ውፅኢት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ

ኩናት ኣይጀመር እምበር ሓደ ግዜ እንድሕር ተጀሚሩ ዘስዕቦ ጉድኣት ከቢድ ‘ዩ:: ከም ዝፍለጥ ኣብ ሃገርና ምስ ናይ ለውጢ መንግስቲ ተኣሳሲሩ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራልን ብዝተወለዐ ኩናት እንተሪእና ዘብፀሖ ጉድኣት ኣዝዩ ከቢድ ‘ዩ:: ኩናት ብስምምዕ ጠጠው እንትብል ተወሳኺ ጉድኣት ‘ዩ ጠጠው ዝብል እምበር እቲ ዝበፅሐ በሰላ ወድያውኑ ጠጠው ዝብል ኣይኮነን::

ብዙሕ ሰለሎ ዘእትወልካ ወይ ዝገድፈልካ ‘ዩ:: ከምዚ ከይኸውን ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ እንተጋጥም ብፖለቲካዊ ምርድዳእ ኣብ ጠረጴዛ ክፍታሕ ኣለዎ እምበር ናብ ቓታ ምስሕሓብ ምኻድ መዘዙ ብዙሕ ‘ዩ:: ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ብጎንፂ እንተይኮነስ ብፖለቲካዊ ዘተ ጥራሕ ‘ዩ ክፍታሕ ዘለዎ::

ከምዝፍለጥ እቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ዋላ ድሕሪ ብዙሕ ክሳራታት ይኹን ኣብ 23 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶሪያ ብዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ብዙሕ ሰብ እፎይታ ረኺቡ ‘ዩ:: ብቐዳምነት ኩናት ጠጠው ክብል ክኢሉ ‘ዩ:: እዚ ቐሊል ኣይኮነን::

ነቲ ስምምዕ ስዒቡ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ተቋሪፀን ዝነበራ ብዙሓት መሰረታዊ ግልጋሎታት ናብ ንቡር ክምለሳ ገይሩ ‘ዩ:: መንግስቲ ብዙሓት ኣወንታዊ ነገራት ሰሪሑ ‘ዩ፤ ንኣብነት ስምምዕ ንምፍፃም ብዙሕ ርሕቐት ምስተጎዓዘ ስዒቡ እቲ ስምምዕ ሰላም ተፈፂሙ ነዚ ስዒቡ ድማ ከም ተሌ፣ ባንኪ፣ ፋብሪካታት፣ መብራህቲ ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ስሩዕ ስረሖም ክጅምሩ ገይሩ ‘ዩ::

ሕዚ ‘ውን መንግስቲ ብዙሓት ስራሕቲ ብምስራሕ ሓላፍነቱ እናተዋፀአ ‘ዩ ዝርከብ:: ብኽልቲኡ ወገን ዝበራታትዑ ተግባራት ተሰሪሖም ‘ዮም፤ እናተሰርሑ ‘ውን ‘ዮም:: ኮይኑ ግና እዞም ተግባራት እዚኦም ተጣናኺሮም ክቕፅሉ ኩሉ ንሰላምን ሰናይ ስራሕትን ጠጠው ክብል ኣለዎ::

መንግስቲ ፌዴራል ብፍላይ ፅባሕ እቲ ስምምዕ ሰላም ጀሚሩ ምስ ምቕራብ ሰብኣዊ ሓገዝን ካልኦት ጉዳያትን ተተሓሒዙ ዝኸዶም ዘለዉ ክያዶታት ዝበራታትዑ ‘ዮም:: ከምቲ ልዕል ክብል ዝተገለፀ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ከም መብራህቲ፣ ቴሌን ካልኦት መሰራታዊ ነገራትን ኣብ ምቕራብ ዝገበሮ ምንቕስቓስ ዝነኣድ ኮይኑ ከም ኣብ ምቕራብ እኽልን መድሓኒትን ‘ውን ፅቡቕ ክያዶ ከይዱ ‘ዩ::

ከምኡ ‘ውን ብዛዕባ ምንቅስቓስ ፋይናስን ኢኮኖሚን ንምስላጥ መንግስቲ ብዙሕ ደገፍ ገይሩ ‘ዩ:: በጀት ካብ ምምዳብ ጀሚሩ ከንሪኢ ንኽእል ኢና፤ ጠጠው ኢሎም ዝነበሩ ፋብሪካታት ናብ ስራሕ ክኣትዉ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ገይሩ ‘ዩ:: በዚ ምኽንያት ብዙሓት ፋብሪካታት ናብ ስሩዕ ምንቕስቓስ ተመሊሰን ‘የን::

