በዓላት ኣደባባይ መግለፂ ሓድነት፣ ሰላምን መስሕብ ቱሪዝምን

ኣብ መላእ እዛ ሃገር በቢዓመቱ ብድምቀት ካብ ዝኽበሩ ሃይማኖታዊ፣ ባህላውን ታሪኻውን በዓላት ኣደባባይ ብተወሳኺ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ብሄራት፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ‘ውን ናይ ባዕሎም ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ታሪኻውን ባህላውን ፀጋታት ዘለውዎም በዓላት ይኽበሩ ‘ዮም፡፡ ብፍላይ ኣብዚ ወርሒ መስከረም ዝኽበሩ ዝተፈላለዩ ታሪኻውን ባህላውን ትሕዝቶ ዘለዎም ከም ኢሬቻ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝኽበር ሓዊሱ ኣብ ከባቢ ደቡብ ክፋል እዛ ሃገር ዝርከቡ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ዝተፈላለዩ በዓላት ይኽበሩ ‘ዮም፡፡

ብፍላይ በዓል ኢሬቻ በቢዓመቱ ኣብ ወርሒ መስከረም ብድምቀት ከምዝኽበር ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ብዝበለፀ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆረ ፊንፊኔን ኣብ ቢሾፍቱ ድማ ሆረ ኣርሰዲ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉ ብድምቀት ይኽበር ናይ 2017 ዓ.ም በዓል ኢሬቻ ‘ውን ባህላዊ ክብርታቱ ብዝሓለወ መልክዕ ድሕሪ ፅባሕ መስከረም 25 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆራ ፊንፊኔ፣ መስከረም 26 ድማ ኣብ ቢሽፍቱ ሆራ ሃርሰዴ ከምዝኽበር ሕብረት ኣባገዳታት ኦሮምያ ኣፍሊጡ ‘ዩ።

ንምዃኑ ታሪኻዊ መሰረትን ኣከባብራን በዓል ኢሬቻ ንህዝቢ ኦሮሞ ዘለዎ ረብሓ! እንታይ ‘ዩ? ንዝብል ሕቶ፤ ኣብ ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ኦሮሞ ተመራማራይ ፎክሎር ስነ- ፅሑፍ ኦሮሞ ጌታቸው ኣበራ ንትፕኢ ከምዝተዛረብዎ ዝስዕብ ይመስል፡፡ ኦሮሞ ባህሉ፣ ቋንቁኡ፣ መንነቱ፣ ዘንፀባርቐሉ ናይ ዓርሱ ዝኾነ ስርዓት ገዳ ዘለዎ ህዝቢ ‘ዩ፤ ኢሬቻ ድማ ኣብ ውሽጢ ስርዓት ገዳ ብዛዕባ ህዝቢ ኦሮሞ ካብ ዘንፀባርቑ ስርዓታት ውሽጢ ሓደ ኾይኑ ብህዝቢ ኦሮሞ ንፈጣሪ (ዋቃ) ንምምስጋን፣ ንምልማን ተኣኻኺብካ ዝውፀአሉ በዓል ምስጋና ‘ዩ ክብሉ የብርሁ፡፡

ኢሬቻ ብዝተፈላለየ ስያመታት ዝፅዋዕ ኮይኑ ብዓሌት ቱለማታት ኢሬቻ፣ ብዓሌት መጫታት ኢሬስ፣ ብሃረርጌ ድማ ኣሬሳ፣ ከምዝብሃሉን ካልኦት ስያመታት ‘ውን ከምዘለዎ ብምሕባር፣ ብዝተፈላለየ ስያመታት እንተተፀውዐ ‘ውን እቲ ዝፍፀም ሥርዓት ግና ሓደ ዓይነት ምዃኑ ‘ዮም ዝገለፁ፡፡

