መግለፂ ፍትሒ፣ ሓድነት፣ ማዕርነትን ሓርበኝነትን ባንዴራ ኢትዮጵያ

መበል 17 ዕለት ባንዴራ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ሃገርና ብድምቀት ተኸቢሩ ‘ዩ፡፡ ‹‹ባንዴራና ንብሄራዊ ሓድነትና፣ ሉእላዊነትናን ንልዕልነት ኢትዮጵያን›› ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ንመበል 17 ግዘ ኣብ መለእ ሃገርና ከምዝተኸበረ ይዝከር ‘ዩ::

ኣብ ትካላት መንግስቲ ፌዴሪኢ ፣ኣብ ክልላት፣ ምምሕዳር ከተማታት፣ ኣብ ካምፕታት ምክልኸል ሃገር ከምኡ ‘ውን ኣብ ኢምባሲታት ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት 4፡30 ንባንዴራ ብምስቃልን ኣብ ቕድሚ ባንዴራ ቓለ መሓላ ብምፍፃም ከምኡ ‘ውን ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ብድሙቕ ኩነታት ተኸቢሩ ‘ዩ፡፡ ኣብዚ እዋን ድማ ዝተፈላለዩ ኣካላት መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም ‘ዮም፡፡

“ባንዴራ መርኣያ ሕብረት፣ ምልክት መግለፂ ሃገራዊ ፍቕሪን ብሃገራዊ ስምዒትን ዜጋታት ‘ዩ” ክብሉ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም ‘ዮም። መዓልቲ ባንዴራ ኢትዮጵያ፤‹‹ባንዴራ ንብሄራዊ ሓድነትና፣ ሉእላዊነትናን ብራኸ ኢትዮጵያን›› ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብዝተፈላለዩ መድላዋት ተኸቢሩ ‘ዩ፡፡ ኣብቲ እዋን ዝተረኸቡ ፕሬዚዳንት ታዬ፤ ባንዴራ መርኣያ ሕብረት፣ ምልክት መግለፂ ሃገራዊ ፍቕሪን ብሃገራዊ ስምዒትን ዜጋታት ‘ዩ ኢሎም።

ባንዴራ ናይ መስዋእትነት፣ ናፅነት፣ ሉኡላዊነትን ግዝኣት ሓድነትን ኣርማ ‘ውን ከምዝኾነ ብምግላፅ፣ ምልክት ኣርማ ሓድነትና ከምዝኾነ ገሊፆም ‘ዮም። ጀጋኑ ኢትዮጵያውያን ደሞምን ዓፅሞምን ገቢሮም፣ መስዋኣትነት ህይወት ከፊሎም ብኽብሪ ሓሊዮም ብኽብሪ ዘረከቡና ኣብ ልብና ተሓቲሙ ዝፀንሐ ናይ ተዓዋትነት ናይ ናፅነት ኣርማና ‘ዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ንብዙሓት ኣሽሓት ዓመታት ናፅነታ ሓሊያ ተሓፊራን ተኸቢራን ዝፀንሐት ዓባይ ኣፍሪካዊት ሃገር ከምዝኾነት ገሊፆም ‘ዮም።

ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ መግለፂ ፍትሒ፣ ሓድነት፣ ማዕርነትን ሓርበኝነትን ‘ዩ ክብሉ ዝገለፁ ድማ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ‘ዮም። ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፣ ባንዴራ ወሳኒ ሃገራዊ ሉኣላዊነት መተኣኻኸቢ ምልክት ‘ዩ።

ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ ምልክት ፍትሒ፣ ሓድነት፣ ማዕርነት፣ ንሉኣላዊነት ሃገር ዝኽፈል ሓርበኝነትን መግለፂ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትን ከምዝኾነ እዮም ዝገልፁ። ባንዴራ ግቡእ ክብሪ ምሃብ ማለት ‘ውን ሓድነትን ሉኣላዊነትን ሃገር ንምሕላው ክቡር ዋጋ ንዝኸፈሉን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት ኣካላት ፀጥታን ከምኡ ‘ውን ቀዳሞት ጀጋኑ ሓርበኛታት ምኽባር ከምዝኾነ ‘ውን ተዛሪቦም ‘ዮም። ምዕባለ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ዝተግሁ ብርቱዓት ቀላፅም ምኽባር ‘ውን ካሊእ ምልክት ሃገር ዝኾነ ባንዴራ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ ‘ዩ ፡፡

