ፖሊ ቴክኒክን ሞያን መቐለ 411 ሰልጠንቲ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፡- ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ስልጠነኦም ኣቛሪፆም ዝፀንሑ ካብ ብርኪ 2 ክሳብ 5 ንመበል 22 ጊዜ 07 ሓምለ 2016 ዓ/ም 411 ሰልጠንቲ ከምዝተመረቑ ዲን ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክን ሞያን መቐለ ሙሉጌታ ገ/መስቀል ገሊፆም።

እቶም ዲን ከምዝበልዎ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ክልል ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ከምዘለዉ ብምግላፅ፤ ካብቲ ፀገም ንምውፃእ ካብ ማንም ጊዜ ንላዕሊ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ንምርግጋፅ ምርብራብ ከምዘድሊ ገሊፆም። እቶም ተመረቕቲ ብዝተመረቕሉ ሞያ ንህዝቦም ከገልግሉ፣ ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀት ትግራይን ብፅሒቶም ክዋፅኡ ‘ውን ፀዊዖም።

እቲ ኮሌጅ ኣብ 1989 ዓ.ም ከምዝተጣየሸ ዝገለፁ እቶም ዲን፣ ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ኣፍልጦ ካብ ዝረኸበሎም 70 ካብ ብርኪ 1 ክሳብ 5 ብስሩዕ 5946 ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦ 16,160 ሰልጠንቲ ብስሩዕ ዘመረቐ እንትኸውን ብሓፂር ስልጠና ድማ 22,760 ደቂኣንስትዮ ዝርከበኦም 60,055 ብምስልጣን ናብ ዕዳጋ ዘቕረበ ኮሌጅ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ኢንዳስትሪያል ኤክስቴንሽን ስግግር ቴክኖሎጂ ኣይተ ኪዳነ ስዩም ብወገኖም፣ ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ኩናት ናብ ምረቓ በቒዕኹም ኣለኹም፤ ተመረቕቲ ናብ ስራሕ ንምእታውን ስራሕ ንምፍጣርን ከም ቢሮ ትኹረት ሂብና እናሰራሕና ንርከብ፤ እንኳዕ ድማ ደስ በለኩም ኢሎም።

ብሰርቨይ ዲፓርትመንት ብዝለዓለ መዓርግ ዝተመረቓ ሰልጠንቲ ሸዊት ሓድጉን ኑርያ ዓብደልቃድርን፣ ተስፋ ከይቆረፅካ እንተሰሪሕካ ፅቡቕ ውፅኢት ክተምፅእ ከምዝከኣል ብምግላፅ፤ ፅቡቕ ውፅኢት ንምፃእን ኣብ ዝሓሰብካዮ ንምብፃሕን ግና ከቢድ ፃዕሪ ይሓትት ኢለን።

ካሊእ ብዝለዓለ መዓርግ ዝተመረቐ ግርማይ ረዳ ግደይ ኣብቲ ኮሌጅ ዝነበሮ ፃንሒት ብጣዕሚ ፅቡቕ ከምዝነበረ ብምግላፅ፣ ብዝለዓለ ውፅኢት ክምረቕ ዝኸኣለ ውፅኢት ፃዕሩን ፃዕሪ መምህራኑን ምዃኑ ብምግላፅ ካብዚ ወፂኡ በቲ ዝተመረቐሉ ሞያ ንህዝቡ ብዝግባእ ከምዘገልግል ቓል እትዩ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 11 ሓምለ 2016 ዓ.ም

Recommended For You