ኣዲስ ኣበባ፡- ምእዙዝ ምዃን ንገዛእ ርእስኻ ብስነ ስርዓት ናይ ምግዛእ ውፅኢት ‘ምበር ስምዒት ኣይኮነን ክብሉ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም።
እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ንመላእ ሰዓብቲ እምነት እስልምና እንኳዕ ንመበል 1 ሺሕን 442 ዓመተ ሕጅራ በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ ዓረፋ ብሰላም ኣብፀሐኩም አብፀሐና ክብሉ ሰናይ ትምኒቶም እንተምሓላልፉ፣ እቲ በዓል ናይ ምትሕግጋዝን መስዋእቲን በዓል ኢዩ ፣ ነቢዩ ኢብራሒም ንፈጣሪኦም ዘለዎም ምእዙዝነት ዘርኣይሉ ኢዩ ኢሎም።
ምእዙዝ ምዃን ንገዛእ ርእስኻ ብስነ ስርዓት ናይ ምግዛእ ውፅኢት እንበር ስምዒት ኣይኮነን ዝበሉ ዶክተር ኣብይ፣ ነዚ ድማ ንመን ክንግዛእ ከምዘለና ምፍላጥ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
በቢቤት ዕዮና ንትኽክለኛ መምርሒ፣ ኣሰራርሓን ኣንፈተን ተኣዚዝካ ዘይምስራሕ ፈተና ከምዝኾነ ብምግላፅ፣ ነቢዩ ኢብራሂም ዝተኣዘዝዎ ንምፍፃም ዘጋጠምክ ፈተና ኩሉ ሓሊፎም ኢዮም ኢሎም። ስለዝኾነ ኣብ ጉዳይ ሃገር ኩላትና በቢዝተዋፈርናሉ ዓውዲ ነዚ ክብሪ ክንሕዞ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።
ሐዚ ንሃገርና ዘለና ዓሚቕ ፍቕሪ ብተግባር እንገልፀሉ እዋን ከምዝኾነ እውን ገሊፆም። ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ከም ሃገር ብሓባር ጠንኪርና ደው ክንብል ይግበአና’ውን ኢሎም።
ኢትዮጵያውያን ዘለና ኩሉ ኣውፂእና ዝተምሃሩ ንዘይተምሃሩ፣ ዘለዎም ንዘይብሎም፣ ዝኽእሉ ንዘይኽእሉ፣ ዝተሓገዙ ንዘይተሓገዙ ኣካፊሎም ዘለናሉ ፈታኒ እዋን ምሕላፍ ከምዘለና ዓረፋ ኣምሂሩ ኢሎም።
መፃኢ እዋን ንሃገርና ደስታን በረከትን ንክኸውን ካብ በዓል ዓረፋ ዝረኸብናዮ ክብሪ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ከም እንትግብሮም እተኣማመን ኢየ ክብሉ ገሊፆም።
ኢዩ መፃኢ እዋን ንሃገርና ደስታን በረከትን ንክኸውን ካብ በዓል ዓረፋ ዝረኸብናዮ ክብሪ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ከም እንትግብሮም እተኣማመን እየ ክብሉ ገሊፆም።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 15 ሓምለ 2013