እቲ ምዕባለ ዳሓር ፀፊፎም ንዝተሰርሑ ኣብያተ ክርስትያን ላሊበላ መሰረት ከምዝነበረ ይምስከረሉ።

መብዛሕቲኦም ብዘመን ነገስታት ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ተሃኒፆም ዝብሃሉ ኣብያተ ክርስትያን ሰለስተ ኣብያተ መቅደስ ዝሓዙ ዮም። ቤተ ክርስትያን እናዳ ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ‘ውን ሰለስተ ኣብያተ መቅደስ ዝሓዘ እንትኾን እቲ ማእኸላይ ታቦት ማርያም፣ የማንን ፀጋምን ዝርከቡ ድማ ታቦተ ሚካኤልን ገብርኤልን ‘ዮም። እዚ ቤተ ክርስትያን ብዘለዎ ልዑል ጥበብ ስነ-ህንፃ ጥራሕ ዝንኣድ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጡ ብዝርከብ ጥንታዎት ስእልታት ‘ውን ‘ዩ።

ኣብ መበል 17 ክፍለ ዘመን ከምዝተሰኣሉ ዝዝረበሎም ስእልታቱ ዝተፈላለዩ ሃይማታዊ ፍፃመታት ዝውክሉ ኾይኖም መብዛሕትኦም ኣብ ቅነ ማህሌት ውሱናት ድማ ኣብ ቅድስት ይርከቡ። ስነ ህንፃ ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ምስ ኣተሃናንፃ ኣብያተክርስትያን ውቕሮ ጨርቆስን ሚካኤል እምባን ዝመሳሰል ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ሰለስቲኦም ኣብ ሓደ እዋን ዝተሰርሑ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት። እንትጠቃለል ቤተክርስትያን ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ትግራይ ኣብቲ እዋን ብስነ ህንፃ በፂሓቶ ንዝነበረት ዝመጠቐ ክእለትን ምስክር ኮይኑ ጠጠው ዝበለ ሓድጊ ‘ዩ።

ምስዚ ተተሓሒዙ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝም ትግራይ ዝኾኑ ኣፅበሃ ገብርእግዚኣብሄር ኣብ ማሕበራዊ ድሕረ ገፆም ከምዝገለፅዎ፤ ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ካብቶም ፈላሞት ካብ ከውሒ ዝተሃነፁ ኣዝዮም መደነቕቲ ጥበብ ወለድና ዝዓረፈሎም ሓድግታት ሓደ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኩሉሻዕ ዓመት ዓመት ጥቅምቲ 4 ዝኽበር ብዙሓት ብሃንቀውታ ዝፅበይዎ ክብረ በዓል ‘ዩ።

እዚ ክብረ በዓል ዝፈጥሮ ናይ ስራሕ ዕድል፣ ዘንቀሳቅሶ ቁጠባዊ ዓቅሚ፣ ዝፈጥሮ ማሕበራዊ ርክብ፣ ዝቅይሮ ምስሊ ትግራይ ልዑል ‘ዩ። ስለዚ እዞም ክብረ በዓላት ምድጋፍን ምትብባዕን ሕውየት ትግራይ ንምቅልጣፍ ናይ ባዕሉ ዝዓዘዘ ተራ ከምዘለዎ ብምርዳእ፤ ምምሕዳርን ህዝብን እንዳ ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ኣጋይሾም ክቅበሉ ድልዋት ከምዘኾኑ ‘ዮም ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ዓመታዊ ሃይማኖታውን ባህላውን ክብረ በዓላት ንምኽባር ሰባት ካብ ርሑቁን ቀረባን እንትንቀሳቀሱ ዘለዎ ናይ ኩለመዳያዊ ሕውየት ዓቅሚ ኣዝዩ ልዑል ከምዝኾነን፤ ብፍላይ ዘቤታዊ ቱሪዝም ሓደ ዓዲ ንምልዕዓል ዝለዓለ ግደ ኣለዎ። ትግራይ ነዚ ዝተዓደለት ዓዲ ‘ያ ኢሎም።

ከምኡ ‘ውን ኣብ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ መተሓባበሪት ከይዲ ስራሕ ባህልን ቱሪዝምን መምህር ዛፉ ገብረስላሴ ከምዝሓበርኦ ገዳም ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ በብ ዓመቱ 4 ጥቅምቲ ከምዝኽበር ብምሕባር ሃይማኖታዊ ትሕዝቶኡ ሓልዩ ንክኽበር ‘ውን ዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተወገኑ ይርከቡ ኢለን።

ኣብ ምዕቃብን ምልላይን ዘቤታዊ ሓድግታት ቱሪዝም ብዕቱብ ብምስራሕን ፀጋታት ቱሪዝም ከባቢና ናብ ረብሓ ብምልዋጥን ብሰንኪ ኵናት ተሃስዩ ዝፀንሐ ዓውዲ ቱሪዝም ንምብራኽ እናተሰርሐሉ ከምዝርከብ ብምግላፅ፤ ኣብ ኣከባብራ እቲ በዓል ኣመልኪቱ ምስ ኣመራርሓ እቲ ገዳምን መድረግቲ ኣካላትን ልዝብ ከም ዝተገበረን ኣብቲ ስነ ስርዓት ፅምብል ንዘጋጥሙ ፀገማት ንምቁፅፃር ዘኽእል ምድላው ፀጥታ ብምግባር ገበን እንትፍፀም ድማ ተዘዋዋሪ መጋባእያ ኣብቲ ስፍራ ዝወሃበሉ ኩነታት ተመዓራርዩ ኣሎ ክብላ ሓቢረን።

ብዝበለፀ ብስም ክርስትንኦም ኢዛናን ሳይዛናን እናተበሃሉ ዝፍለጡ ነገስታት ክልተ ኣሕዋት ኣብ መበል ራብዓይ ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ኮይኖም፤ ታሕሳስ 29 ዝተወለዱሉ ዕለት፤ ነሓሰ 13 ኣብ በዓለ ደብረ ታቦር ጥንታዊን ታሪካዊን ገዳም ዝተከሰተሉ ወይ ዝተገለፅሉን ዕለት ከምዝኾነ ዝግለፅ ኮይኑ፤ ጥቅምቲ 4 ናይ ክልቲኦም ኣሕዋት ዝዓረፉሉ ዕለት ካብ ኩሎም በዓላት ብዝለዓለ ክብረትን ብዝደመቐ ኣገባብ ዝኽበርን ብዙሓት ኣማኢትን በፃሕቲ ዓዲን ዝርከብሉን ዕለት ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 30 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You