ኣዲስ ኣበባ፡- ኻልኣይ ዙር ምልኢት ማይ ግድብ ህዳሰ ይከኣል ዝብል ስምዒት ዘሕደረን ተስፋ ኢትዮጵያውያን ዘለምለመን ከምዝኾነ ተንታኒ ምንቅስቓስ ጂኦፖለቲካል ሃገራት ኣዕራብን ማእኸላይ ምስራቕን ፕሮፌሰር ኣዳም ካሚል ገሊፆም።
ምንቅስቓስ ጂኦፖለቲካል ሃገራት ኣዕራብን ማእኸላይ ምስራቕን ብምትንታንን፤ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ብምምጓት ዝፍለጡ ፕሮፌሰር ኣዳም ካሚል ብፍላይ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዝገለፅዎ፤ ኻልኣይ ዙር ምልኢት ግድብ ህዳሰ ተስፋ ኢትዮጵያውያን ዘለምለመን ናይ ይከኣል መንፈስ ዝፈጠረን እዩ።
ግብፅን ሱዳንን እቲ ግድብ ህይወት ንኸይህልዎ ዘይጠንሰስዎ ውዲት የለን። ግብፃውያን ካብ ዲፕሎማሲ ወፃኢ ረድኤትን ድጎማን ንኸይትረክብ ዘይፈንቀልዎ እምኒ ዘየንኳሕክሕዎ ማዕፆ የለን። ይኹን ‘ምበር ኢትዮጵያ ናይ ይከኣል መንፈስ ተሓንጊጦ ብጋህዲ ሰሪሓ ከምዘርኣየት ኣፍሊጦም።
ግብፃውያን በቲ ግድብ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ሰላማዊ መረፃ ንኸይካየድ ካብ 11 ሰነ እስካዕ 14 ሰነ ውዲት ብምፍሓስ ምንቅስቓሶም ዝጠቆሙ እቶም ፕሮፌሰር፤ ንስዑድ ዓረብ በምሕባል ጀነራል ኣምሪኮ ምስ ዝበሃል ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ኢትዮጵያውያን ካብ ዘለውዎ ተሃዶኖም ንኽወፁ ፅልዋ ንምሕዳርን ኢትዮጵያ ንምጭናቕን እናፀዓሩ ከምዝፀንሑ ገሊፆም።
ልዕሊ 45 ሽሕ ስደተኛታት ንኽወፁ ፅዕንቶ ከሕድሩ ምፍታኖም ሓደ መርኣያ እዩ ዝበሉ እቶም ፕሮፌሰር፤ ኻሊእ ይትረፍ ሰለስተ መዓልቲ ዝገበረት ሓራስ ደማ ከይነቐፀ ንኽትወፅእ ከምዝገበርዋ ኣመላኺቶም። ሓቂ ብምሓዝ ዘተ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ብሕብረት ኣፍሪካ ንኽርኣይ ምግባሩ መርኣያ ዓወት እዩ ኢሎም።
ግብፃውያን ብዝተፈላለየ መገዲ ፅዕንቶ ንምሕዳር ፃዕሪ ገይሮም እዮም፤ንኽኸፋፍሉ ዘይሰርሕዎ ስራሕ የለን። ይኹን ‘ምበር ኹሉ ብምፅዋር ኻልኣይ ምልኢት ማይ ብምዝዛም ኹርዓት ኣፍሪካ ንምዃን ከምዝበቓዕና ኣፍሊጦም።
‹‹ሐዚ ኹሉ ውዲት ኸሺፉ ግድብና መሊኡ እንትሪኦ ተሓጒሰ እየ››ዝበሉ ፕሮፌሰር ኣዳም፤ሐዚ ካባና ትፅቢት ዝግበር ሓድነት፣ ሰላምን ሕብረትን ብምፍጣር ካብ ዘይሕጋዊ ስደት ንምንጋፍ ኣብ ሃገርና ሰሪሕና ንኽንልወጥ ዘለዓዕል እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ትሰርሕ ‘ምበር ብዙሕ እዋን ኣይተውርይን። ብወገን ዲፕሎማሲ ካብ ሃገራት ዓረብ እስካዕ ኣሜሪካን ኣውሮፓን ዘየንኳሕኽሕዎ ማዕፆ የለን። ኢትዮጵያ ግና ሱቕ ኢላ ብፈጣሪኣን ብባዕላን ብምትእምማን ሰሪሓ ከምዘሳኸዐት ገሊፆም።
ድሕሪ ሐዚ በዓል ግብፂ ክልምኑና እዮም። ስለዝኾነ ድማ ብብሄርን ዓሌትን ከይተኸፋፈልና ሓድነትናን ሕብረትናን ክነጠንክር ይግበአና ኢሎም።
ግብፃውያን ኣፍሪካውነቶም ኽሒዶም ዓረብነቶም ብምንፅብራቕ እቲ ኣጀንዳ ጉዳይ ዓረብ ገይሮሞ ነይሮም ዝበሉ እቶም ፕሮፌሰር፤ሐዚ’ውን እቲ ዘተ ብሕብረት ኣፍሪካ ንኽካየድ ስለዝተገበረ ኢትዮጵያ ኾሪዓ እትዛተየሉ እዋን ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።
ተኸተልቲ እምነት እስልምና ነቲ በዓል እንተኽብሩ፤ብዘበናዊ ግብርና ምህርቲ ንምፍራይ ክንፅዕር ይግባእ።ብፍላይ ብምክብባር ብሓድነት ካብ ድኽነት ምውፃእ የድልይ።መራሕቲ ሃይማኖት መርኣያ ብምዃን ነቲ ወለዶ ፅቡቕ ገይርኻ ምምራሕን ምምኻርን ከምዝግበእ ኣተሓሳሲቦም።
ትርሓስ ፍቃዱ
ወጋሕታ 15 ሓምለ 2013