ነባር ከዋኽብቲ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ ኣብ ሸነን ፌስቲቫል ኣፍሪካ

ኣብ ዓለም እናዓበዩ ካብ ዘለዉ ሃገራት ብጣዕሚ ተጠቀምቲ ካብ ዝኾንሎም ዘፈራት እቲ ሓደ ቱሪዝም ስፖርት ‘ዩ። ኣብ ጅማሮ እትርከብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ነዚ ዘፈር ትኹረት ብምሃብ ዘበረታትዑ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ትርከብ። ካብዞም ስራሕቲ ዝጥቀሱ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለየ ዘፈራት ዝተዋፈሩ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ውልቀሰባት ዘሳተፈ ሸነን ኣፍሪካ ፌስቲቫል እቲ ሓደ ‘ዩ።

ንሰለስተ ማዓልቲ ዝተኻየደ እዚ ኣህጉር ኣቀፍ ናይ ፋሽን ፣ቱሪዝም ፌስቲቫል ስፖርት ንቱሪዝም ስፖርት ኣብ ምንቅቃሕ ዓብይ ግደ ኣለዎ። ኣብቲ ፌስቲፋል ካብ ዝተኻየዱ መርሃግብሪ እቲ ሓደ ፀወታ ስፖርት እንትኾን፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝተሳተፍሉ ፀወታ ሕውነት ምስ ነባራት ኮኾባት ተፃወቲ ኩዕሶ ኣብ ፓርክ ሕውነት ቑፅሪ ኽልተ ተኻይዱ ‘ዩ።

ነባራት ናይ ናይጀርያ ብሄራዊ ጉጅለ ተፃወቲ ኑዋንኮ ካኑ፣ ዳንኤል ኣሞካቺ፣ ታሪቦ ዌስት ከምኡ ‘ውን ንሊግ ኣውሮፓ ዝተፃወተ ሴኔጋላዊ ሄንሪ ካማራ ድማ ኣብቲ ፌስቲቫል ዝተረኸቡ ስፖርተኛታት ‘ዮም። እቲ ፀወታ እግሪ ኩዕሶ ስዒቡ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኢትዮጵያ ፅዋዕ ኣፍሪካ ንምትእንጋድ ሕቶ ከምዘቕረበት ኣመልኪቶም።

ከምዝፍለጥ ኢትዮጵያ ካብ ፅዋዕ ኣፍሪካ መስረቲ ሃገራት ኣፍሪካ እታ ሓንቲ ‘ያ። ኾይኑ ግና ኣብ መድረኸ ዘለዋ ተሳትፎ ኾነ ናይ ኣዳላውነት ታሪኽ ኣብ ከይዲ እናሃሰሰ ብምምፅኡ ቤተሰብ ኩዕሶ እግሪ ብዛንታ ጥራሕ ንክግደብ ኾይኑ ‘ዩ። ናይ ኣህጉርና ዓብይ እግሪ ኩዕሶ ውድድር ብምእትንጋድ ቤተሰብ ስፖርት ድልየት ንምምላእ መንግስቲ ሕቶ ኣቕሪቡ ቅድመ ምድላው ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ምትእንጋድ ፅዋዕ ኣፍሪካ ከቢድ ዝኾነ ከይዲ ከምዝሓትት ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ፕሬዝዳንት ኮንፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ ኣብዚ ጉዳይ ዘተ ከምዝገበሩ ገሊፆም። ፅዋዕ ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ምክያዱ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ካብ ምንቅቃሕ ሓሊፉ ንዘፈር ቱሪዝም ምንቅቃሕ ‘ውን ዓብይ ግደ ኣለዎ።

ካብዚ ኣንፃር ናይ ኣፍሪካ ነበራት ዓበይቲ ተፃወቲ ኩዕሶ እግሪ ናብ ኢትዮጵያ ምምፀኦም እዚ ናይ ኢትዮጵያ ጅማሮ ሓሳብ ንምፍላጥ ዓብይ ዕድል ዝፈጥር ‘ዩ። ዓብይ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ገፅታ ኢትዮጵያ ንምርኣይ ዝነበሮ ዓብይ ግደ ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ቀፃሊ ብዝተፈላለየ ዘፈራት ስፖርት ዝስርሑ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም ክብል ኢዜኣ ፀብፂቡ።

ነባር ከዋኽብቲ ተፃወቲ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ እግሪ ኩዕሶ ካብ ምፅዋት ብዝዘለለ ኣብ ተኽሊ ፈልሲ ሓምለዋይ ዓሻራ ዘዕረፉ እንትኾን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ዑደት ገይሮም ‘ዮም። እዚ ስዒቡ ኣርሰናል ሓዊሱ ኣያክስ፣ ኢንተርሚላን፣ ዌስትብሮሚች፣ ፓርትስማውዝ ክለባት ዝተፃወተ ኑዋንኮ ካኑ ኢትዮጵያ ብጣዕሚ ምልክዕትን ዝደንቕ ባህሊ ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ፃንሒት ኣቀባብላን ምንክብኻብን ገዘኦም ከምዘለዉ ንክስመዖም ብምግባሩ ኣብ ቀፃሊ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ ከምዝመፅእ፤ ከምኡ ‘ውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንኢትዮዮጵ ዘለዎም ራእይ መሰረት ገይሮም እናሰርሕዎም ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ዑደት ከምዝገበሩ ተዛሪቦም።

እቲ ካልእ ናይጀርያውን ነባር ተፃዋታይ ኢንተርሚላንን ኤሲሚላንን ታሪቦ ዌስት ብወገኑ፤ ኣብ ኢትዮጵያ እናተሰርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ሃገር ሓሊፎም ንኣፍሪካ ዘለዎም ራእይ ከምዘመላኽት ገሊፁ። ፅዋዕ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ክተተኣናግድ ብምግባር ናይ ሃገር ኩዕሶ እግሪ ናይ ምንቅቃሕ ትልሚ ‘ውን ከምዝኾን ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ገሊፁ ።

ነባር ዓበይቲ ተፃወቲ ናብ ኢትዮጵያ ምምፀኦም ምስ ኢትዮጵያውያን ምትእስሳር ብምፍጣር ባህሊ ኩዕሶ እግሪ ንክምሓየሽ ምችው ኩነታት ዝፈጥር ‘ዩ። ናይ ናይጄርያ ብሄራዊ ጉጅለ ኣባል ዝነበረ ካልእ ተፃዋቲ ዳንኤል ኣሞካቺ ኣብ ፃንሒቶም ኢትዮጵያውያን ብኽብርን ብፍቕሪ ኣቀባብላ ከምዝገበርሎም ተዛሪቦም።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 27 ሰነ 2016 ዓ.ም

Recommended For You