ንኣዝመራ ቀውዒ 11 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ከምተሓረሰ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ

  • ኣብ ሓምለዋይ ሓድጊ 4ነጥቢ 9 ቢልዮን ተኽልታት ከምዝፀደቑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡- ክሳብ ሕዚ ክልል ትግራይ ሓዊሱ ኣብ መላእ እታ ሃገር ካብ ዝተሓረሰ 11 ሚልዮን ሄክታር መሬት ውሽጢ 1ነጥቢ4 ሚልዮን ሄክታር ብትራክተር ከምተሓረሰ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ፡፡ ኣብ ሓምላዋይ ሓድጊ(ዓሻራ) መርሃ ግብር ካብ ዝተተኸሉ ተኽልታት 4ነጥቢ 9 ቢልዮን ዝኾኑ ከምዝፀደቑ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ሚኒስቴር ሕርሻ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ልምዓት አዝርእቲ ኣይተ ኢሳያስ ለማ ብፍላይ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዘፍለጥዎ፣ ኣብ 2013/14 እዋን ቀውዒ 12ነጥቢ 78 ሚልዮን ሄክታር መሬት ንምሕራስን 374 ሚልዮን ኩንታል ምህርቲ ንምፍራይ ተተሊሙ እዩ፡፡

ክልላት ንሓረስታይ ወቕቱ ዝሓለወ እታዎታት ብምቕራብ፣ ብናይ መንግስትን ውልቐ ባንክታትን ትራክትር መግዝኢ ልቓሕ ብምምችቻው ትራክተራት ኣብ እዋኑ ናብ ሓረስታይ ክበፅሕ ብምግባር፣ ሓረስታይ ትራክተርን ካልኦት ተመሳሰልቲ ቴክኖሎጂን ምእንቲ ክጥቐም ንቕሓት ዘዕቢ ስራሕቲ ከምተሰርሑ ጠቚሞም፡፡

ኣብ ለሚዘበን ምህርቲ ዝተተለመ 374 ሚልዮን ኩንታል ጠቕላላ ምህርቲ ምርካብ ዝከኣል ሓረስታይ ዝሓሸ መዳበርያ፣ ምሩፅ ዘርኢ፣ ዘመናዊ ማሕረስ እንትጥቐም፣ ኣብ ዝራእቱ ክንክን እንትገብር፣ ኣብ ፃህያይን ባልዓትን ቑፅፅር ብምግባር ከምኡ ‘ውን ዝባፅሑ ኣዝርእቲ ኣብ ግዚኡ ክእክብ እንተሎ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡፡

ብኻሊእ ወገን ሃፍትን ሓለዋን ተፈጥሮን እቲ ሚኒስቴር ዝኾኑ ዳይሬክተር ኣይተ ተፈራ ታደሰ ከምዝገለፅዎ፣ ተኽሊ ምፅዳቕ ኣብ ዝምልከት ካብ ክልል ክሳብ ጣቢያ ብዝተዋደደ መዋቕር ክትትል ተገይሩ እዩ፡፡

ካብ 2012 ክሳብ 2013ዓ.ም ካብ ዝተተኸሉ 5ነጥቢ 9 ቢልዮን ተኽልታት 4ነጥቢ 9 ቢልዮን ዝኸውን ከምዝፀደቑ ምርግጋፆም ኣፍሊጦም፡፡ እዚ ብሚኢታዊ 83ነጥቢ 9 ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ካብ ሓምለ 2012-2013ዓ.ም ተግባራዊ ዝተገብረ መርሃ ግብሪ ሓምላዋይ ሓድጊ ካብ ዝተተኸሉ ተኽሊታት፣ ኣዋርሕ ክራማት ዝሓለፉ 88ነጥቢ 5ሚኢታዊ እዮም፤ ኣብ ሓጋይ ኣዋርሕ ዝዘለቑ ድማ 79ነጥቢ 2ከምዝኾኑ ጠቚሞም፡፡

እቶም ዝተተኽሉ ተኽሊ ንኽፀድቑ ኣብ ክልተ ምዕራፍ ዝተኸፈለ ምዃኑ ዝጠቖሙ እቶም ዳይሬክተር፣ ምስተተኸሉ ምፅሃይ፣ ሓለዋ ምግባር፣ ከምኡ ‘ውን ናይ ምኹስኳስ ተግባር ከምዝስራሕ ኣመልኪቶም፡፡ ሕብረተሰብ ብዝግባእ እናተሳተፈ ከምዝኾነን ተሳትፉኡ ኣጣናኺሩ ክቕፅለሉ ከምዝግባእ ኣታሓሳሲቦም፡፡

እቲ ሚኒስቴር ኣብ 2013-2014ዓ.ም ኣፈፃፅማ ፕሮግራም ሓምለዋይ ሓድጊ ንምስኻዕ ከም ሃገር ንምትካል 6ቢልዮን፣ ንጎረቤት ሃገራት ንምክፍፋል 1ቢልዮን ተኽሊታት ተዳልዩ ናብ ናይ ምትካል ፕሮግራም ከምተኣተወ ኣፍሊጦም፡፡

ናይ ለብዘበን ፕሮግራም ምትካል ተኽሊ ብሰለስተ መልክዕ ተግባራዊ እናተገብረ ከምዝርከብ ብምጥቋም፣ ብፍላይ ኣብ መዓልቲ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ዝተኻየደ ተኽሊ ምትካል ፕሮግራም 87ሚልዮን ተኽሊ ከምተተኸለ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ እዋን ተኻላን ድሕሪኡን ዝግበሩ ምክትታል ምፅዳቕ ተኽሊ ዝሕግዙ ብፌዴራልን ክልላትን ኣቕሚ መዕበዪ ስልጠናታት ከምዝወሃቡ ኣመልኪቶም፡፡ ህብረተሰብ ዝገብሮ ዘሎ ተሳትፎ ዝምስገን ኮይኑ ተጠናኺሩ ክቕፅል ፃውዒቶም ኣቕሪቦም፡፡

ኣብ እዋን ተኸላ ንምስታፍ ፍቓደኛ ዝኾኑ ሃገራት ዝደለይዎ በዝሒ ዓይነት ተኽልን ምችው ወቕቲ ብምፍላይ ዘለዎም ድሌት ነቲ ሚኒስቴር ከምዘፍለጡ ጠቚሞም፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 15 ሓምለ 2013

Recommended For You