ኣብ 10 ክልላት ምፍላይን መረፃን ተሳተፍቲ ሃገራዊ ምክክር ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ:- ኣብ 10 ክልላት ምፍላይን መረፃን ተሳተፍቲ ሃገራዊ ምክክር ከምተዛዘመ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዋና ኣካቢ እቲ ኮሚሽን መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)፤ ኮሚሽን ምኽክር ፈላማይ ስራሕ ምትእኻኻብ ኣጀንዳ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ንኣዲስ ኣበባ ብዓወት ከምዘሳለጠ ኣዘኻኺሮም። ኣብ ክልላት ሃረር፣ ጋምቤላን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ኸይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ከምዝጅምር ኣፍሊጦም።

ኮሚሽነራት ምደባ ብምክያድ ብሓደ ግዜ ኣብ ኣርባዕተ ክልላት ስራሕቲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ከምዝስራሕ ብምግላፅ፤ ኹነታት ኽረምቲ እንተዘየፀጊሙ ክሳብ 30 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ኣብ መብዛሕቲኦም ክልላት ኣጀንዳ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕ ከምዝዛዘም ኣመላኺቶም።

ኣብ ክልል ዓፋር ኣብዚ እዋን ሙቐት እናበርትዐ ዝኸደሉ እዋን ምዃኑ ዝተዛረቡ እቶም ኣካቢ፤ እቲ ሙቐት እናነከየ እንትመፅእ ኣብ ዝቕፅል ዓመት መወዳእታ ወርሒ መስከረም ከባቢ እቲ ኸይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ንምክያድ ከምዝተሓሰበ ኣረዲኦም።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዝተገበረ ኸይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ሓደ ሓደ ኽፍተታት ምንባሮም ብምዝኽኻር፤ እታ ከተማ ሰፋሕ ምስ ምዃና ዝነበረ ግዜ ‘ውን ሓፂር ስለዝነበረ ፃውዒት ተሳታፋይ ኣብ ዝግበረሉ ግዜ ኽፍተታት ከምዝተዓዘቡ ኣልዒሎም።

በዚ ‘ውን ንሃይማኖታዊ ትካላት ምሉእ ብምሉእ ናብቲ ምኽክር ኣብ ናይ ምምፃእ ኸይድን ውሩያት ሰባት ናብቲ ኣኼባ ኣብ ናይ ምቕራብ ኸይዲ ብዝተወሰነ ኽፍተታት ከምዝነበሩ ዝገለፁ እቶም ፕሮፌሰር፤ ዝተፈጠሩ ኽፍተታት ማሕበረሰብ ንኽርዳእን ኣብ ቐፃሊ ንምስትኽኻል ፃዕሪ ከምዝግበርን ሓቢሮም።

ኣብ ቐፃሊ ኣብ ክልላት ኣብ ዝግበር ኸይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ካብቲ ዝሓለፈ ትምህርቲ ብምውሳድ ዝሓሸ ነገር ክህልው ትፅቢት ከምዝግበር ተዛሪቦም። እቶም ዋና ኣካቢ ከምዝተዛረብዎ፤ ምፍላይን መረፃን ተሳተፍቲ ኣብ 10 ክልላት ዝተዛዘመ እንትኸውን፤ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝተረፉ ስራሕቲ ምህላዎም ኣመላኺቶም።

ብተወሳኺ ኣብ ክልል ሶማሌ ምፍላይን መረፃን ተሳተፍቲ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ኣብ ኽልተ ዞባታት ብዘጋጠመ ፀገም ጥዕና ምኽንያት ፀገም ከምዝተፈጠረ ሓቢሮም፤ ኣብዚ ሕዚ ኮሚሽነርን ሰብሞያን ተላኢኾም ተሳተፍቲ እናፈለዩ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተወሰነ መልክዑ ስልጠና ተሓባበርቲ ከምዝተውሃበ ዝተዛረቡ ፕሮፌሰር መስፍን፤ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፣ ምዕራብ ኦሮሚያን ኣምሓራን ክልላት ኣብ ዕጥቃዊ ቓልሲ ንዝርከቡ ኣካላት ፃውዒት ሰላም እናቐረበ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ክልል ትግራይ ምፍላይ ተሳተፍቲ ንምግባር ኹነታት ናይ ምምችቻው ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ዝተዛረቡ እቶም ዋና ኣካቢ፤ ኣብ ዝኾነ እዋን እቲ ክልል ፃውዒት ኣብ ዘቕርበሉ እዋን እቲ ስራሕ ከምዝዛዘም ኣረዲኦም። ፕሮፌሰር መስፍን ከምዘመላኸትዎ፤ እቲ ኮሚሽን ዝሰርሖም ስራሕቲ ንምዝዛም ትሽዓተ ይተርፉዎ። ዝተረፉ ስራሕቲ ብውፅኢታውነት ንምክያድ ፃዕሪ እናተገበረ ‘ዩ።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 11 ሓምለ 2016 ዓ.ም

Recommended For You