ምትካል ፈልሲ ናይ ኩሉ ሕብረተሰብ ቖላሕታ ይኹን

ኣብ ኢትዮጵያ ምትካል ተኽሊ ሓዱሽ ዋላ እንተዘይኮነ ኣዝዩ ትኹረት ዝተዋሃበሉ ግና ድሕሪ ለውጢ ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብትኹረት ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ ኣብ ኢትዮጵያ ኩለን ከም ዓብዪ መደብ ሒዘን በቢ ዓመቱ እናተኸላ ይርከባ። እዚ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮን ህይወታዊ ሃፍቲን እንትጠናኸርን ተኸታታሊ ብዝኾነ መገዲ እንትስራሕን ካብ ፅዕንቶ ለውጢ ንብረት ኣየር ናፃ ዝኾነን መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣን መሰረት ዝገበረ ከባቢያዊ ንብረት ኣየር ንኽህሉ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ንኽገብር ዕድል ዝህብ ‘ዩ።

ዝተጎድአ መሬትን ከባቢን ብምሕዋይ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ምንቅስቓሳት ዝህልዎ ፅዕንቶ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ መላእ ሃገር ብዝተተኸሉ ፈልሲታት ቅድም ክብል ዓሪቖም ዝነበሩን ምጉሕጓሕ ሓመድ ኣጋጢሙዎም ዝነበሩን ከባቢታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ዝነበሩዎ እናተመለሱ ይርከቡ።

ስራሕቲ ሓምለዋይ ዓሻራ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ውፅኢት እናርአየ ይርከብ። ተደጋጋሚ ድርቂ እናጋጠሞም ዝነበሩ ከባቢታት ዝናብ ምርካብ ጀሚሮም ‘ዮም። ሓደጋ ውሕጅ ክንኪ ክኢሉ ‘ዩ። ዝደረቑ ፍልፍላትን ቃላያትን እንደገና ናብ ዝነበሩዎ ክምለሱ ክኢሎም ‘ዮም። ንስራሕቲ ሕርሻ ሓጋይን ፅድያን ዝስማዕማዕ ዝናብ ምርካብ ተኻኢሉ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ሕዚ ‘ውን መሊኦም ዘይሓወዩ ስለ ዘለዉ ኣጣናኺርካ ምቕፃል ኣድላይ ‘ዩ።

መንግስቲ ኣብዚ ዓመት ኣብቲ መርሃ ግብሪ ንተኸላ ዝተሰናድኡ ፈልሲታት ብዙሕ ኣተዊ ዘምፅኡ ኣትክልቲን ፍረምረን፤ ጥሙር ደኒ፤ ንፅባቐ ከተማነት ዝውዕሉን ንደኒ ዝውዕሉን ኣዳልዩ ይርከብ። ንካልኣይ ምዕራፍ ካልኣይ ዓመት ሓምለዋይ ዓሻራ ናይ ኩሉ ተሳትፎን ድልዉነትን ትፅቢት ይግበር። ሓምለዋይ ዓሻራ ባህሊ ኢትዮያውያን ኮይኑ ንክቐፅልን ሓምለዋይ ዝለበሰት ኢትዮጵያ ጋህዲ ንክንገብርን ኩሉ ተጊሁ ክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ።

ኢትዮጵያ ስራሕቲ ሓምለዋይ ዓሻራ ፈልሲታት ካብ ምትካል ሓሊፉ ንዝነበሩ ኣግራባትን ብዝሃ ህይወትን ብልዑል ጥንቃቐ ምሕላው፣ ዝተጎድኡን ዝዓረቑን መልክኣ ምድሪታት ህይወት ክላበሱ ምግባር ኢሉ ‘ውን ስርዓት ተፈጥሮ ከባቢና ናይ ምድንፋዕ ስራሕ ዝምልከት ‘ዩ።

