ውድድራት ቦክሲ ንምዕባይ እናተሰርሐ ‘ዩ

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ናይ ቦክሲ ክለባት ዝርከቡ ብምዃኖም ብሄራዊ ጉጅለ ብኣህጉርን ዓለም ለኸ ብርኪ ዝውክሉ ቦክሰኛታት ብምፍራይ ቀዳሚ ኾይኑ ዝጥቀስ ‘ዩ። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሃገር ምውካል ዝኻኣሉን እናወከሉ ዝርከቡ ቦክሰኛታት እንተፍረየ ‘ውን ዓብይ ውድድር ዝተኣናግድሉ ውድድራት ካብ ዝቋረፁ ፀኒሖም ‘ዮም።

ይኹን እንበር ቅድሚ ኸዚ ተፈቶይነትን ተቐባልትን ዝረኸበ እዚ ስፖርት ንምንቃቃሕ ዝገብሩ ምንቅስቃሳት ተጀሚሮም ‘ዮም። ኢትዮጵያ ናይ ኣፍሪካ ቦክሲ ኮንፌዴሬሽን ብሓላፍነት ንክትመርሕ ምምራፃ፤ ከምኡ ድማ ድሕሪ ግዜ ብስፖርት ብዓለም ለኸ ውድድራት እናተምዝገቡ ዘለዉ ውፅኢታት ስፖርት ናብ ዝነበሮ ንክምለስ ሓገዝ ገይሩ ‘ዩ።

እቲ ስፖርት ዝምርሖ ናይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፌዴሬሽን ቦክሲ ብብሄራዊ ጉጅለን ብኻልኦት ውድድራትን ምኽንያት በዚ ዓመት ናይ ባዕሉ ውድድራት ቦክስ ምድላው እንተዘይኻኣለ ‘ውን ምስ ካልኦት ኣካላት ብምትሕብባር ናይ ምሸት ቦክሲ ውድድር እናካየደ ‘ዩ። ቅድሚ ዉሕዳት ኣዋርሕ ኣብ ሆቴል ስካይ ላይት ዝተኻየደ ውድድር ካብ ብሄራዊ ጉጅለን ካብ ክለባት ኣዲስ ኣበባን ዝተውፃፅኡ ቦክሰኛታት ንክጋጠሙ ብምግባር ንሰዓርቲ ሽልማት ገንዘብ ዝተበርከተሎም ከምዝኾነ ዝዝከር ‘ዩ።

ናይዚ ውድድር ካልኣይ ምዕራፍ ዝኾነን ዓብይ ሽልማት ናይ ከተማ ናይ ምሸት ተዓወቲ (Night of the Champions) ብዝብል ናይ ቦክሲ ውድድር ንምግባር ኣብ ምድላው ይርከብ። እቲ ውድድር ሎሚ ምሸት 12፡ 00 ሰዓት ጀሚሩ ኣብ ኣዳራሽ ሚልኒየም እንትካየድ ሓደ ሚልየን ቕርሺ ከምዘሸለም ተፈሊጡ ‘ዩ። እቲ ውድድር ዝዳልዎ ሜላ ኢቨንትስ ምስ ዝተብሃለ ኣዳላዊ ብምትሕብባር ‘ዩ።

በዚ ድማ እቶም ቦክሰኛታት ሙሉቀን መልኬን ዳንኤል ታደለን ሓደ ሚልየን ቕርሺ ናይ ውልቀም ንምግባር ክወዳደሩ ‘ዮም። ኽልቲኦም ልምዲ ቦክሲ ንብዙሕ ዓመታት ዘለዎም ብምዃኑ ጠንካራ ውድድር ከምዝኸውን ትፅቢት ይግበረሉ። እቶም ተወዳደርቲ እቲ ውድድር ንምሽናፍ ሰፊሕን ጠንካራ ምድላውን እናገበሩ ከምዝኾነን ንሰዓርነት ከምዝወዳደሩ ድማ ተዛሪቦም ‘ዮም።

ብዙሓት ዕዱማት ቤተሰብ ስፖርት ክርከቡ ‘ዮም ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበር ኣብዚ መድረኽ ናይ ሽድሽተ ኣዋርሕ ምድላው ከምዝተገበረ ድማ ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጫ ተገሊፁ ‘ዩ። እቲ ውድድር ሓሙሽተ ዙር ዘለዎ ሰሚ ፕሮፌሽናል ናይ ቦክሲ ውድድር ‘ዩ። ብተወሳኺ እቲ ውድድር ብኣርባዕተ ቀለልትን ማእኸላይ ኪሎ ‘ውን ክካየድ ‘ዩ። ምርካብ ዝደልዩ ኣፍቀርቲ ስፖርት ድማ መእተዊ ትኬት ተዳሊዩ ‘ዩ። እዚ ስፖርት ካብ ምንቅቃሕን ቦክሰኛታት ዘለዎም ዓቕሚ ንከውፅኡ ካብ ምግባር ኣንፃር ዓብይ ግደ ከምዝፃወት ርግፅ ‘ዩ።

ካብ ሃገር ሓሊፉ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ኣብ ዝካየድ ውድደራት ካብ ምስታፍ ብዝዘለለ እቲ ሽልማት ካልኦት ፕሮፌሽናል ቦክሰኛታት ክስሕብ ዝኽእል ‘ዩ። እቲ ፌዴሬሽን ኣብ ቀፃሊ ካልኦት ዘሳትፍን ቦክሰኛታት ‘ውን ብገንዘብ ዝድግፍ ዘኽእል ውድድራት ንምክያድ ተሊሙ እናተሰርሐ ይርከብ።

ናይቲ ፌዴሬሽን ፕሬዝዳንት ኢንጅነር ኣስቻለዉ ሃይለማርያም ኣብ ቀፃሊ ዓመት ዝወፁ መርሃግብሪ መሰረት ብምግባር ዓበይቲ ውድድራት ንምድላው ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም። በቢወርሑ ሓደ ሓደ ውድድራት ብምክያድ ኣብ ዓመት ዓሰርተ ውድድራት ንምክያድ ከምዝተተለመ ገሊፆም። ብምዃኑ ናይ ስፖርት ቦክሲ ዘሰልጥኑ ናይ ሰገናት ፕሮጀክትን ክለባትን ንክዳለዉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ብተወሳኺ ድማ ኸዚ እናተኻየዱ ከምዘለዉ ዓይነታት ቦክሲ ውድድራት ኣብ ዓመት ኽልተ ግዜ ንምድላው ከምዝሰርሕ ገሊፆም። እቲ ውድድር ንምድላው ሽድሽተ ኣዋርሕ ዝወደአ እንትኾን፤ እቲ ዋና ውድድር ሓዊሱ ሓሙሽተ ፀወታታት ክካየዱ ‘ዮም። እቲ ስፖርት ዘዕብን እቶም ቦክሰኛታት ተጠቀምቲ ክገብር ዝኽእል ብዝሕ ዝበለ ሽልማታት ዘርክቡ ውድድራት ኣብ ዓመት ኽልተ ግዜ ንምክያድ ከምዝተዳለዉ ተዛሪቦም።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 20 ሰነ 2016 ዓ.ም

 

Recommended For You