‹‹ህፃውንቲ ከም መኸታ- ናይ ጭካነ መወዳእታ››

ናይቲ ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ግፍዒ ጭካነን ተግባር ገደብ ጥሒሱ ዕላዊ ከብ ዝኸውን ፀኒሑ እዩ፡ ፡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ዝስማዕን ዝስተውዐልን ናይዚ ጉጅለ ኽፍኣት ብመጠን ኾነ ብዓይነት በዚሑን ገዚፉን ንምስማዕ ኾነ ተረጋጊዕኻ ንምሕሳብ ክሳብ ዘፀገም ምስ ሕሊናና ንክንሟገት ገይሩናና እዩ፡፡ ካብ ኣንደበቱ ዝወፁ ናይ ሓሶትን ፈጠራን ደም ብዘስከሮ መንነት ቐልቡ ስሒቱ ብጭካነ ኢዱ ዝትኩሶ ጥይት ደም ንፁሃን ብምፍሳስ ይርከብ፡፡ ካብዚ ብምዝለለ ሃገራዊ ሉኣላውነት ተጠናኺሩ ተንኮሉ ንምውንጫፍ ኣብ ሰላምና ምውፈሩ ፀኒሑ እዩ እሞ ኽፉእ ምርድእ መሪር ንክኾን ምኽንያት ኾይኑ እዩ፡፡

ናይዚ ኹፉእ ጉጅለ ጭካነ ከምዚ እዩ ተባሂሉ ንምትንታተን ዘፀግሙ ነገራት ዝተመልአ ስለ ዝኾነ ከም ሰብኣዊ ፍጡር ንምእማን ክሳብ ዘፀገም በቢጓሓቱ ዝስምዑ ዘስካሕክሕ ተግባር ናይ መንነቱ ተግባር ብግልፂ ዘሪእዩ እዮም፡፡ ኣብ ቀረባ ምስ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝኸፈቶ ወረራ ዓውደ ኹናት ዘሰለፎም ህፃናትን ዓበይቲ ቖልዑን ኣመልኪቱ ናትና ዝብልዎም ዓለምለኸ መራኺቢ ሓፋሽ እናተቐባባሉ ብምስርጫው ናይቲ ጉጅለ ተግባር ጭካነ ብዕላዊ እናገለፁ ይርከቡ፡፡

ብዓለም ለኸ ገበን ቤት ፍርዲ ብሕቡራት መንግስታት መሰል ህፃናት ኮንቬንሽን ድንጋገ ውሽጢ ህፃናት መልሚልካ ናብ ኹናት ምስላፍን ንከገልግሉ ምውፋር ብገበን ከምዘፈርጅ ብግልፂ ተመልኪቱ እዩ፡፡ ሃገርና ሓዊሱ ብዙሓት ሕቡራት መንግስታት ኣባል ሃገራት ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዘለዉ መናእሰይ ኣብ ኹናት ምስታፍ ከምዘይግባእ ስምምዕነቶም ብፊርመኦም ምርግጋፅ ጥራሕ እንተይኾነስ ንተግባርነቱ’ውን እናሰርሑ ይርከቡ፡፡

ተመሓይሹ ኣብ ስራሕ ዝዋዓለ ጄኔቫ ኮንቬንሽን (Convention on the Rights of the Child and the Additional Protocols to the Geneva Conventions) ‹‹ህፃናት ወታደራት ››ብምባል ዝገልፆም ዕድሚኦም ትሕቲ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዝኾኑ ህፃናት ኣብ ዓውደ ኲናት ተረኺቦም ስለዝተኩሱ ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ ዓውደ ግንባር ዝተረኸቡን ንኣባላት ሰራዊት ብምልእኣኽን ብምግልጋልን ዝሳተፉ እንተኾነ’ውን ምስ ብረት ሒዞም ዝዋግኡ ማዕረ ‹‹ወታደር›› ከምዝባሃሉ ብዝርዝር እዩ ዝገልፅ፡፡ ዝፍረጅ’ውን ብገበን ኲናት እዩ፡፡

ኣፍሪካውያን ዘፅደቕዎ መሰል ድሕንነትን ህጻናት ዝድንግግ ቻርተር ከም ኣውሮፓ ኣቖፃፅራ 1999 ከምኡ’ውን ትሕቲ 18 ዝኾኑ መናእሰይ ንጎንፂ ኾነ ንስሩዕ ኹናት ንከይምልመሉን ኣብ መንጎ ጎንፂ ድማ ንከይርከቡ ይድንግግ እዩ፡፡