ኢሬቻ ህዝቢ ኦሮሞ ብምምስጋን፣ ብፀሎት ፈጣሪ (ዋቃ) ንምልማን፣ ንምምስጋን ተኣኻኺብካ ዝውፅአሉ ምዃኑን እቲ በዓል ህዝቢ ኦሮሞ ንምምስጋን ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ዝቀርበሉ ከምዝኾነ ብምርዳእ፤ እዚ በዓል ኣብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ዝካየድ እንተኾነ ‘ውን ብዋናነት ግና ኣብ ክልተ ኢሬፈናታት ከምዝኽበርን ኢዚኦም ድማ ኢሬቻ ቱሉን ኢሬቻ መልካን ተባሂሎም ይፅዉዑ ክብሉ ኣይተ ጌታቸው ይዛረቡ፡፡

እቲ ህዝቢ ከካብ ከባቢኡን ሰፈሩን ብምውፃእ ኣብ በቢከባቢኡ ዝርከቡ መልካታት ተረኺቦም ኢሬፈና የካይዱ ዝበሉ እቶም ተመራማሪ፣ካብ ክረምቲ ፀልማት፣ ጭቃን ዝናብን ፈጣሪ ኣውፂኡ ንመስከረም ኣደይ ዘሰጋገረን ራሕሲ ንዝሃበን ፈጣሪ (ዋቃ) ምስጋና ከምዘቅርቡን ኣብ ቅድሜና ዘሎ እዋን ብርሃን ‘ዩ ብምባል ዕንበባን ርሑስ ሳዕርን ብምሓዝ ንምምስጋን ናብ መልካ ከምዝውፃእ የረድኡ፡፡

ዕንበባን ርሑስ ሳዕርን ሒዝካ ንምምስጋን ናብ መልካ እንትውፃእ ዝተፈላለዩ ትርጉማት ክወሃቡ ከምዝስትውዓልን ይኹን እምበር ኢሬቻ ብሓድነት ፈጣሪ (ዋቃ) ዘመስግነሉ፣ ብሓባር ዝራኻበሉ፣ ዝዛተየሉን ባህሉ ዘንፀባርቀሉን ናይ ዕርቂ፣ ናይ ሓድነት፣ሰላምን ምስጋናን በዓል ምዃኑ ‘ዮም ዘብርሁ፡፡

እዚ በዓል ኢሬቻ ካብ ህዝቢ ኦሮሞ ሓሊፉ ኣብዛ ሃገር ዝርከቡ ብሄር ብሄረሰባት ‘ውን ትፅቢት ዝግበሮን ተሳተፍቲ እቲ በዓል ዝኾንሉን ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ንህዝቢ ምቅርራብን ምትእስሳርን ዝፍጠረሉ፣ ናይ ሓድነት፣ ፍቅሪ፣ ሰላምን ዘስፍን ከምዝኾነ ‘ዮም ዘርድኡ፡፡

በዓል ኢሬቻ ኣብ ውሽጡ ካብ ዝርከቡ ክብርታት ርክብ ንምፍጣር፣ ሃገራዊ ሓድነትን ንምምፃእ፣ ዕርቂ ንምውራድ፣ ሰላምን ንምምፃእ ልዑል ቦታ ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ እቲ በዓል ክሳብ ሐዚ ካብ ዝተገበረሉ ፅንዓትን ምርምርን ብተወሳኺ ንረብሓ ሃገር ክውዕል ዝኽእለሉ መልክዕ ክስርሓሉ ከምዝግባእን በዓል ኢሬቻ ንዓለም ኣብ ምፍላጥ ‘ውን ምሁራን፣ ሚዲያ፣ ህዝብን መንግስትን ኦሮሞ ተሓዊስዎ ኩሉ ናይ ባዕሉ ግደ ክዋፃእ ከምዘለዎ ይዛረቡ፡፡