ኣማኻሪ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊትን ሓላፊ ኣመራርሓ ሌተናል ጀኔራል ኣለምሸት ደግፌ ባንዴራና ምልክት ጅግንነትና ‘ዩ ኢሎም። መበል 17 መዓልቲ ባንዴራ ንብሄራዊ ሓድነትና፣ንልኣላዊነትን ልዕልና ኢትዮጵያን̍ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ሓፈሻዊ መምርሒ ሰራዊት ምክልኻል ከምዝተኸበረ ይዝከር። እቲ በዓል ኣብ ቀፅሪ ሓፈሻዊ መምርሒ ሰራዊት ምክልኻል ዝተኸበረ እንትኸውን ላዕለዎት ኣመራርሓን ኣባላትን ሰራዊት ተረኺቦም ‘ዮም።

ሌተናል ጀኔራል ኣለምሸት ደግፌ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሰንደቕ ዓላማና ምልክት ጅግንነትና ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም፡፡ ባንዴራና ኣብ ዝተውለበለበሉ ቦታ ኩሉ ሰላም ኣሎ፣ ነፃነት ኣሎ ክብሉ ‘ውን ገሊፆም ‘ዮም። እቲ በዓል ንሃገርን ሕገ መንግስትናን ዋርድያ ንምዃን ዳግማይ ቃልና እንሕድሰሉ ‘ዩ ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ‘ዮም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣረጋ ከበደ ብወገኖም ከምዝገለፅዎ፤ ባንዴራ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካውያን ‘ውን ምልክት ነፃነት ኮይኑ እናገልገለ ይርከብ ብምባል፤ ባንዴራና መግለፂ ሓድነትናን ልኣላዊነትናን፣ ነፃነትን ሕብረትን ህዝብታት ‘ዩ ክብሉ ‘ውን ተዛሪቦም ‘ዮም።

ኣርማ መግለፂ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ስለዝኾነ ቀፃሊ ወለዶ ከኽብሮን ክሕልዎን ከምዝግባእ ሓቢሮም ‘ዮም። ህዝቢ እቲ ክልል ንሰንደቕ ዓላማና ክብሪ ምሃብ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን ልምዓት ንምቅልጣፍን እጃሙ ክዋፃእ ከምዝግባእ ‘ዮም ዘረድኡ።

ፕሬዝደንት ማሕበር ሃረበኛታት ጥንታዊት ኢትዮጵያ ጀጋኑ ልጅ ዳንኤል ጆቴ ብወገኖም፤ ኩርዓት ህዝብን ሃገርን ዝኾነ ባንዴራ ምንነት ንወለዶ ብምርዳእ ታሪኽ ምቕፃል ይግባእ ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም፡፡ ባንዴራ ኽብሪ ዘለዎ፤ ምንነት ሃገርን ህዝብን ዝገልፅ ‘ዩ፡፡

ጀጋኑ ሓርበኛታት ኣብ ሃገር ዝፍጠሩ መጥቃዕቲ ብምክልካል ኽብራ ብምሕላው ብኹናት ዝዋደቑላ እቲ ሓደን ቀንድን ምልክቶም ሰንደቕ ዓላማ ከምዝኾነ ገሊፆም ‘ዮም፡፡ ንመናእሰይ ዋጋ ስለዝተኸፈለሉ ሰንደቅ ዓላማ ምንነት ፤ እቲ ባዓል ከመይ ክኽበር ከምዘለዎ ፣ከምኡ ‘ውን ስለ ሃገርና ባህሊ ፣ ታሪኽን እምነትን ካብ ቤት ትምህርቲ ጀሚሩ ምፍላጥ እንድሕር ተኻኢሉ ክብሪ ባንዴራ ብዝበለፀ ዝገለፅ ‘ዩ፡

መዓልቲ ባንዴራ ምኽባር ልዕልነትን፤ ንሃገር ኽብሪ ምሃብ ‘ዩ፡፡ ቅድም ኣብ ዝበሉ እዋናት ናይ ማይጨውን ካልኦት ኹናት እንትካየዱ ባንዴራ ተታሒዙ ‘ዩ፡፡ ዓወት እንትርከብ ድማ ባንዴራ ልዕል ኣቢልካ ይምብልበል ‘ዩ፡፡ ዝኽበረሉ ዋና ምኽንያት ኣቦታትን ኣዴታትን ሰንደቅ ዓላማ ሃገርናን ህዝብናን ይውክል ‘ዩ ብዝብል ዋጋ ሰለዝተኸፈለሉ፣ደሞም ስለዘፍሰስሉ፣ኣዕፅምቶም ስለዝከስከስሉ፣ ማስዋእትነት ህይወት ‘ውን ስለዝኸፈልሉ ‘ዩ ይብሉ፡፡