ባዕሎም ‹‹መበቆል ሰብኣዊ መሰል›› ገይሮም ክሳብ ምቑፃር ዝበፅሑ ኣብ ሃገርና ጉዳይ ኣቲና ከይፈትፈትና እናሉ ጥዕና ዝኸልኡ ከም ኣሜሪካ ዝበሉ ሃገራት ‹‹ካብ ምቁርቋር ሓሊፉ ክንስወኣሉ ኢና›› እናበሉ ብመራኸቢ ሓፋሽ ጥራሕ እንይኾነስ ብወሰንቲ ኣኼባታት እንተይተረፈ መሰላት ህጻናት ዝዛረብዎ ሓቂ ኣብዝሓ እዋን ብተቓራኒ ክኸውን እዩ ዝረአ፡፡ ንኣብነት ዝኣክል ኖቬምበር 20/1989 ዓ.ም ብ 194 ሃገራት ብምፅዳቑ ‹‹ Human rights treaty in history – with 194 countries as “states parties” ተባሂሉ ኣድናቖት ዝተውሃቦ (Convention on the Rights of the Child) ብዝባል ዝፍለጥ ስምምዕነት ካብ ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ብተወሳኺ ክሳብ ሎሚ ኣይንፍርምን ካብ ዝባሃሉ ሃገራት ቐዳመይቲ ኣሜሪካ እያ ነይራ፡፡ ንዘይምቕባላ ከም ኣጀንዳ ዘቕረበቶ ምኽንያት ብዝምልከት ከም ኣውሮፓ ኣቆፃፅራ ብ 2014 “Child labor in US tobacco fields” ብዝብል ዝተሰርሐ ፅንዓታዊ ፅሑፍ ኣጋሊፁ እዩ፡፡

ብዛዕባ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ጉዳይ ቀንዲ ጠበቃ ከምዝኾነት ባዕላ ንባዕላ ኣሚና ንዝተረፈ ህዝቢ ድማ ብሓይሊ ይኹን ብምእማን ‹‹እመኑኒ›› እናበለት ብቕልፅማ ፣ዶላር ብምሃብ ካባየ ንላዕሊ የለን ብምባል ሃገራት እተፈራርሕ ዘላ ኣሜሪካ ኣብ ካልኦት ሃገራት ጉዳይ ኢደይ ከይኣተኹ እናበለት ናይ ገዝኣ ጉድ ፍታሕ ንምሃብ እኳ ዝተፀገመት ከምዝኾነት ኹላትና እንፈልጦ ሓቂ እዩ፡፡

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት 10ኪሎ ግራም ዝምዘን ፣ሙሉእ ኣውቶማቲክ ዝኾነ ኣብ ደቂቃ ክሳብ 600 ጥይታት ዝተፍእ AK-47 ብዝባል ዝፍለጥ ክላሽንኮቭ ጠመንጃን ካልኦት ወታደራዊ ናውትን ህፃናት ንሽከሙ ብምግባር ዳርጋ ናብ ኹናት ዘእተውዎም ርህራሀ ዘይብሉ ጨካን እዩ፡፡ ናይ መምሀሪ ናውቲ እኳ ብስርዓት ምሽካም ዘይኽእሉ እዞም ህፃናት ቅድሚት ኣሰልፊካ ከም ጋሻ ምጥቃም ጭካነኡ ኣጉሊሁ ዘርኢ እዩ፡፡

እዚ ዘፍጠጠ ሓቂ ዘስተውዕሉ ሓደ ሓደ ሃገራት እዚ ዘሕፍር ናይቲ ጉጅለ ተግባር ጠጠው ንክብል ኣብ ክንዲ ምግባር እቲ ሓቂ ንዘይምርኣይ ዓይኖም ኣዕዊሮም፣ ንዘይምስማዕ እዝኖም ኣደንቂሮም እናቀያይሩ ሓደ ብግድብ ህዳሰ፣ሓደ ግዘ ብሰብኣዊ መሰል ተግባር ምኽንያት እናገቡ ናይ እግሪ ሓዊ ኾይኖምና ኣለዉ፡፡ ካብ ጓጓ እናወሰዱ ነዚ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ንከገልግሉ እናተመልመሉ ዘለዉ ህፃናት ዝምልከት መላእ ህዝቢ ትግራይ ብምትሕብባር ኣብ ክንዲ ምቅዋም ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ ብሱቕታ ምሕላፉ ‹‹ካብዚ ዝኸፍአ ጭካነ ተግባር ክሳብ ዝፍፀም›› እናሓለወ እዩ ኢልና ክንሓስብ ንግደድ፡፡ እዞም ህፃናት ዘመናዊ ኣፅዋር ኲናት እንተተዓጢቖምን ምስ ዝሰልጠነ ሰራዊት ገጢሞም እንታይ ዓይነት ውፅኢት ከምፅኡ እዮም ኢልና’ውን ክንሓትት ኢና፡፡

