ሰብኣዊነት ዘይስምዖ ጁንታ

ብሰንኪ ጁንታ ህወሓት ዝተወለዐ ኵናት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓብዪ ፀገም ኣሎ፡፡ልዕሊ ሓሙሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮ።መንግስቲ ፌደራል ኣብቲ ክልል እናሃለው 70 ሚኢታዊ ሓገዝ የቕርብ’ኳ እንተነበረ ካብ 21 ሰነ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ በይናዊ ተኲሲ ጠጠው ኣቢሉ ካብ መቐለ ምስወፅአ ግና እቲ ፀገም ተጋጊዱ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣይረክብን ዘሎ፡፡

ሐዚ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ የለን፡፡ካብ ትግራይ ቅድሚ ምውፅኡ ግና ኣብ መኽዘን በኣማኢት ኣሽሓት ኩንታል ዝቑፀር ምግብን ምግቢ ተንከፍን ንሰብኣዊ ሓገዝ ንክኸውን ገዲፉ ወፂኡ እዩ።ኮይኑ ግና ህዝቢ ብግቡእ እናረኸበ ኣይኮነን።ምኽንያቱ ድማ በስቓይ ዜጋታትን ዝነብርን ሰብኣዊነት ዘይስምፆ ሓይሊ ንባዕሉ ስለዝጥቀመሉ እዩ፡፡

ራዕዲዊ ህወሓት ሐዚ ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ ፈንቲረሱ፣ ወረዳ ያሎ መጥቃዕቲ ብምፍፃም ናብ ትግራይ ሓገዝ ፅዒነን ዝጓዓዛ ዝነበራ ተሽከርከርቲ ንከይንቀሳቐሳ መስመር ሓገዝ ንክዕፆ ምግባሩ ኮሚሽን ብሄራዊ ኣመራርሓ ስራሕን ሓደጋን ድልውነትን ሐቢሩ እዩ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣይተ ምትኩ ካሳ ከምዝበልዎ፣ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ምግብን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ናውቲታትን ዝፀዓና 189 ከበድቲ ተሽከርከርቲ ንከይንቀሳቐሳ ገይሩ ኢዩ። ብምኽኒያት እዚ እተን ተሽከርከርቲ ደው ንክብላ ተገዲደን እየን ኢሎም። ካብዚ ምርዳእ ዝከኣል እቲ ጁንታ ሰብኣዊነት ዘይብሉን ብስቓይ ህዝቢ ዝነብር ሓይሊ ምዃኑ እዩ፡፡

መንግስቲ በይናዊ ደው ምባል ተኹሲ ዝገበረ ንህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክበፅሕ ኩነታት ንምምቹቻዉ እዩ።ንህዝቢ ትግራይ ምንም ርህራሄ ዘይብሉ ራዕዲዊ ህወሓት ግና መስመር ብምዕፃው ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍጣር ይፅዕር ኣሎ።ኣብዚ ከይዲ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ንዝፍጠር ፀገም ተሓታቲ እቲ ጁንታ ምዃኑ ህዝቢ ትግራይን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ክፈልጥ ይግባእ።ስለዚ እዚ እከይ ተግባሩ ጠጠው ንከብል ክውገዝ ኣለዎ፡፡

 እዚ ሰብኣዊ ሓገዝ ንውልቀ ረብሓ ምውዓልን ብስቓይ ህዝቢ ዕድመ ናይ ምንዋሕ ባህርይ ጁንታ ኣብ ዕጥቓዊ ቓልሲ እናሃለወ ዝነበረ እዩ።ኣብቲ ሽዑ ንረድኤት ዝመፅአ እኽሊ ሸይጡ ኣፅዋር ኲናት ብምግዛእ ንህዝቢ ንጥምየት ዝዳረገ ሓይሊ ምዃኑ ማንም ዝርስዖ ኣይኾነን።ሐዚ’ውን መንግስቲ ካብ ዓለምለኻዊ ትካላት ተራድኦ ዝረኸቦ ሓገዝ ንከይተዓናቐፍ ኩነታት እንተመቻቸወ’ውን ራዕዲዊ ህወሓት መጥቃዕቲ ካብ ምፍፃም ኣይተቖጠበን።ሐዚ’ውን ሰብኣዊነት ስለዘይስምዖ ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ንክነውሕ ይሰርሕ ኣሎ፡፡

እቲ ጁንታ ንህዝቢ ሰባኣዊ ሓገዝ ከይረክብ ካብ ምግባሩ በተወሳኺ ኣብ ዜጋታት ሰብኣዊነት ዝጎደሎ ተግባር ስለዝፍፅም ካብ ሞት ንምምላጥ ህዝቢ ሐዚ’ውን ይስደድ ኣሎ።ንብዙሓት ሰባት ምስ ሰራዊት ምክልኻል፣ ብልፅግና ወይ ምስ ካሊእ ፓርቲ ነይርካ ኢኻ እናበለ ብዙሓት ሰባት የጋፍዕ ኣሎ።በዚ ምኽንያት’ውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘሕዝን ኩነታት እዩ ይርከብ።

በዚ ጥራይ ከይተወሰነ ራዕዳዊ ህወሓት ህፃናት ትግራይ ናብ ኲናትን ግብረተ ኽፍኣትን እናሰለፈ እዩ።እዚ ሎሚ ዝጀመሮ ዘይኮነስ ቐደም ኣብ እዋን ብረታዊ ቓልሲ ከምዝኾነ ፣ኣብዚ ሐዚ እዋን እቶም ህፃውንቲ ናብ ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት እናተፀምበሩ ዘለዉ ተረዲእዎም፣እከይ ተግባሩ ተገንዚቦም ዘይኮነስ ናይ ፅባሕ ተስፍኦም ስለዝፀለመተ ብግጉይ ፕሮፖጋንዳን ብደርፍን ልቦም ስለዘሸፈቶ፤ሓሽሽ እናሃበ ስለዘዐወኖም እዩ ።ህፃናት ትግራይ ናብ ኲናት ምስላፍ ካብ ቐደም ጀሚሩ ይጥቀመሉ ዝነበረ እከይ ተግባሩ እዩ።በዚ ድማ ብርክት ዝበሉ ህፃውንቲ ኣብ ዘይዕድሚኦም ናብ ኲናት ክዳጎኑ ገይሩ እዮ።እዚ ካብ ሰብኣዊነት ዘይስምዖ ጁንታ ትፅብት ዝገበር ተግባር ስለዝኾነ ህዝቢ ክኹንኖ ይግባእ፡፡

ኣብ ህዝቢ ዘይተደረኸ ሓይሊ ወይ ድማ ፓርቲ ኹሉ ግዘ ዝነብር ብሓይሊ እዩ።እቲ ጉጅለ ቐደሙ ‘ውን ስልጣን ዝሓዘ ብሓይሊ እዩ ነይሩ፤ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ‘ውን ን27 ዓመታት ብዙሓት ብምእሳር፣ ብምቕታልን ብምስዳድን ብሓይሊ እዩ ፀኒሑ፤ ሐዚ ‘ውን ሓይሉ ተጠቒሙ ስልጣኑ ተመሊሱ ንምርካብ እናፈተነ እዩ።ሰብኣዊነት ዘይስምዖን በስቓይ ህዝቢ ዝነብር ጉጅለ ብም ዃኑ ይኣክል ክበሃል ኣለዎ፡፡

ወጋሕታ 15 ሓምለ 2013

Recommended For You