“ምትኻል ግቡእ ኩሉ ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ዝንቀሳቀስ ሰብ ‘ዩ” – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ናይዚ ሰሙን እዋናዊ ዛዕባና ትኹረት ዝገበርናዮ ክረምቲ እናኣተወ ምስ ምዃኑ ምስ ክረምቲ ተታሒዙ ድማ ስራሕቲ ሕርሻ ዝኽወነሉ እዋን ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ፈልስታት ዝትከሉሉ እዋን ‘ውን ‘ዩ ብፍላይ ኣብ ቀረባ ዓመታት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሸራ ብዝብል በቢዓመቱ ብጎስጓስ ዝትከለሉ ምስ ምዃኑ ከምቲ በቢዓመቱ ዝግበር ተኸላ ኣብዚ ዓመት ዘሎ ምድላው ‘ውን እንታይ ከምዝመስል ንምርኣይ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ተመስገን ጥሩነህ፣ ምኽትል ፕረዚዳንት ብልፅግና ፓርቲ ኣደም ፋራሕ፣ ናይ ኩሎም ክልላት ርእሳነ ምምሕዳራት፣ ምኒስትራት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣምበሳደራት፣ መኾንናት መከላኸሊ ሃገርን ተርከብቲ ሕድሪ መናእሰይን ካልኦት ልዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኣብ ዝተረኽብሉ ምጅማር መርሃ ግብሪ ሓምላዋይ ዓሻራ ቀዳማይ ሚኒስተ ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ከምኡ ‘ውን ሚኒስቴር ግብርና ግርማ አመንቴን (ዶ/ር) ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝስዕብ ኣቅሪበናዮ ኣለና፡-

መደረ ቀዳማይ ሚኒስተ ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡-

ኣብዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምላዋይ ዓሻራ ዝሓዝናዮ ቴማ “ዝትተክል ሃገር ዘፅንዕ ትውልዲ” ዝብል ‘ዩ። ከም ሃገር ንተክል ከም ትውልዲ ድማ ነፅንዕ ኢና። ነዚ ቴማ ዝተመረፀሉ ዋና ኣላማ፤ ሓላፊነቱ ብግቡእ ዘይዋፃእ ትውልዲ ይኹን ሃገር ንደቁ ዕዳ ‘ዩ ዘመሓላልፍ። ኣባና ዕዳ ወዲቁ ‘ዩ። እዚ ዕዳ ድማ ናብ ደቅና ክነሰጋግሮ የብልናን። ዓለም እንትፍጠር ምትኻል ኣግራብ ተግባር ደቂ ሰባት ኣይነብረን። ፍጣሪ ኣግራብ ሂቡና ‘ዩ። ናሃትና ተግባር ዝነበረ ምሕብሓብ ኣግራብ ‘ዩ።

ይኹን እምበር ሓላፍነትና ብግቡእ ክንዋፃእ ብዘይምኽኣልናን ብምኽንያት ጥፍኣትናን ግና ምሕብሓብ ኣግራብ ጥራሕ ዝነበረ ስራሕና ናብ ምትኻል ኣግራብ ‘ውን ኣሰጋጊርናዮ ኢና።ኣብዚ እዋን ኣግራብ ዘይንተክል ዘይንህብሕብን እንተኾይንና ድሕሪ ውሕድ ዓመታት ሓመድ እናተጕሕጎሐን ብውሕጅ እናተወሰደ ምስኸደ ድሕሪ እዋን ንትከል እንተበልና ‘ውን መትኸሊ ዝኸውን ሓመድ ኣይርከብን ‘ዩ።

ዝተቆረፀ ገረብ ኣብ ስለስተ፣ኣብ ሓሙሽተ ወይ ኣብ ዓሰርተ ዓመት ክትካእ ይኽእል ይኸውን ‘ዩ። ብውሕጅ ዝተወሰደ ሓመድ ግና ብሓደ ሽሕ ዓመት ኣይትካእን። ሓመድ መሊሱ ፍልፍል ልምዓት ንምግባር ብጣዕሚ ብዙሕ ሽሕ ዓመታት የድልዮ ‘ዩ። ኣግራብ ምንክብካብ ብዘይምኽኣልና ንክንተክል ከምዝተገደድና ኹሉ፤ ሎሚ ምትካል እንተኣብዩና ድማ ፅባሕ ከም መጠን ሰብ ንምንባር ናብ እንፅገመሉ ብርኪ ስለ ዝንሰጋገር ሓላፍነት እንዋፃዕ ማሕበረሰባት ህዝብታት ንክንኸውን ዝትተክል ሃገር ዝተተኸለ ድማ ዝተፅንዕ ትውልዲ ንክኸውን ተሓሲቡ ዝወፅአ ቴማ ‘ዩ። ሰብ ናይ ልማዱ ባርያ ‘ዩ።

