ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ ካብ ትልሚ ስጋብ ህንፀት ንሃገራት ተፋሰስቲ ንምጉዳእ ዝተጀመረ ከምዘይኮነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡- ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እንትህነፅ ጥራሕ እንተይኮነስ ክትለም እንተሎ ጀሚሩ ‘ውን ንሃገራት ተፋሰስቲ ኮነ ተባሂሉ ንምጉዳእ ዝተጀመረ ፕሮጀክት ከምዘይነበረ ገሊፆም። ካብ ዕብደት ኣብዲ ኢሌ ጀሚሩ ክሳብ ጁንታ ህወሓት ኣፀገምቲ ኩነታት ከምዝነበሩ ሓቢሮም።

ኢታማዦር ጀነራል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቶም ከምዝገለፅዎ፣ ኢትዮጵያ ንማንም ሃገር ናይ ምጉዳእ ድሌትን ዕላማን የብላን፤ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ እዚ ግድብ ነዚ ጉዳይ እዚ ብተግባር ዘረጋገፀ እዩ።

ናይ ኢትዮጵያ ዓብዪ ዓቕማ ማይ ስለ ዝኾነ ከትጥቐመሉ ኣለዋ፤ ካብ መጀመርያ ጀሚሩ መንግስቲ ብዛዕባ እዚ ብዙሕ መብርሂ ክህበሉ ዝፀንሐ ንሱዳን ይኹን ንግብፂ ዘይጎድእ ብምዃኑ እዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኢኮኖሚያዊ ፀገም ምስ ምህላዋ ብተወሳኺ እቲ ማይ መበገሲኡ ካብ ኢትዮጵያ ስለ ዝኾነ ኢትዮጵያ ከትጥቐመሉ ግቡኣ ስለ ዝኾነ እዩ ከትጥቐመሉ ደልያ፤ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምዕባይ ዋላ ድሌት እንተሃለዎ መብራህቲ ተጠቃሚ ብዘይምዃኑ ኣይዓበየን፤ ክዓቢ እንተኾይኑ ሃፍተገነቱ ብዝግባእ ክጥቐመሉ እንተሎ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ጎረቤት ሃገራት ነዚ ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ማይ ክቕበለኦ ኣለወን ዝበሉ እቶም ኢታማዦር ሹም፣ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ከንገብር እንተለና ንግብፅን ሱዳንን ከምዘይጎድእ ክነርኢ ብምኽኣልና መዓልቲ ዓወት እዩ ኢሎም። እቲ ግድብ ማይ መሊኡ ብላዕሊ እናኸደ እዩ ዘሎ፣ዝተቋረፃ ነገር የለን፣ንቐፃሊ ‘ውን ከምዘየቋርፅ ተዛሪቦም።

ሱዳንን ግብፅን ነዚ ግድብ እዚ ንምንታይ ከም ዓብዪ ኣጀንዳ ከምዝሓዝዎ ግልፂ ኣይኮነን፤ ኣብ ታሪኽ ብፅሂት ማይና ተጠቒምና ኣብዘይንፈልጠሉ ከም ዓብዪ ኣጀንዳ ምሓዝ ትኽክል ስለ ዘይኮነ እንደጋና ብደንቢ ክረአ ይግበኦ ኢሎም። እዚ ግድብ እዚ ንኢትዮጵያውያን ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ፤ ኢሉ ‘ውን ናይ ካልኦት ረብሓ ዘይጎድእ ምዃኑ ገሊፆም።

ካብ ዕብደት ኣብዲ ኢሌ ጀሚሩ ክሳብ ጁንታ ህወሓት ኣፀገምቲ ኩነታት ነይሮም እዮም፤ ናይዚ ፀገም እዚ ቐንዲ በዓል ዋና ጁንታ ከምዝነበረ ገሊፆም። ጁንታ መጀመርያ ኣብ ውሽጥና ዘለዉ ዕሱባት ሒዙ ይጎዓዝ ከምዝነበረ ብምግላፅ፣ ቕድሚ ውግእ ምጅማሩ ይኹን ድሕሪኡ ኣብ ውሽጥና ፀገማት፣ ቕትለት፣ ምምዝባል ክቕፅል ልዑል ስራሕቲ ሰሪሑ እዩ። ኮይኑ ግና ህዝብን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ግንባር ብምፍጣር ዕላምኡ ክፍሽል ከምዝገበሮ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ፀገም መሊኡ ተፈቲሑ እዩ እኳ እንተዘይተባህለ፣ ቅድሚኡ ኣንፃላልዩ ካብ ዝነበረ ሓደጋ ብጣዕሚ ዝሓሸን ውሽጣዊ ሓድነት ዝተጠናኸረሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ናይ መጀመርያ ምዕራፍ እቲ ኩናት ተጠናቒቑ እዩ፤ ሃገራዊ ሓደጋ ዝፈጠረ ሓይሊ ፈሪሱ እዩ፤ ነዚ ዘተሓባብር ዝነበረ መንግስቲ እቲ ክልል ክፈርስ ከምተገብረን ዝሃነፆ ሓይሊ ከምተደምሰሰን ከምኡ ‘ውን ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ዝነበሩ ፍርቆም ተቐቲሎም፣ልዕሊ 46ዝኾኑ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ዝወዓሉ ምዃኖም ኣዛኻኺሮም።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 15 ሓምለ 2013

Recommended For You