ከም ሃገር ኣብ ዝተትሓዘ ትልሚ ኣብ ክልል ትግራይ ‘ውን ምድላዋት እናተገብረ ይርከብ። ንዝሓለፉ ከባቢ ሰለስተ ዓመታት ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ኩናት እቲ ክልል ኣብዚ መደብ ብዝግባእ ከይነጠፈ ፀኒሑ ‘ዩ። ነዚ ንምክሕሓስ ኣብዚ ዓብዪ ቖላሕታ ምሃብ የድሊ። እኳድኣስ እቲ ቅድሚ ሐዚ ዝተተኸለ’ውን ብሰንኪ ኹናት ብርሰት ኣጋጢሚዎ ’ዩ። ሐዚ መሊስካ ምትካእን ምሕዋይን ግድን ይኸውን። መብዛሕተኦም መሰረተ ልምዓታት፣ ሕርሻን ፋብሪካታትን ዓንዮም ዝፀንሑ ከምዝኾነ ይፍልጥ።

ቕድሚ ኲናት ምጅማሩ ትግራይ ኣብ ፅቡቕ ናይ ልምዓትን ኢኮኖሚን ጎደና ነይራ ‘ያ። ዘተባብዕ ልምዓት ሕርሻ ዝነበራ ክልል ‘ያ። ድሕሪ ኩናት ግና ኣብ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ብዝበፅሐ ጉድኣት ስዒቡ ዳርጋ ኩሉ ህዝቢ ተፀባዪ ረዲኤት ኮይኑ ‘ዩ። መብዛሕትኡ ሓረስታይ ዳርጋ ጥራሕ ኢዱ ቐርዩ ‘ዩ። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ህይወቱ ምስ እፅዋት ገይሩ ይርከብ። እናቖረፀ ምሻጥን ካልኦት ንጥፈታትን ምስ ብርሰት ኣግራብ ዝተተሓሓዘ ስራሕ እናሰርሐ ብምምፅኡ ሕዚ ነዚ ንምክሕሓስ ልዑል ስራሕ ንምስራሕ ትፅቢት ይግበር።

እቲ ዝተወሰነ ሓረስታይ ኣብ ሕርሻ ክነጥፍ ዝኽእል ድማ ሕፅረት ሙሩፅ ዘርኢ፣ መዳባርያ፣ ፀረ ባልዕን ፃህያይን ክቐርበሉ ብዘይ ምኽኣሉ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ፍርያት ኣፍርዩ ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ይቕረ ንቐለቡ ዝኸውን ፍርያት ‘ውን ከፍሪ ኣይኸኣለን። ብምዃኑ ኩሉ ኣብ ገጠር ይኹን ኣብ ከተማ ዝነብር ህዝቢ ኣብ ከቢድ ኩነታት ጥሜት ክወድቕ ክኢሉ ‘ዩ። እዚ ኩሉ ብድርቒ ዝመፀ ኮይኑ ድርቂ ንምክልኻል ድማ ኣግራብ ምግራብ ኣድላይ ‘ዩ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ክንክን ኸባቢን ዳግመ ግረባ ተሞክሮ ዘለዎ ብዓለምለኸውን ቅድሚ ሐዚ ኣፍልጦ ዝረኸበ ህዝቢ ስለዝኾነ በቲ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ተጠቒሙ ኣብ ዳግመ ሕውየት ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣወንታዊ ታሪኹ ክደግሞ ይግባእ። ቕድሚ ነዊሕ ዘመናት ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት መብዛሕትኦም ከባቢታት ትግራይ ብሰብ ስራሕን ብተፈጥሮን ኣዝዮም ዝተጎድኡ ‘ዮም።