ልምዲ ብቀሊሉ እንገድፎ ነገር ኣይኮነን። ሰባት ደጋጊሞም ትማሊ ዝነብረና ስሕተት ዝደጋግምዎ በቲ ልምዲ ዝተልዓለ ‘ዩ። ልምዲ ውፅኢቱ እንተገመትናዮ ‘ውን ደጊምካ ካብ ምጥፋእ ተዓቂብካ ዓርስካ ንምግዛእ ፈታኒ ‘ዩ። ናይ ልምዱ ባርያ ዝኾነ ውልቀ ሰብ፤ ብሕብረት እንገብሮ ልማድ ድማ ባህሊ ይኸውን።

ውልቀ ሰባት ብተደጋጋሚ ኣግራብ ብምቁራፆም ኣግራብ ምቁራፅ ባህሊ ኾይኑ፤ ካብ 40 ሚእታዊ ሽፋን ደኒ ናብ 3 ሚእታዊ ንክወርድ ኾይኑ ‘ዩ። እዚ ሓደገኛ ልምዲ እዚ ዝኣሰረና ሕማም ምስትኽኻል እንተዘይኽኢልና ደቅና ንመትከሊ ዝኸውን መሬት ‘ውን ክስእኑ ‘ዮም።

እንተነኣሰ ሐዚ ኣንሕና መትኸሊ ዝኸውን መሬት፣ ዝተበላሸው ሓመድ ንምሕካም ዝኸውን ዕድል ረኺብና ኢና። ንደቅና ግና ተወሳኺ ዕዳ ከይኸውን ካብዚ ልማዲ ንምግልጋል፤ ምትካል ባህሊ ዝገብር ትውልዲ ካብ ሎሚ ትውልዲ ትፅቢት ዝግበር ይኸውን። ካብ እስራት ባዕዳዊ ልምዲ ንምግልጋል ዘድሊ (ፓራዳይም ሽፍት) ሙሉእን ኹሉ ዓይነት ለውጢን ዘድሊ ኣመለኻኽታ ለውጢ ምትግባር ‘ዩ።

ለውጢ ነባሪ ኣየር ብመድረኻት ስብሰባ ኣይቅየርን። ብለበስቲ ሱፍ ኣይቅየርን። ለውጢ ነባሪ ኣየር እጅግኦም ሰብሲቦም ብዝተኽሉ ጀጋኑ ጥራሕ ‘ዩ ዝቅየር። እዚ ተግባር ብምፍፃም ንዓለም ምምሃር ካባና ዝፅበይ ተግባር ‘ዩ። ኣፍሪካ ተጊሃ ምትካል እንተዘይክኢላ ቀፃሊ ተስፋ ምዃና ተሪፉ ናይ ዓለም ሸኽሚ ኾይና ክትቅፅል ‘ያ። እዚ ከይኸውን ድማ ኢትዮጵያውያን ናይ መርኣያ ግደና ክንዋፃእ ይግብአና። ኣግራብ ምትኻል ምግቢ ‘ዩ ፅባቀ ‘ውን ‘ዩ።

እንተኽሎ ምግብና ዩ፣ ንዓይንና ደስ ዝብል ቦታ ንምርኣይ ‘ውን ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረ ሓምላዋይ ዓሻራ ብዙሕ ውፅኢታት ረኺብና ኢና። ሓምላዋይ ዓሻራ ካብ እንጅምር ጀሚርና 6 ሚልየን ፍልሲ ቡና ተተኺሉ ‘ዩ። ሎሚ ካብ ዝረኸብናዮ ንላዕሊ ቀፃሊ ዓመት ዝበለፀ ምህርቲ ክንረክብ ኢና።