መንግስቲ ናይ ሰለም ረብሓ ዓብይ ምዃኑ ስለ ዝኣምን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብዙሕ ወፃኢ ብምውፃእ ብዙሓት መሰረተ ልምዓታት ናብ ንቡር ምንቕስቓሰን ክምለሳ ገይሩ ‘ዩ:: መንግስቲ ሕዚ ‘ውን እንተኾነ ሰብኣዊ ሓገዝ እናቕረበ ‘ዩ ዝርከብ፤ ብዙሕ ተጠቓሚ ሶፍቲኔት ከምዘሎ ዝፍለጥ ‘ዩ::

ነዚኦም ዋላ እኹል ኣይኹን መንግስቲ እናሓገዘ ‘ዩ ዝርከብ:: እዚ ብኣወንታዊ መልክዕ ዝረአ ‘ዩ፤ እቲ ስምምዕነት ሰላም ክሳብ ሕዚ ካብ ህዝቢ ትግራይ ሓሊፉ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ውን ርኡይ ረብሓ ኣምፂኡ ‘ዩ:: ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ሰላም ክልቲኦም ወገናት ንሰላም ዘለዎም ድሌት ፅኑዕ ብምዃኑ ተስፋ ዝህቡ ስራሕቲ እናተሰርሑ ይርከቡ::

እዚ ብዝበለፀ ክፀንዕ እንተኾይኑ ኩሉ ደላዪ ሰላም ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌዴራል ኮይኑ ብቖራፅነት ክሰርሕ ይግባእ:: እቲ ስምምዕ ብዙሓት ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ስራሕ ንክጅምሩ ዘኽአለ ጥራሕ እንተይኮነስ ብዙሓት ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝገበረ ‘ዩ::

ብዙሓት ተመሊሶም ‘ዮም:: ሕዚ ‘ውን እናተመልሱ ‘ዮም ዝርከቡ:: እቲ ስምምዕነት ኣተገባብርኡ ክረአ እንተሎ ኣዝዩ ፅቡቕ ‘ዩ ዘሎ:: ኩሎም ተፈናቐልቲ ናብ ቦተኦም ንኽምለሱ ድማ ኩልና ንሳላም ጠጠው ምባል የድልየና:: ምስ ስምምዕነት ሰላም ተተሓሒዙ መንግስቲ ካብ ዝኣተዎ ስምምዕ ብዝሓለፈ ምትእምማን ንምፍጣርን ሰላም ንምጥንኻርን ኣድለይቲ ‘ዮም ዝበሎም ስጉምቲ ብተኸታታሊ ወሲዱ ‘ዩ::

በቲ ኩናት ስዒቡ ተቋሪፆም ዝነበሩ መሰረተ ልምዓታትን ወሃብቲ ግልጋሎታት ብምፅጋንን መሊስኻ ክጅምሩ ኣብ ምግባርን ጠንኪሩ እናሰርሐ ድሕሪ ምምፃእ ሕዚ ድማ ተፈናቐልቲ መሊኦም ናብ መረበቶም ኣብ ምምላስ ዝኸዶ ዘሎ ክያዶ ኣዝዮም ተስፋ ዝህቡ ነገራት ‘ዮም:: እዞም ኣብ ምምላስ ተማዛበልቲ ዝኸዶም ዘለዉ ክያዶታት ኣዝዮም ዝበራታትዑ ‘ዮም::

ብሓፈሻ ምፍራም ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብርሰትን ዕንወትን ሂወትን ሃፍትን ደቂ ሰባት ደው ዘበለ ጥራሕ እንተይኮነስ ክልተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ልምዓት ኾነ ሰላማዊ ምንቕስቓስ ዝሕሰብ ዘይነበረ ዝቐየረ ‘ዩ:: እቲ ስምምዕ ኣብ ስቃይ ውሽጢ ንዝነበረ ሕዝቢ ዓብዪ እፎይታ ፈጢርሉ ‘ዩ::

ካብዚ ሓሊፉ እቲ ስምምዕነት ንኢትዮጵያ ይኹን ንኣፍሪካ ብዙሕ ትምህርቲ ዝሃበ ‘ዩ። ብፍላይ ፖለቲካዊ ፀገም ብፖለቲካዊ ዘተ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ክዓቢ ዝገብር ‘ዩ:: ኻልኦት ዕጡቓት ሓይሊታት ‘ውን ካብዚ ትምህርቲ ብምውሳድ ነዚ ክኽተልዎ ይግባእ::

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 4 ሓምለ 2016 ዓ.ም

Recommended For You