ባንዴራና ደም ዝፈሰሰሉን መስዋእቲ ህይወት ዝተኸፈለሉ ብምዃኑ ንወለዶ ብኣግባቡ ንክፈልጦ ምግባር ይግባእ፡፡ ወለዲ ደቆም እንተዕብዩ ክብሪ ባንዴራ፣ባህልን ታሪኽን ሃገር፣ ናይ ቀፃሊ ኣንፈት እናረድኡ ክኾን ከምዘለዎ ተዛሪቦም ‘ዮም፡፡ ሚድያታት ሰላም ዘሰብኩ፣ ባህልን ታሪኽን ሃገር ዘንፀባሩቑን

እቲ ሓቂ ብግኣባቡ ንሕብረተሰብ ዘብፅሑ ብምዃኑ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ይግባእ፡፡ ቅድም ኣብ ዝበሉ ግዝያተ ክብሪ ባንዴራ ናይ ህዝቢ ብምዃኑ እንትስቀልን እንትወርድን ካብ ህዝቢ ሓሊፉ ንጉሰ ነገስታት ኣብ መንገዲ እንተሃልዮም ጠጠው ‘ዮም ዝብሉ ነይሮም፡፡ ኸዚ ‘ውን እዚ ክቐፅል ኣለዎ ክብሉ ይመኽሩ፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ መበል 17 መዓልቲ ባንዴራ ምኽንያት ብምግባር መግለፂ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፉ ‘ዩ። እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፤ መዓልቲ ባንዴራ ኣብዚ ዕለት ኣብ ቅድሚ ባንዴራ ደው ኢልና እንትነኽብር ዘለዎ ትርጉምን ክብሪን ብኣግባቡ ብምርዳእ ‘ዩ ይብል።

ባንዴራና ናይ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ሓበራዊ ዕላማ ‘ዩ ብምባል፣ ባንዴራና ምልክት፣ ሓወልቲ ጥንካረ፣ ዓርማ ዓወትና፣ መግለፂ ሉእላዊነትናን ዋሕስ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትናን ምዃኑ ብኣግባቡ ብምግንዛብ ግቡእ ክብሪን ፍቕሪን ምሃብ ይግባእ ክብል ይገልፅ። ሰንደቕ ዓላማ ንኢትዮጵያዊያን ዘለዎ ትርጉም ረቂቕን ዋግኡ ‘ውን ዝለዓለን ‘ዩ ዝበለ እቲ ኣገልግሎት ኢትዮጵያዊያን ኣብ ኩሎም ኩርናዓት ዓለም ሒዘምዎ ዝጓዓዙ ዝለዓለ ስንቅን ዕጥቅን ኣብ ልቦም ዝተስኣለ ክብሪን ፍቕርን ባንዴራ ‘ዩ ክብል ገሊፁ ‘ዩ።

ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሰንደቕ ዓላምኡ ከይትድፈርን ልኡላዊነት ሃገሩ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕን ኣብ ዓውደ ኲናት ደሙን ዓፅሙን ከይሰሰዐ ዝህቡ ንክብሪ ባንዴራ ከምዝኾነ የገንዝብ። ብደምን ዓፅምን ተሓሊዩ ዝፀንሐ ክብሪን ሉእላውነትን ባንዴራና በዝበለፀ ምፅናዕ ዝከኣል ኣብ ዝተዋፈርናሉ ዓውደ ስራሕ ስራሕና ብቅንዕና እንትንፍፅም፣ ሉእላውነት ምግብና ንምርግጋፅ እንትንፅዕር፣ ሰርቅን ግዕዙይ ኣሰራርሓን ብስምዒት ሓርበኝነት ሃገር እንትንቃለስ፣ ሰላምና እንትነፅንዕ ብሓባር ተናቢብና ምንባር እንትንክእል ከምዝኾነ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ ‘ዩ።

መበል 17 መዓልቲ ባንዴራ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝርከባ ኤምባሲታትን ኣቢያተ ፅሕፈት ቆንስላን ኢትዮጵያ ‘ውን ተኸቢሩ ‘ዩ። እቲ ዕለት ኣብ ኤምባሲታት ኢትዮጵያ ኣብ ጣልያን፣ ጅቡቲ፣ ኬንያ፣ ህንዲን ካልኦት ሃገራትን ብዝተፈላለዩ ኩነታት ተኸቢሩ ‘ዩ፡፡

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 7 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You