ቡና ምስተተኽለ ፍረ ንክህብ እንተነኣሰ ሰለስተ ዓመት ስለዝወስድ። ብኣትኽልትን ፍራምረን ንውሽጢ ዓድን ንወፃኢ ዓዲ ኤክስፖርት ምግባር ውፅኢት እናረኽብና መፂእና ኢና። እዚ ልምምድ ምስፋሕ ብጣዕሚ ኣድላይ ምዃኑ ከም ናይ ቅድሚ ሐዚ ሓሳብ ዘይኮነስ ባዕሉ ተግባር ዝዛረቦ ስለዝኾነ ኣብዚ ዓመት ዘቅመጥናዮ ሽቶ መሰረት መላእ ኢትዮጵያውያን ብልዑል ዲስፕሊንን ርብርብን ናይ ምትካል ስራሕና ክንሰርሕ ኢና።

ናይዚ ዓመት ሽቶና ክልተ ‘ዩ። ተነኣሰ እንተነኣሰ 40 ቢልዮን ፈልሲ ምብፃሕ ‘ዩ። 40 ቢልዮን ንምብፃሕ 7.5 ቢልዮን ፈልሲ ክንተክል ኣለና ማለት ‘ዩ። ካብኡ ንላዕሊ ንምስኻዕ ‘ውን ዘኽእል ዕድል ኣሎ ‘ዩ። ፈልሲ ምትካል ካብ ዝኾነ ናይ ፖለቲካ ሓሳብ ዝፀረየ ‘ዩ። ኣብ መረፃ እዋን ቁፅሪ ምድማፅና ዝተፈላለይ ‘ዩ። ኣብ እዋን ምትካል ግና ካብ ሚእቲን ዒስራን ሚልዮን ህዝቢ ተግባር ትፅቢት ዝግበሮ ‘ዩ። ንምንታይ እንተልኩም ሎሚ እንተኽሎ ፈልሲ ንፅባሕ ‘ዩ።

ዝኾነ ይኹን ዓዱ ዝፈትው ደቁ ዝፈትው ሎሚ ፈልሲ ክተክል ኣለዎ። ሎሚ ኣብዚ ማእለንዋዩ ከፍስስ ኣለዎ። ኣመራርሓን ኣባላትን ፖለቲካ ፓርትታት ድማ ካባና ብላዕሊ ክረባረቡ ትፅቢት ዝግበረሎም ‘ዩ። ምኽንያቱ ነሃቶም ተስፋ ፅባሕ ኣሸኒፍና ሃገር ክንመርሕ ኢና ስለዝኾነ፤ ሃገር ንምምራሕ ከምነሃትና 23 ሚእታዊ ሽፋን ደኒ ዘለዋ ዘይኮነስ 40 ፣50 ሽፋን ዘለዋ ሃገር ንምርካብ ሎሚ ኢንቨስት ምግባር ትፅቢት ዝግበሮም ‘ዩ።

ኣቦታት መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓድ፣ መናእሰይን ዕሸላትን ክንተክል ኣለና። እዚ ባህሊ ብጣዕሚ ኣድላይ ‘ዩ። እዚ ምግባር እንትንኽእል ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ሕልሚ ምፍታሕ ዝትኽእልን ንኻልኦት ‘ውን ዝትተርፍ ክትኾን ‘ያ። ኩላትና ክንግንዘቦ ዘለና ኣብ ሕልሚ እንገብሮ ጉያ ምንም እኳ ካብ በዝሒ ስቃዩ ናይ ሙቀት ስምዒት እንተተሰመዐና ካብ ዓራትና ዝኾነ ርሕቀት ፈንተት ኣይንብልን።

ድሕሪ ብዙሕ ድኻም ‘ውን እንተኾነ ዓርስና እንረኽቦ ኣብኣ ኣብ ዓራትን ኢና። ስለዚ ብሕልሚ እንጉዓዝ ዘይኮናስ ብተግባር እንተክል ክንኸውን ኣለና። እዚ ክንገብር ከለና ኢትዮጵያና ክትቅየር ‘ያ። ሰባት ናብ ዱር እንትኸዱ እሱ ድሕረት ‘ዩ። ዱር ናብ ሰባት ምምፃእ ግና ዘመናዊነት ‘ዩ።

ኢትዮጵያውያን ናብ ዱር እንኸይድ ዘይኮናስ ዱር ናብ ሰባት እነምፅእ ዘመናዊ ህዝብታት ክንኸውን ይፅበየና። ኣንሕና ናብ ዱር እንትንኸይድ ኣብቲ ክነብሩ ዝግብኦም ተፈጥሮ ሃፍቲ ዱር ነሃቶም ዝኾኑ ኣራዊት ዱራት ተዳናጊፆም ይሃድሙ ይጠፍኡ ‘ዮም። እቲ ዱር ናባና እንተምፂእናዮ ግና ንሶም ‘ውን ብሰላም ክነብሩ ይኽእሉ ‘ዮም። ኣንሕና ‘ውን ብሰላም ክንነብር ንኽእል ኢና። ስልጣነን ዘመናዊንትን ንምርግጋፅ ዱር ናብ ሰባት ከነምፅእ ይፅበየና።

