ኣዲስ ኣበባ፡- ኻልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሴ ተገዲቡ ማይ ልዕሊ እቲ ግድብ እናፈሰሰ ከምዝርከብን ኽልተ ተርባይናት ንምንቅስቃስ ዘኽእል መጠን ማይ ከምዝሓዘ ሚኒስትር ማይ፣መስኖን ኢነርጅን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ገሊፆም። ሰበ ስልጣን መንግስቲ የእንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ኣብዚ ኽራማት እናዘነበ ዘሎ ዝናብ ልዑል ብምዃኑ ነዚ’ውን ካብ ፈጣሪ እናተውሃበና ዘሎ ፀጋ ዓብይ ከምዝኾነን ምስጋና ከምዝግባእ ዝገለፁ ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ፤ ኣብዚ ብርኪ ንምብፃሕ ሎሚ ዓመት ዓብይ ስራሕ ሰሪሕና ኢና ፤ ኣብ ቀፃሊ ድማ ኽልተ ተርባይናት ሓይሊ ንኸፈልፍሉ ጠንካራ ስራሕቲ እናተሰርሐ እዩ ፤ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ብምዝዛም ልፍዓትና ኣብ ውፅኢት ክነብፅሕ ኢና ኢሎም።
ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምምላእ ግድብ ህዳሴ ኣመልኪተን ኣብ ዘሕለፍኦ መልእኽቲ ‹‹ኢትዮጵያውያን ጠንካራ ውሽጣውን ወፃእን ፅዕንቶ ዕንቅፋት ከይኾኖም እቲ ግድብ ኣብዚ ብርኪ ክበፅሕ ምግባሮም ክምስገኑ ይግባእ›› ኢለን።
ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኻልኣይ ዙር ምምላእ ምዝዛም ዕላዊ ምግባሩ መላእ ኢትጵያውያን እንኳዕ ደስ በለኩም ‹‹ቀትርን ለይትን ኣብቲ ስራሕ ግድብ ዝተሳተፉ ኹሉ ብሽመይን ብሽም መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንኳዕ ደስ በለኩም በርትዑ›› ክብላ መልእኽተን ኣመሓላሊፈን እየን።
ቐዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን ምኽትል ቐዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ኣይተ ደመቀ መኮንን ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቶም ኣመሓሊፎም እዮም።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 15 ሓምለ 2013