መስጊድ ኣልነጃሺ ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ጣብያ ነጋሽ ዝርከብ መስጊድ ኣልነጃሺ ብዝበፅሖ ዕንወት ዳግም ክህነፅን ኣብ ዩኔስኮ ክምዝገብን ጉዳያት እስልምና ትግራይ ምስ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ብሓባር ይሰርሑ ምህላዎም ተገሊፁ፡፡

እዚ ዝተገለፀ ኣመራርሓ ባህልን ቱሪዝምን ላዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖት እስልምና ትግራይ፣ ተወከልቲ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያን ካልኦት ተሳተፍትን ኣብ ዝተረኸብሉ 7 ሓምለ 2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ዋዕላ ኣልነጃሺ ‘ዩ፡፡

ኣብቲ ዋዕላ ተረኺቦም መኽፈቲ ዘረባን መበገሲ ፅሑፍን ዘቕረቡ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዶክተር ኣፅበሃ ገ/እግዚኣብሄር “ፍልፍል ቱሪዝምን ክኾኑ ዝኽእሉ ጥንታውያን ቅርስታት ሓወልቲ ኣክሱም፣ መስጊድ ኣልነጃሺ፣ ገዳማት ገርዓልታን ካልኦት ታሪኻዊ ፀጋታት ሒዝካ ምጥማይ ኣዝዩ መሕዘንን ውርደትን ‘ዩ” ኢሎም፡፡

“ብመሰረት እዚ ነዚ ልምዓት ንኽውዕል ታሪኻዊ መስጊድ ኣልነጃሺ ኣብ ዩኔስኮ ካብ ምምዝጋብ ዝዓግተና ዝኾነ ሓይሊ የለን” ዝበሉ እቶም ሓላፊ ብፀቢብ ዕድልን ብረዚን ቃልስን እንነብር ህዝቢ ስለዝኾና ሎሚ ‘ውን ከም ትማሊ ሓድነትና ኣጠናኺርና መስጊድ ኣልነጃሺ ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሓንቲ ሓንቲ ኩረት ክንድርቢ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም፡፡

መስጊድ ኣልነጃሺ ኣብ ዩኔስኮ ንኽምዝገብ ዛጊድ ዝተሰርሐ ነገር እንተዘይሃለወ ‘ውን ብቐፃሊ ኣብ ትግራይ ዘለው ታሪኻዊ ቦታታት ከም መስጊድ ኣልነጃሺን ካልኦት ዝዓነዉ መስሕብ በፀሓቲ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ክኾኑ ዝኽእሉ ታሪኻዊ ቦታታት ዳግም ብምህናፅ ቅርስታትና ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰግርሉ ኩነታት ንኽፍጠር ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ቀዳምነት ሂቡ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጦም፡፡

ፕሬዚዳንት ሓፈሻዊ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሸኽ ኣደም ዓብደልቃድር ብወገኖም “ኣብ ሰዓብቲ ሃይማኖት እምነት እስልምና ይኹን ክርስትና ዘለው ቅርስታት ናይቲ ሓደ ወይ ናይቲ ኻሊእ ጥራሕ ዘይኮኑስ ብሓፈሻ ቅርስታት ትግራይ ከምዝኾኑን ነዚ ድማ ታሪኽን መንነትን ህዝቢ ትግራይ ምዃኖም ክንርዳእ ይግባእ” ድሕሪ ብባል፤ ካብዚ ተበጊስና ብኵናት ዝዓነወ መስጊድ ኣልነጃሺ ዳግም ክህነፅን ኣብ ዩኒስኮ ንኽምዝገብን ሓቢርና ንክሰርሕ ይግባእ ክብሉ ሓቢሮም፡፡

ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ ብወገኖም ትልሚ ፕሮጀክት ባዶ ባዶ ኣልነጃሺ ክዕወት ልዕሊ ኹሉን ቅድሚ ኹሉን ሓድነትና ምስጣም ከም ዘድልን ብመሰረት እዚ ልዕልነት ትግራይ ከረጋግፅ ዝኽእለሉ ኣብ እምነታት እስልምና ይኹን ክርስትና ዘለው ዓበይቲ መስሕባት በፃሐቲ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ክንጥቐመሎም ይግባእ ኢሎም፡፡

ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ- መንደር ባዶ ባዶ ኣልነጃሺ ንምልማዕ ብፅሑፍ ካብ ዝሓዞም ከባቢታት ኢትዮጵያ ቁፅሪ ሓደ ኣልነጃሺ እንተቐመጠ ‘ውን ካብ ብፅሑፍ ዝዘለለ ዛጊድ ብተግባር ዝተርኣየ ነገር ከምዘየለን ዝሓበሩ ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ ብቐዳምነት ታሪኹን መንነቱን ክፍለጥ ዝግባእ በዓል ዋና እቲ ታሪኽ ስለዝኾነ ካብ ዝሓለፈ ተሞክሮ ብምውሳድ ኣልነጃሺ ንምልማዕን ኣብ ዩኒስኮ ንኽምዝገብን ዓርስና ክንፅዕር ኣለና ክብሉ ኣረዲኦም፡፡

ኣብ መወዳእታ “መስጊድ ኣልነጃሺ እምነት እስልምና ካብ ምጥፋእ ሓደጋ ዘድሓነን መንፈስ ምክእኣል ዘቐፀለን እዩ” ዝብሉ ኣቦ መንበር ተበግሶ ዳግመ ህንፀትን ልምዓትን ኣልነጃሺ (ኣርዲ) ዶክተር ኣብራር ፍትዊ “መስጊድ ኣልነጃሺ ማእኸል ፍትሒ፣ ብብርኪ ዓለም መዕቖቢ ፍትሒ ዝሰኣኑ ወገናትን መርኣያ ምቅባል ጋሻን እንተኾነ ‘ውን ነዚ ፍልፍል እቶት ክኸውን ኣብ ምግባር ዛጊድ ተረባሕቲ ኣይኮናን” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ዕለት መስጊድ ኣልነጃሺ ኣብ ዩኒስኮ ንምምዝጋብ ዘለውዎ ፀጋታትን ክስርሑ ኣብ ዘለዎ ጉዳያትን ብዝምልከት ካብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ብዝመፁ ምሁራት ዝተዳለው ኣርባዕተ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ‘ዮም፡፡

ብጋዜጣ ሪፖርተር

ወጋሕታ 11 ሓምለ 2016 ዓ.ም

Recommended For You