ዝኾነ ይኹን ሃገር ኣብ ግብርና፣ ቴክኖሎጂ፣ ኣብ ኢነርጂን እንቨስት እንተገይሩ ብዘይዝኾነ ጥርጥር ፃብሕ ክርባሕ ‘ዩ። ፅባሕ ንምርባሕ ቁፅሩ እናበዝሐ ዝመፅእ ዘሎ ሕዝቢ ምቅላብ፣ ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትሪ ዝሽከም ኢነርጂ ምምንጫው፣ ፅባሕ ተረባሒ ንሙዃን ሓቢርካ ንሙጉዓዝ ቴክኖሎጂ ምፍጣርን ምልምማድን ኣድላይ ‘ዩ።

ኣብዚኦም ኢንቨስት ዝግበረት ሃገር ብዘይጥርጥር መንገዲ ምዕባለ ተተሓሒዛቶ ‘ያ ማለት ‘ዩ። ኢትዮጵያ ክትብልፅግ ‘ያ ክንብልከለና ኣብ ግብርና፣ ኢነርጂ፣ ቴክኖሎጂ እንገብሮ ኢንቨስትመንት፤ ከባቢና መሊስና ንምሕዋይ ንደቅና ሓምላዋይ ከባቢ ንምሕላፍ ዝግበር ፃዕሪ ኣመላኻቲ ስለዝኾነ ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ከም ወርሒ ‘ያ። ወርሒ ሙሉእ ዓመት ብርሃን ኣይትህብን። ሙሉእ ዓመት ወርሒ ኣይንሪኣን ኢና። ሓደ ሓደ ግዘ ደበና ሓደ ሓደ እዋን ድማ ከውሊ ይሽፍና ‘ዩ። ይኹን እምበር ኸውሊ ይሽፍና እምበር ኣየጥፍኣን ‘ዩ። ደመና ይሽፍና እምበር ኣየጥፍኣን። መሬት ክሳብ ዝትእከብ ኢትዮጵያ ከም ወርሒ ክትነብር ‘ያ።

ኢትዮጵያ ከም ወርሒ ምንባራ ንዘይተር ንደቅና ጥምየት፣ ልመና፣ ድኽነትን ዝተጎሳቆለ ማንነት ካብ ነረክብ ዕዳታትና ኸፊልና ዝሐሸት ሃገር ንደቅና ንምርካብ ክንተግህ ይግብአና። ምስ ሓምላዋይ ዓሸራ ጎና ጎኒ ኣብ ልምዓት ከተማ እንገብሮ ፃዕሪ፤ ሓሙኽሽታይ ዝኾነ ከባቢ ናብ ሓምላዋይ እንቀይር ዝበልናሉ ዋና ምኽንያት፤ በቢዓመቱ ከተማነት እናዓብየ እዩ ዘሎስልጣነ፣ ዕብየትን ምዕባለን ብቀጥታ ምስ ከተማ እዩ ዝትሓሓዝ።

ሰባት ናብ ከተማ ብምፍላስ ምንባር እንትጅምር፤ ጎዳናታትን ኣግራባትን ከተማ እንተዘይተስፋሕፊሖም ከም ነሃትና ልምዲ ዛፍ ምቁራፅ ጥራሕ ዘይኮነስ ላስቲክ እናለጠፉ ጭቃ እናቀብኡ ምንባር ልማድ እንትኸውን፤ ናይ ኤለክትሪክ መስመሩ፣ማይ ዓይኒ ምድርታቱ ስርዓት የብሉን በዚ ምኽንያት ደሊና ኾነ ከይደለና እንነብር ዘለና እናመሰለና ናይ ሕማም ተሸክምቲ ኢና ንኸውን።

ሕማም ድማ መድሓኒት ንዘይፍርዩ ከማና ዝበሉ ሃገራት ስብራት ‘ዩ። ነዚ እዩ ኣዲስ ኣበባ ሓምላዋይ ምግባር ኣለና፣ ዛፍ ክንተክል ኣለና፣ መንገዲ ክነስፍሕ ኣለና ዝበልና። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ቀለማት ትርጉም ኣለዎም ‘ዩ። ምግቢ ንክንበልዕ ሽዋሃትና ዝኸፍቱ ቀለማት ኣለው። ንክንሓስብ ዝሕግዙ ቀለማት ኣለው።

