‹‹ረድኤት ብዝግባእ መገዲ ናብ ህዝቢ ብዘይምብፅሑ ንዝኽሰት ሰብኣዊ ቕልውላው ሓላፍነት ዝወስድ ጉጅለ ጁንታ እዩ›› ኣይተ ምትኩ ካሳ

ኣዲስ ኣበባ፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ብወገን ዓፋር ናብ ክልል ትግራይ እኽሊ ረድኤት ፅዒነን እናተጉዓዛ ንዝነበራ ኸበድቲ ተሸከርከርቲ ከይንቀሳቐሳ ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ብምፍፃም ናይ ረድኤት መስመር ንኽዕፆ ብምግባሩ ንዝኽሰት ሰብኣዊ ቕልውላው ሙሉእ ንሙሉእ ሓላፍነቱ ከምዝወስድ ኮምሽነር ኮምሽን ኣመራርሓ ብሄራዊ ሰግኣትን ሓደጋን ኣይተ ምትኩ ካሳ ተዛሪቦም፡፡

ኣይተ ምትኩ ብፍላይ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዝተዛረብዎ፤ ራዕዳዊ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ርህራሀ ከምዘይብሉ ብተግባር ዘረጋገፀ እዩ፤እዚ እንብለሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ፤መንግስቲ ኢትዮጵዮጵያ ጠጠው ምባል ቶኽሲ ካብ ዝገብር ጀሚሩ ባዕሉ ይኹን ዓለምለኸ ትካላት ግብረ ሰናይ ረድኤት ንዘድልዮም ክሕግዙ ዓብዪ ፃዕሪ ገይሩ እዩ፤ይኹን‘ምበር ንህዝቢ ሓንቲ ዘይግደሽ ጉጅለ ጁንታ ከምዚ ዝበለ መጥቃዕቲ ብምፍፃም እቲ ረድኤት ንኸይበፅሕ ዓብዪ ፃዕሪ እናገበረ ስለዝርከብ ኣብ ልዕሊ ሰባት ንዝበፅሕ ሞትን ምፍንቓልን ከምኡ ‘ውን ኻሊእ ጉድኣት ሓላፍነት ክወስድ እዩ ኢሎም፡፡

ከም ገለፃ ኣይተ ምትኩ ድሕሪ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝኽሰት ሰብኣዊ ቕልውላው ቐሊል ኣይክኸውንን፤ሰባት ክፈላቐሉ፣ኣዴታትን ህፃናትን ብሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ክጉድኡ ይኽእሉ፤ በዚ ድማ እቲ ሰብኣዊ ቕልውላው ዓብዪ ክኸውን እዩ፡፡እዚ ብምዃኑ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝኾነ ምኽንያት ተወቃሲ ኣይክኸውንን፤ ሙሉእ ሓላፍነት ናይ ጉጅለ ጁንታ ከምዝኾነ ክፍለጥ ከምዘለዎ ጠቍሞም፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ህዝቢ ንምርዳእ ዘለዎ ድሌት ብምግንዛብን ግብረተ ኽፍኣት ናይቲ ጁንታ ብምርኣይ ዓለምለኸ ወሃብቲ ረድኤት፤ከውግዙን ሕቶታት ከቕርቡን ምተገበአ ነይሩ፤ይኹን‘ምበር ከምዚ ክገብገበሩ እናተገበኦም ኣይገበሩን፤እዚ ድማ ኣዝዩ የሕዝን ኢሎም፡፡

እዞም ዓለምለኸ ትካላት ዝበሃሉ ዓብዪ መድልዎ ዘለዎም ስለዝኾኑ ነገራት ፈሊጦም ከምዘይፈለጡ እናሓለፍዎ እዮም ዝበሉ ኣይተ ምትኩ፤ምኽንያቱ ብሕድሕድ ጉዳያት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያከምዝገብሩዎ ፅዕንቶ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ጁንታን ዝሰርሖም ስራሕትን ድፍኢት ክገብሩ ነይርዎም ኾይኑ ግና ነዚ እናገበሩ ከምዘይኮኑ ኣብሪሆም፡፡

ድሕሪ ሐዚ ‘ውን ዝኾኑ መዳርግቲ ኣካላት ይኹኑ ሕቡራት መንግስታት፤ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ቕሬታ ዘቕርቡሉ ሓንቲ ምኽንያት የለን ዝበሉ እቶም ኮምሽነር፤ ምኽንያቱ መንግስቲ ክገብሮ ዝግባእ ነገር ኹሉ ገይሩ እዩ፤ይኹን ‘ምበር ብግብረተ ኽፍኣት ጁንታ ብዙሓት ነገራት እናተበላሸዉ እዮም፡፡ ብምዃኑ ድማ እዞም ኣካላት እቲ ጉዳይ ይግድሸና እዩ ዝብሉ እንተኾይኖም፤ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዘይኮነ ፅዕንቶ ክፈጥሩ ዘለዎም ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ጁንታ ጥራሕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ራዕዲዊ ህወሓት ብኣንፈት ዓፋር ዞባ ፈንቲረሱ፣ ወረዳ ያሎ መጥቃዕቲ ብምፍፃም ናብ ትግራይ ሓገዝ ፅዒነን ዝጓዓዛ ዝነበራ ተሽከርከርቲ ንከይንቀሳቐሳ መስመር ሓገዝ ንክዕፆ ምግባሩ በዚውን ምግብን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ናውቲታትን ዝፀዓና 189 ከበድቲ ተሽከርከርቲ ንከይንቀሳቐሳ ገይሩ ኢዩ፡፡ መንግስቲ ካብ ዓለምለኻዊ ትካላት ተራድኦ ዝረኸቦ ሓገዝ ንከይተዓናቐፍ ኩነታት እንተመቻቸወ ‘ውን ራዕዲዊ ህወሓት መጥቃዕቲ ካብ ምፍፃም ዘይምቑጣቡ ተዛሪቦም።

 ትርሓስ ፍቃዱ

 ወጋሕታ 15 ሓምለ 2013

Recommended For You