ብጣዕሚ ዘሕዝን ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ መራሕቲ ይሉንታ ዘይብሎም ብጭካነ ካብ ዝግለፀሎም ተግባራት እቲ ሓደ ድኻ ትግራዋይ ደቁ ናብ ኲናት እናኸዱ ናታቶም ደቆም ግና ኣብ ኣውሮፓን ሰሜን ኣሜሪካን እናነበሩን እናምሃሩን ምዃኑ እዩ፡፡

ንህዝቢ ትግራይ ፈተውቲ ብምምሳል ‹‹እቲ ሓዊ እናቐፃፀሉ ›› ነቲ ግብረ ራዕዳዊ ዘጠንክሩ ቕፅረኛ ንኾብዶም ዝሓድሩ ሕሊና ዘይብሎም ዓለም ለኸ መራኸቢ ሓፋሽን ጋዜጠኛታትን ኣብ ተራድኦ ትካል ብስም ሰራሕተኛ ብደም ዝንግዱ መሰሪታት ሕቡእ ዕላማ ካብ ግዘ ናብ ግዘ ግልፂ እናወፀ ስለ ዝመፀ እቲ ህዝቢ ጠጠው ኢሎ ናይ ፅሞና እዋን ብኣግባቡ ተዝጥቀመሉ ዝሐይሽ ይምስለና፡ ፡ ምንም ዘይፈልጡን ንምንታይ ዕላማ ከምዝዋግኡ ፍልጠት ዘይብሎም ህፃናት ዘይሩ ዘይሩ ውፅኢቱ እንታይ ክኾን ከምዝኽእል ንምግማት ኣይከብድን፡፡

እቲ ጉዳይ ብህፃናት ዝተገደበ ጥራሕ እንተይኾነስ ብምፍላጥ ይኹን ብዘይምፍላጥ ሽማግለታት ፣ብሃይማኖት ሽፋን ምስቲ ጉጅለ ብምዃን በቲ ኹናት ግንባር ፊት ለፊት ብምምራሕ ዝኸፍለዎ ዘለዉ ዘይግባእ መስዋእትነት ጠጠው ኢሎም ምስ ሕሊነኦምን ታሪኾምን ክመኽሩ ዝግባእ ይመስለና፡፡

ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ፀላእነቱ ንመላእ ኢትዮጵያ ጥራሕ እንይኾነስ ናተይ ዝብሎ ንህዝቢ ትግራይ’ውን ከምዝኾነ ደጋጊሙ ብተግባር ኣመስኪሩ እዩ፡፡ በቲ ህዝቢ ተፀሊሎም ዝፈራገጡን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ጎደናታት ሰልፊ ምውፃእ ዕለታዊ ተግባሮም ዝገበሩ ዕላማ ዘይብሎም ብምልሓሶምን ብምፍካሮምን ንህዝቢ ትግራይ ክጠቕሙ ከምዘይኽእሉ ብተደጋጋሚ ተረጋጊፁ እዩ፡፡

ክሳብ መዓዝ ህዝቢ ትግራይ እናሓዘነን ደቁ ንዝተጋገየ ዕለማ እናሃበ ዘመኑ ይውድእ ? ክሳብ መዓዝ ብተራድኦ ትካል ዘመኑ ይደፍእ ? ክሳብ መዓዝ ኣብቲ ክልል ፅቡቕ ኣዝመራ እንተይኾነስ ሞት ዝተደገሰሉ ጥይት እናኣረየ ዝነብር ? ጠጠው ኢልካ ብምሕሳብ ኣቦታት ፣ ዕድመን ታሪኽን ዘምሃሮም ሽማግለታት ፣ዕላማ ብዘይብሉ መስዋእትነት ወፂኦም ዝቐረዩ እናስታወስ ብሓዘን ዝቕዙሙ ኣደታትን መናሰይን ተሰብሲቦምን ተመኻኺሮምን ነዚ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ዓፈና ነፃ ንምውፃእ ንምንታይ ክቃለሱ ኣይካኣሉን?

ሎሚ ከም ኣጋጣሚ እንቆፅሮ ናይቲ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ተግባር ፅባሕ ታሪኽ ኾይኑ ንመፃኢ ትውልድ እንትቐርብ እንታይ ክባሃል ከምዝኽእል ንምግማት ኣየፀግምን፡፡ ኣዴታት ኣይነበራን ድየን ? ፣መራሕቲ ሃይማኖት ሙሁራንከ እንታይ ኢሎም ነይሮም ? ሽማግለታት እንታይ ኢሎም ነይሮም ? እንታይኸ ወሲኖም ? እናተብሃል ምሕታቱ ስለዘይተርፍ ሎሚ ናብ ሕሊና ተመሊስኻ እዚ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ተልእኾ ምፍሻል ንህዝቢ ትግራይ ናይ ፈቃደኝነት ግቡእ ከምዝኾነ ክእመን ይግበኦ፡፡ሰላም ይኹን! (ፍልፍል፤ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን)

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 15 ሓምለ 2013

Recommended For You