እቲ ከተማ ከምዝደለዮ ሕውስውስ ዝበለ ዝኸውን እንተኾይኑ፤ ብዙሕ ሕውስውስ ዝበለ ስምዒት ክፈጥር ስለዝገብር ብዝፍለጥ ምልክት ቀለማታትና፣ መስታወታትናን ከባቢናን እንተተሰሪሖም ዝተረጋግአ ሃገር ንምጣር ይሕግዝ ‘ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ዝጀመርናዮ ናይ ሓምላዋይ ዓሻራ ስራሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ይርኣይ ኣሎ ‘ዩ።

ገማግም ረባታትና ‘ውን ሓምላዋይ እናገበርና ኢና ኣግራብ ኢናተኸልና ኢና። ብዛላታት ስራሕቲ ዝፍለጡ ካብ ኮንሶን ሃረርን ዝመፅኡ ሓረስቶት ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ሰፊሕ ስራሕቲ ይሰርሑ ኣለው ‘ዮም። ድሕሪ ውሕድ ግዜ ኣዲስ ኣበባ ከም ብዙሓት ከተማታት ሓምላወይቲ በቢከባቢኡ ምናፈሻታት ዝርኣየላ ክትኸውን ‘ያ።

እዚ ግና ብምሕላም ዘይኮነስ ምትግባር ስለዘድሊ ብሓባር ደው ንክንብል፣ ንክንተክል፣ ንክነወቅብ፣ ብምድኻምን ብምልፋዕን ዝርከብ ፍረ ሓቢርና ክንጥዕም ሓደራ ክብል ይደሊ። ኣብ መወዳእታ ዝጀምርናዮም ስራሕቲ ልምዓት ካብ ልምድና ወፃኢ ስለዝኾነ ገዛውቲ፣ ሓፁራት ነፍርስ ኢና። ሓደ ሓደ ከባቢ ኢምባሲታት ንነክእ ኢና።

እዚ እንገብሮ ንውልቀ ረብሓ ኣይኮነን። እዚ እንገብሮ ንናይ ሓባር ረብሓ ‘ዩ። ብዝስራሕ ስራሕ ብዝሰፍሕ መንገዲ ብዝለምዕ ልምዓት ኩላትና ብሓባር ተጠቀምቲ ስለእንኸውን፤ ንሃገር ከምዝኽፈል መዋእትነት ምቁፃር ካብ ኩላትና ትፅቢት ዝግበር ‘ዩ። ብጣዕሚ ዝተሓባበሩና ኤምባሲታት ኣለው ‘ዮም።

እዞም ኤምባሲታት ብውሽጦም ኣዲስ ኣበባ መንበሪና ኢትዮጵያ ሃገርና ምስ ህዝባ ብምትሕብባር ልምዓታ ክነፍቀላጥፍ ኣለና ኢሎም ንዝኣምኑ፤ ነዚኦም ካብ ልቢ ምስጋና ነቅርብ ኢና። ምትካል ግቡእ ኩሉ ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ዝንቀሳቀስ ሰብ ‘ዩ። ምኽንያቱ ዘይፀበቀት ኢትይጵያ ምንባር ንኹለና ኣድላይን ዝረብሕን ኣይኮነን። እዚ ደማ ንደቅና ክመሓላለፍ የብሉን።

ኢትዮጵያውያን ንበርትዕ፣ንትከል፣ ንስራሕ፣ ንተኣከብ፣ ዱር ናብ ሰብ ነምፅእ ናብ ዱር ኣይንኺድ፣ ንተሓባበር፣ ናይ ሰብ ክፍኣት ኣይንስማዕ፣ ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ንደቅና ንምርካብ ኣብ ኢድና ዘሎ ጉዳይ እዩ። ክነተግብሮ ‘ውን ኢና የቐንየለይ ብምባል ናይቲ ዕልት መልእኽቶም ኣሐሊፎም ዮም።

