ተፈጥሮ ብምዕቓብ ተጠቃሚ ንምዃን ንመደብ ሓምለዋይ ኣሰር ኩሉ ይዳሎ

ዝባደሙ ከባቢታት ናብ ንቡር ንምምላስ ሓምለዋይ ቦታ ንምፍጣር ኣብ እንትከለሉ እዋን ኣብዚ ሕዚ እዋን ንዓለም እናተፈታተነ ዘሎ ሓደ ለውጢ ኩነታት ኣየር ‘ዩ። ነዚ ንምምካት ድማ ምትካል ተኽሊ ወይ ኣግራብ ምግራብ የድሊ። እዚ ንምሕላው ነባሪ ኣየር ዓቢዪ ኣበርክቶ ኣለዎ።

ብለውጢ ነባሪ ኣየር ካብቶም እናተፈተኑ ዝርከቡ ሃገራት ኢትዮጵያ ሓንቲ ‘ያ። መንግስቲ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ንለውጢ ነባሪ ኣየር ምላሽ ንምሃብ ዝተፈላለዩ ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን እናነደፈን እናተግበረን ይርከብ። ፕሮግራም ሓምለዋይ ኣሰር ሓደ ካብቶም መንግስቲ ትኹረት ዝገበረሎም ፕሮጀክትታት ኮይኑ ኣብ ሃገርና ሕዚ ዝተጀመረ ዋላ ኣይኹን ድሕሪ ለውጢ ማለት ካብ 2011 ዓ.ም ንነዘ ከም ዓብዪ መደብ ተታሒዙ እናተሰርሐሉ ይርከብ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተተኽሉ ልዕሊ 30 ቢልዮን ፈልሲታት ኣቢሉ እቶም ዝተጎድኡ ከባቢታት እናሓየዉ ይርከቡ።

እዞም ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝተተኽሉ ፈልሲታት ብውሕስነት መግቢ፣ ሓለዋ ከባቢ ኣየር፣ ሽፋን ኣግራብ ኣብ ምርግጋፅ፣ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር፣ ኣወንታዊ ኣስታዋፅኦ እናገበሩ ይርከቡ። መንግስቲ ንፕሮግራም ሓምለዋይ ኣሰር 2016/17 7 ነጥቢ 6 ቢልዮን ፈልሲ ኣዳልዩ ይርከብ። ነዚ ንምዕዋት ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 150 ሚልዮን ፈልሲ ንምትካል ትልሚ ተታሒዙ ኣሎ። ህዝቢ ብትግሃት ወፂኡ ኣብዚ መደብ እዚ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ድማ ትፅቢት ይግበር።

ብፍላይ እቶም ንነዊሕ ግዜ ተጎዲኦም ዝፀንሑ ከባቢታት መሊስካ ንምሕዋይ ኣዝዩ ወሳኒ ስለ ዝኾነ ብትኹረት ከንሰርሐሉ ይግባእ። ንኣብነት ክልል ትግራይ እንተሪእና ብዙሕ ካባቢ ብኣግራብ ዝተሸፈነ ኣይኮነን። ብዙሕ ከባቢ ብዝተፈላላዩ ምኽንያታት ኣዝዩ ዝተጎድአ ‘ዩ። እዚኦም ትኹረት ተተገይርሎም ናብ ዝነበርዎ ንምምላስ ዝኣቢ ኣይኮነን፤ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዞባ ምብራቕ ከባቢ ኣብርሃ ወኣፅብሃ ብዝተገብረ ም ሕዋይ ተፈጥሮ ሃፍቲ ንዓለ ም ሞዴል ምዃኑ ዝፍለጥ ‘ዩ።

እቲ ከባቢ ብምሕዋዩ ብዙሓት ወገናት ኣብ መስኖን ካልኦት ንጥፈታትን ብምውፋር ንበዓልቶም ክኢሎም ንኻልኦት ‘ውን እናኾኑ ይርከቡ። ብፍላይ ልዑል ዋጋ ዘለዎም ፍረታት ብምትካል ንዕዳጋ ‘ውን ብምቕራብ ንሕበረተሰብ እናጠቐሙ ‘ዮም። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት እቲ ከባቢ ብምሕያዉ ‘ዩ።

ስለዚ ዝባደሙ ከባቢታት ንምምላስ ቖላሕታ ሂብካ ምስራሕ የድሊ፤ ተፈጥሮ ሃፍቲ ክዕቐብ እንተኾይኑ ማለት ዝናብ ንምርካብ፣ ዝስማዕማዕ ኣየር፣ ንዝራእቲ ዝስማዕማዕ ሓመድ፣ እንስሳት ክህልዉ እንተኾይኖም ምትካል ተኽሊ ምሕሳብን ምትካልን ግድን ይኸውን። ካሊእ ዝባደሙ ከባቢታት ናብ ንቡር ንምምላስ ወይ ሓምለዋይ ቦታ ንምፍጣር ኣብ እንትከለሉ እዋን እቲ ዝትከል ተኽሊ ምስቲ ከባቢ ዝስማዕማዕ ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ ‘ዩ።

ምትካል ፈልሲ ዓብዪ ቖላሕታ ከንህቦ ኣለና፤ ምኽንያቱ ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅ ወሳኒ ‘ዩ፤ እዚ ካብቶም ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ሓደ ‘ዩ፤ ነዚ ‘ውን ‘ዩ መንግስቲ ዓብዪ ትኹረት ብምሃብ ዝሰርሐሉ ዘሎ። ፈልሲ ምትካል ምድረበዳነት ንምምካት ጥራይ ዘይኮነስ ተኽልታት ንኹሉ ዓይነት ሃዋህው ህይወት ንምምዕባል ዝጠቕም ‘ውን ‘ዩ።

እናተሓፀቡ ዝኸዱ ዘለዉ ከም ሓመድን ካልኦት መኣድናትን ሓደ ግዜ እንተተወዲኦም ንምመላሶም ኣዝዩ ከቢድ ‘ዩ። ዘይክምለሱ ‘ውን ይኽእሉ ‘ዮም። ስለዚ ነዚ ብምፍላጥ መደብ ሓምለዋይ ኣሰር ብዙሕ ረብሓ ስለዘለዎን ተጠቐምቲ ንምዃንን ኩልና ከንረባረብ ትፅቢት ይግበር። ብፍላይ ንመፃኢ ወለዶ ዝሓስብ ሰብ ሎሚ ኣበርክቶ ክገብር ኣለዎ።

ብሓፂሩ ፈልሲ ምትካል ከባቢ ኣየር ካብ ምሕላው ሓሊፉ ምርግጋፅ ውሕስነት መግቢ፣ ምፍጣር ዕድል ስራሕ ኢሉ ‘ውን ጥዕና ንምሕላው፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ረብሓታት ንምዕባይ ወዘተ ዝኣመሰሉ ዘለዎ ግደ ልዑል ምዃኑ ብምግንዛብ ኩሉ ከባቢኡ ንምልዋጥ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተሳታፊ ክኸውን ትፅቢት ይግበር።

ወጋሕታ 20 ሰነ 2016 ዓ.ም

Recommended For You