ንግልጋሎት ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔትን ውሕስና ምግብን ክልል ትግራይ ዝውዕላ 32 ተሽከርከርቲ ተበርኪተን

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ክልል ትግራይ ንግልጋሎት ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔትን ውሕስና ምግብን ዝውዕላ ሚኒስትር ግብርና ፌዴራል ብደገፍ ዝለኣኸን 32 ተሽከርከርቲ ን32 ወረዳታት ተዋሂበን።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ዝተረኸቡ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ዝተወደበን ህርኩትን ሓረስታይ ትግራይ ዘለውዎ ፀገማት ንምፍታሕ ብትኹረት ምስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም። እኹል ናውቲ ኣብ ዘይተማለኣሉ ኩነታት ኮይንኩም ትሰርሑ ከምዘለኹም ይርዳእ እየ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፤ እተን ተዋሂበን ዘለዋ ተሽከርከርቲ ንስራሕን ስራሕን ጥራሕ ክውዕላ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ዘለው ሕፅረታት ብቕልጡፍ ብምፍታሕ ገዚፍ ዕማም ንምውጋን ርግፀኛታት ኮይንና ክንሰርሕ ይግባእ ‘ውን ኢሎም። ዝተወደበን ህርኩትን ሓረስታይ ትግራይ ዘለውዎ ፀገማት ንምፍታሕ ብትኹረት ምስራሕ ከምዝግባእ ‘ውን እቶም ፕረዚዳንት ገሊፆም።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ኢያሱ ኣብረሃ(ዶክተር) ብግደኦም፤ እቲ ሓገዝ ኣብ ምዕዋት ፕሮግራም ልምዓታዊ ሰፍትኔትን ምግቢ ውሕስናን ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ገሊፆም።

እቲ ሓገዝ ካብ 56 ተጠቀምቲ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሶፍትኔትን ምግቢ ውሕስናን ተረባሕቲ ወረዳታት ነተን 32 ወረዳታት ጥራሕ ከምዝበፀሐ ብምግላፅ፣ እተን ዝተረፋ ወረዳታት ኣብ ቀረባ እዋን ተሽከርከርቲ ክረኽባ ምዃነን ሓቢሮም። እተን 32 ተሽከርከርቲ ከቢድ ፀገም ንዘለወን ወረዳታት ቀዳምነት ክረኽባ ከምዝተገበረ ‘ውን ተዛሪቦም።

ኣብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ መተሓባበሪ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሶፍትኔትን ምግቢ ውሕስናን ኣይተ መሓሪ ሕሸ፤ ንክልል ልምዓታዊ ሴፍትኔት ፕሮግራምን ምግቢ ውሕስናን ዝተረከባ 4 ተሽከርከርቲ ሓዊስካ 32 ተሽከርከርቲ ን32 ወረዳታት፤ ሓደ ዴስክቶፕ፣ ሓደ ላፕቶፕን ፕሪንተርን ብሓፈሻ 255 ኤሌክትሮኒክስ ን51 ወረዳታት ትግራይ ከምዝተወሃበ ገሊፆም።

ብተወሳኺ 45 ሞተር ሳይክል ካብ ትካል ፖሮግራም ስግግር ሕርሻን ነባሪ ኣየርን (CALM) እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝፍፀመለን ወረዳታት ከምዝተዓደላ ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ክልል ትግራይ ፀብፂቡ።

ብጋዜጣ ሪፖርተር

ወጋሕታ 11 ሓምለ 2016 ዓ.ም

Recommended For You