መብዛሕተኦም ጎቦታት ጥረሖም ወፂኦም ሓመዶም ብውሕጅ ተሓፂቡ’ዩ። እዚ ንምክልኻል በቢዓመቱ ፈልስታት ምትካል ግድን ይኸውን። ናይ ቅድሚ ሐዚ ልምድን ተሞክሮን መሰረት ብምግባር ጎቦታት ብተኽሊ ክሽፈኑ ዘኽእል ስራሕቲ ምስራሕ ይግባእ። ንዚ ድማ ኣብ ሓምለዋይ ዓሻራ ከምሃገር ዝተጀመረ ወፍሪ ምትካል ፈልሲ ኣብ ትግራይ’ውን ዕውት ንክኸውን ብምግባር ከም ክልል ብትልሚ ዝተደሓዘ ፈልሲ ብዝግባእ ክትከል ኣለዎ።

ጎቦታት ትግራይ ብፈልሲ ናብ ዝነበሮ ኣብ ሓፂር እዋን ንምምላስ እኳ ከቢድ እንተኾነ ብዝተወሰነ መልክዑ ንምሕዋይ ግና ሰፋሕቲ ቦታታት ብኣግራብ ክሽፈኑ ኣለዎም። ህዝቢ ትግራይ ልክዕ ከምቲ በቢዓመቱ ፍግረ መሬት ንምድሓን ወፍሪ ዕቐባ ማይን ሓመድን ዘካይድ ምትኻል ፈልሲ ‘ውን ብዝተወደበ መልክዑ ከካይዶ ኣለዎ። ዘይቕበል መሬት የለን።

እቲ ቐንዲ ተኺልካ ክሳብ ዝፀድቕ ምንክብኻብ ‘ዩ ዘድሊ። ብሃገር ደረጃ ዝተተሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ‘ውን ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎ ህዝቢ ካብ ምትካል ክሳብ ምፅዳቕ ርኡይ ተራ ክፃወት ኣለዎ። በዚ ምኽንያት ድማ ንብረት ኣየር ትግራይ ናይ ምቕያር ዓብይ ለውጢ ዘምፅእ ‘ዩ። ተኺልካ ምኻድ ጥራሕ እንተይኮነስ ፀዲቑ ክሳብ ዝዓቢ ግቡእ ምንክብኻብ ክገብር ግድን’ዩ።

ዝዓረቑ ቦታታት ብተኽሊ ብምሽፋን ብርሰት ኣግራብ ምክልኻል እንተዘይኪኢልና ተፈጥሮ ሃፍቲ ሓደ ግዜ እንተተወዲኦም ፅባሕ ተመሊስና ክንረኽቦም ኣይንኽእልን። ስለዚ ብመፅናዕቲ ብዝተደገፈ መገዲ ነቲ ከባቢ ዝስማዕምዑ ፈልስታት ምትካል የድሊ። ንኸባቢ ዝምችው ዓሌታት ተኽሊ ብምምራፅ ብዙሕ ተኽልታት ምፅዳቕ ይከኣል ‘ዩ።

ፈልሲ ምትካል ነቲ ሕዚ ዘሎ ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ከባብያውን ፀገማት ትግራይ ናይ ምቕያር ዓቕሚ ኣለዎ፤ ብፍላይ ኣብቲ ዝተጎድአ ኸባቢ ተሓሳቢ ብምግባር ንምግቢ ዝኾኑ ፈልሲታት ሓዊሱ ብኣግራብ ምሽፋን እንተተኻኢሉ ብዙሕ ረብሓታት ክህብ ይኽእል።

ስለዚ ምትካል ተኽሊ ምስ ሂወት ወዲ ሰብ ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ ኩሉ ሕብረተሰብ ዓብዪ ቖላሕታ ክህቦ ይግባእ። ተኽሊልካ ምኻድ እኹል ኣይኮነን። ካብ ምትካል ጀሚርካ ክሳብ ምፅዳቕ ምክትታል የድሊ። ነዚ ድማ ሓደ ተኽሊ ተተኺሉ ክሳብ ዝፀድቅ እኹል ምድላው ክግበር ይግባእ።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 20 ሰነ 2016 ዓ.ም

Recommended For You