ክረምቲ ስዒቡ ብሃንቀውታ ትፅበዮም ባዓላት

ባህሊ መግለፂ መነባብሮ ደቂ ሰባት ‘ዩ። ሰባት ኣብ መንጎኦምን ምስ ካልኦትን ብዝገብሩዎ መስተጋብር ንመንነቶም ዝገልፅን ናተይ ኢሎም ዝኾርዑሉን ባህሊ፣ ሃይማኖታዊ በዓላትን እናኽበሩ ክሳብ ኸዚ መፂኦም ‘ዮም።

ብምዃኑ ድማ ብኣከባብራ ሃይማኖታዊ በዓላት፣ ብኣከዳድናን ኣጋያይፃን፣ ብኣመጋግባን ምትሕግጋዝን ወዘተ ኣቢሎም ዝግለፁ ባህላዊ ሃፍትታት ብዙሓት ‘ዮም። ካብዚኣቶም ውሽጢ ደሚቖም ዝኽበሩን ኣብ ቅድሜና ዘለዉ ኣዋርሕ ተኻታቲሎም ዝባዓሉ በዓላት ሓወርያ ፣ኣሸንዳ፣ ሓድሽ ዓመት ፣መስቀል.. ተጠቀስቲ ባህላዊን ሃይማኖታውን ሃብትታትና ‘ዮም።

ኹልግዜ ሓምለ ዕለት 5 ዝኽበር በዓል ሓይራ (ሓዋርያ) ‘ዩ። በቢዓመቱ ዝኽበር ባህላዊ በዓል ሓይራ (ሓዋርያ) ሃይማኖታዊ መበገሲ ዘለዎ ኮይኑ፡ ባህላዊን ስርዓታት እናተኸተለ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዘመናት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላፈ ካብ ዝመፅኡ ባህልታት ሎሚ እንሪኦ ባህላውን ሃይማኖታውን መሰረት ዘለዎ በዓል ሓይራ ሓደ ‘ዩ።

በዓል ሓይራ እንትብዓል ኮነ እንትልዓል ሓቢሮም ካብ ዝልዓሉ ነገራት ሕምባሻን ጭጉራፍን ካብ ዘይተርፉ ‘ዮም ። ካብ ሃይማኖታዊ በዓልነቱ ባህላዊ ጎኑ ጎሊሁ ንክወፅእ ወይ ንክፍለጥ ካብ ዝገብሩ ኣብ ሕምባሻን ጭጉራፍን ዘሎ ዝግበር ንጥፈታት ‘ዩ ክብሃል ይክኣል።

ድሕሪ ሓወርያ ስዒቡ ዝመፅእ ድማ በዓል ኣሸንዳ እንትኸውን ኣብ ሰሜን ክፋል ሃገርና ብድምቀት ካብ ዝኽበሩ እቲ ሓደ ‘ዩ። ደቂ ኣንስትዮ ሃገርና ባህለንን ፅባቐአንን ኣብ ኣደባባይ ወፂአን ብዜማን ብስዕስዒትን እንትገልፃ ብዘይ ሓንቲ ሰኸፈትን ፍርሕን ብታሕጓስን ብዓርሰ እምነትን ከምዝኾነ ዝፍለጥ ‘ዩ።

ኣብ ሃገርና ኣብ ዝኸበረሉ ድማ በቢኸባቢኡ ናይ ባዕሉ ዝኾነ መፀወዒ ኣለዎ። ኣሸንዳ፣ ሻደይ፣ ሶለል እናተብሃለ ይፍለጥ። በዓል ኣሸንዳ ኣብ መላእ ትግራይ (ኣሸንዳ፣ ማርያን ዓይኒ ዋሪ) ብሰፊሑ ዝኽበር እንትኸውን፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዋግኸምራን ላስታ ላሊበላ (ሻደይ)፣ ራያቆቦ(ሶለል) ብዝብል ሽም ዝኽበር ‘ዩ ። ባህላዊ በዓል ኣሸንዳ በብዓመቱ ነሓሰ 16 ዝኽበር እንትኸውን ኣብ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ድማ ባዕሉ ዝኸኣለ ሃይማኖታዊ ስርዓት ኣከባብራ ዘለዎ እንትኸውን ኣብዚ ዕለት ብተመሳሳሊ ዝኽበር በዓል ‘ዩ።

ኣሸንዳ ስዒቡ ዝመፅ ድማ ኹላትና ከምንፈልጦ ኣብ ሃገርና ካብ መንጎ ዝኽበሩ ዓበይቲ በዓላት እቲ ሓደ በዓል ሓዱሽ ዓመት ‘ዩ። እዚ ዓብዪ በዓል ፍሉይ ዝገብሮ ኹሉ ማሕበረሰብ ሃገርና ዋላኳ ዝተፈላለየ ሃይማኖትን ቋንቋን ዘለዎ እንተኾነ ንበዓል ዘበን ሓዱሽ ዓመት ዝህቦ ኣኽብሮት ግና ተመሳሳሊ ‘ዩ። በዓል ሓዱሽ ዓመት ኣብ ሃገርና ብተመሳሳሊ ስምዒት ክኽበር ካብ መንጎ ዝገብርዎ ምኽንያታት ሓደ ኣቆፃፅራ ዘበን ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ስለዝኾነ ‘ዩ።

በዚ መሰረት ድማ ኹሉ ማሕበረሰብ ብሓዱሽ መንፈስ ዝቕበሎ በዓል ኮይኑ ‘ዩ። እዚ በዓል ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ሃገርና ብተመሳሳሊ ድባብ ዝኽበር እንትኸውን ብፍላይ ድማ ኣብ ክፋል ሰሜን ኢትዮጵያ ኣዝዩ ተመሳሳሊ ‘ዩ። ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ኣዋልድ ካብ ነሓሰ 16 ጀሚሩ ክሳብ ፅባሕ መስከረም ብጎይላን ፀወታን ዝቕበልኦ በዓል ‘ዩ።

በዓል መስቀል ካፍቶም ዓበይቲ መንፈሳዊ በዓላት ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እቲ ሓደ ‘ዩ። እዚ ዓብዪ በዓል ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ብድሙቕ ስነ-ስርዓት ኣብ ኣደባባይ እንትኽበር መራሕቲ ሃይማኖት ብፍሉይ ኣልባሳት ደሚቖምን፣ ሰዓብቲ እቲ እምነት ድማ ብተመሳሳሊ ፃዕዳ ባህላዊ ኽዳውንቲ ተኸዲኖምን ተኸዲነንን ብሰሓባይ መንፈሳዊ ምዝሙራት ተዓጂቦም ብታሕጓስ ዘኽብርዎ በዓል ‘ዩ።

ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ በብዓመቱ መስከረም 16 እትድምሮ ደመራ ሃገራዊ ኣንደምታ ዘለዎ ‘ዩ። እዚ ማለት ድማ በዓል መስቀል ደመራ ኣብ ዓለም ትካል ትምህርቲ ሳይንስን ባህልን (ዩኔስኮ) ተመዝጊቡ ‘ዩ። ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ በዓል መስቀል ደመራ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዋና ከተማታትን ገጠራትን ብድሙቕ ዝኽበር ዓብዪ በዓል እንትኸውን ብፍላይ ኣብ ብሄረሰብ ጉራጌን ትግራይን ድማ ፍልይ ዝበለ ቦታ ከምዝወሃቦ ዝፍለጥ ‘ዩ።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 27 ሰነ 2016 ዓ.ም

Recommended For You