ዝርርብ ሚኒስቴር ግብርና ግርማ አመንቴ (ዶ/ር)፡-

መርሃ ግብሪ ሓምላዋይ ዓሻራ ፈልሲ ካብ ምትካል ብላዕሊ ‘ዩ ዝበሉ ድማ ካልእ ኣብዚ መድረኽ ዝተዛረቡ ሚኒስቴር ግብርና ግርማ አመንቴ (ዶ/ር) ‘ዮም።እቶም ሚኒስትር ወኾም ከምዝገልፅዎ፤ ሽፋን ኣግራብ ኣብ ዝወረደሉ እዋን ብዙሕ ሃፍቲ ብዝሓ ሂይወት ስኢና ኢና።

ቃላያትና ደሪቆም ‘ዮም፤ ህዝብታትና ንድርቂ፣ ንውሕጅ፣ ንፀገም ውሕስና ምግቢ ተጋሊፁ ነይሩ ። ነዚ ፀገም ንምቅራብ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ብዙሕ ስራሕቲ ተሰሪሖም እዮም። ይኹን እምበር ብኣንፃር ግዝፈት እቲ ፀገም ‘ቶም ዝተሰርሑ ኣፅጋቢ ውፅኢት ከምፅኡ ኣይከኣሉን ነይሮም ኢሎም። ነገር ግና ኣብ 2011 ዓ.ም ብሓሳብ ኣፍላቂነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምላዋይ ልምዓት እቶም ፀገማት ንክቅረፉን ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ናብ ትውልዲ ንምምሕላፍ እናተሰርሐ ይርከብ።

መርሃ ግብሪ ሓምላዋይ ዓሻራ ፈልሲ ካብ ምትካል ብላዕሊ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስቴር፤ ምርግጋፅ ውሕስና ምግብን ስርዓተ ምግብ፣ ኣቅርቦት ቀለብ እንስሳት ንምምሕያሽ፣ ኣቅርቦት ውፅኢት ግኣራብ ንምውሳኽ፣ ብዝሓ ሂወታትና በዘላቂነት ንምሕላው፣ ድሕንነት ኣካላት ማይን ግድባትን ንምሕላው፣ ከምኡ ውን ኣቅርቦት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምዕባይ ዓላማ ገይሩ ዝተረፀ እዩ ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም።

መርሃ ግብሪ ሓምላዋይ ዓሻራ ኣብ ዓለም ኣግራብ መልሲካ ንምልማዕ ዓብይ መርሃ ግብሪ እዩ ዝበሉ ዶ/ር ግርማ፤ እዚ ማለት ክሳብ 2018 ዓ.ም ኣብ ክልተ ምዕራፋት ፶ ቢሊዮን ፈልስታት ንምትካል ተተሊሙ ዝተጠነሰሰ ፕሮግራም ‘ዩ ምባል፤ ኣብዚ ፕሮግራም ኣብ ዝሓለፉ 5ዓመታት፦ 32.5 ቢሊዮን ፈልስታት ተተኺሎም፣ ልዕሊ20 ሚሊየን ኢትዮጵያውያን ድማ ኣብዚ ተኸላ ፈልሲ ተሳቲፎም፣ 132 ሽሕ ፈልሲ ጣብያታት ተመስሪተን ፅርየት ዘለዎም ፈልስታት እናፈለሱ ይርከቡ፣ ከምኡ ውን ናብ 1 ሚሊዮን ስራሕቲ ሓምላዋይ ተፈጢሮም ኢሎም።

ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምላዋይ ዓሸራ 2016 ዓ.ም 7.5 ቢሊዮን ፈልስታት ንምትካል ትልሚ ተታሒዙ ‘ዩ። ነዚ ንምትካል ምድልዋት ካብ ዝተግበሩ ፈልስታት 56 ሚእታዊ ዝኾኑ ኣብ ጥሙር ግብርና፣ ፈልስታት ፍራምረን ቀለብ እንስሳትን፤ ናብ 44 ሚእታዊ ዝኾኑ ድማ ፈልስታት ዱር ኣግራብ ፅባቀን ‘ዮም፤ ነዚ ድማ 1.7ሚሊዮን ሄክታር መሬት ተፈልዩ ‘ዩ። ኣብዚ ዓመት ዝኽወን ናይ ሓንቲ ፀሓይ ተኸላ ድማ ኣብ ጊነስ ቡክ ኦፍ ወርልድ ሬኮርድስ ንምምዝጋብ ዘቅረብናዮ ሕቶ ተቀባልነት ረኺቡ ኣብዚ ሰዓት ሰፊሕ ምድላዋት እናገበርና ንርከብ ክብሉ ተዛሪቦም ‘ዮም።

ኣብረሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 20 ሰነ 2016 ዓ.ም

Recommended For You