ኢሬቻ ርሑስ ሳዕሪ ብምሓዝ ፈጣሪ (ዋቃ) ንዝሃቦ ውህብቶ ዝምስገነሉ ‘ዩ ዝብሉ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጂማ ናይ ስነፅሑፍ ኦሮሞ ፎክሎር መምህር ደረጄ ፉፋ (ዶ/ር)፤ ኢሬቻ ካብ ዘለውዎ ረብሓታት ሰላም ምውራድ፣ ዕርቂ ምምፃእን፣ ሓባርነትን ሓድነትን ዝፈጥር ምዃኑ ብምሕባር፤ ባህሉ፣ ስርዓቱ፣ ክብርታቱን ሕጉን ብዝሓለወ መልክዕ ኣብ ኢሬቻ ሰላምን ምውራድ፣ ሓድነትን ምምፃእ ዝከኣለሎም ጉዳያት ክፍለጡ ከምዝግባእ ይገልፁ፡፡

ኢሬቻ ናይ ሓድነት፣ ሰላም፣ ምትሕስሳብን፣ ክብርታቱን ባህሉን ምሕላው ከምዘድሊ ብምግላፅ፤ በቢ ዓመቱ ተኣኪብካ ምኽባር ጥራሕ ከይኮነ ክብርታት ኢሬቻ ዝኾኑ ሓድነትን፣ ሰላምን ብምውራድ ብሓባር ምንባር ከምዘድሊ የረድኡ፡፡

ኢሬቻ ከመይ ተጀሚሩ፣ ካብ መዓዝ ተጀሚሩ፣ ብኸመይ ክቅፅል ኣለዎ ንዝብሉ ሕቶታት በትኽክል ፅንዓት ክግበረሉ ከምዝግባእ ዘገለፁ ደረጄ (ዶ/ር)፣ ኢሬቻ ናይ ሰላም፣ ሓድነት በዓል ብምዃኑ ካብ መሠረቱ ጀሚሩ ብትኽክል ተፀኒዑ ነቲ ህዝቢ ምርዳእ ከምዝግባእን እቲ በዓል ‘ውን ናይ ኦሮሞ ጥራሕ ገይርኻ ምርኣይ ግቡእ ከምዘይኮነን ብምሕባር፤ ኣብ ኢሬቻ ሰላም፣ ምሰጋና፣ ሓድነት ዝስበኸሉ ብምዃኑ እቲ ጉዳይ ናይ ሓባር ከምዝኾነ ‘ዮም ዝገልፁ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ከባቢ ደቡብ ክፋል እዛ ሃገር ዝርከቡ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ዝተፈላለዩ በዓላት ኣብዚ ወርሒ መስከረም ብድምቀት ከምዝኽበሩ ዝፍለጥ ኮይኑ ካብዚኣቶም ድማ ዝተፈላለዩ በዓላት መለወጢ ዘበን ‘’ያሆዴ’’ናይ ብሄር ሃድያ፣ “ዮዮ ጊፋታ” ናይ ወላይታ፣ “መሽቀሮ” ናይ ካፈቾ “ዮ ማስቃላ” ናይ ጋሞን ካፋን ካልኦትን ዝተፈላለየ መሰረት ዝገበሩ ንዘበናት ካብ ወለዶ ናብ እናተሸገሩ ዝመፅኡን ናይ ባዕሎም ዝኾነ ስልሒት ኣቆፃፅራ ዘበን መሰረት ዝገበሩን በዓላት መለወጢ ዘበን ኣብዚ ወርሒ እናተኸበሩ ‘ዮም ዝርከቡ።

እዚኦምን ካልኦት መሰል በዓላት ኣደባባይ ኢትዮጵያ ዘለውዋ ፀጋታትን ክብርታትን ንዓለም እትረኣየሎም መድረኻትን መግለፂ ምስሊ ሃገር፣ ሓድነት፣ ባህልን ታሪኽን ‘ዮም። ስለዝኾነ ‘ውን እዞም ሃገራዊ ረብሓ ዘለዎም ሓድግታትን ፀጋታትን ብምሕላው ናብ ወለዶ ክትሓላለፉን ብግቡእ ክፋለጡን ይግባእ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 23 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You