ትግራይ ሓንቲ መበቖል ስልጣነ ዓለም

ትግራይ ሃፍታም ‘ያ:: መሊኡ ዘይጎደለ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ሕርሻ፣ ቱሪዝም፣ መዓድናት፣ ሃፍቲ እንስሳ ወዘተ ኣለዋ:: ብዝተፈላለዩ ስብ ሰራሕን ተፈጥሮን ዝዓዳላ እዚኦም ዉህብቶ ናብ ረብሓ ብምቕያር ክንጥቀመሉ ይግባእ:: ብዘመናዊ ዓለም ዘይተነኸአ ባህልታት ኩናማ፣ ኢሮብ፣ ኣገውን ብሄረሰብ ትግርኛን ሓቁፋ ዝሓዘት ናይ ባዕሎም ኣከዳድና፣ ኣከባብራ በዓላት፣ ልምድን ኣነባብራን ዘለዉዋን እዚ ስዒቡ ድማ ኣከዳድና፣ ማሕበራዊ ውራያትና ዝኣመሰሉ እዚ ብብዙሓት በፃሕቲ ዓድታት ኣዝዩ ዝህረፍ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ ‘ዩ::

ኣሸንዳ፣ መስቀል፣ ሂጂራ ነጋሽ፣ ኣክሱም ፅዮን፣ ጥምቀት ፣ እዚኦምን ካልኦትን ብብርኪ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበለ ኣታዊ ዘእትዉ ‘ዮም ባህላዊ ባዓላት ‘ዮም። ጥምቀት ንመጀመርታ ጊዜ ምስ ምትእትታው ክርስትና ተተሓሒዙ ኣብ ኣክሱም ትግራይ’ዩ ተፈፂሙ።

ኣብርሃ- ወኣፅበሃ ንፈለማ ጊዜ ክርስትና ዝተቐበሉ (ዝተጠመቑ) ኣብ ትግራይ ‘ዩ ። እዞም ክከሓዱ ዘይኽእሉ መርትዖታት ብምቕራብ ካብ ማንም ንላዕሊ ብመረዳእታ ኣደጊፍና ኣብ ትግራይ ዓብይ ትኹረት ተገይርሎም ክኽበሩ ብምግባር ኣንፈት በዝሒ ዑደተኛታት ብምቕያር ኣተዊ ክብ ምባል ንኽእል ኢና።

ትግራይ መእተዊት በሪ ሃይማኖታት ‘ውን ‘ያ:: ትግራይ ቅድሚ ማእኸላይ ምብራቕ ንክርስትና፣ ቅድሚ ኣዕራብ ድማ ንእስልምና ኣፍልጦ ዝሃበት፤ እዞም እምነታት ናብ ኢትዮጵያን ጎረባብታን ንኽኣትዉ ጥጡሕ ባይታ ዝኸፈተትን ዝፈቐደትን ‘ያ። ብሰላም ተፋቒሮም ክነብሩ ዝገበሩ ስልጡናት ነገስታት ዝወነነት ዓባይ ‘ያ። ሓወልትታት ኣክሱም፣ ሕንዛት፣ ኣላጀ፣ መቐለ፣ ሽረ፣ ወዘተ መፍለይታታ ቅርስታት ‘ዮም::

ስነ-ፅሑፍን ስነ-ጥበብን መበቆል ግእዝ ፣ ጥንታዊ ስነ-ፅሑፍ፣ ሙዚቃ፣ ስራሕቲ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዓለም ዕድመ-ፀገብ ዝበሃል ወንጌል ኣብ እንዳባ-ገሪማ ይርከብ፣ ኣሰራርሓ ብራና፣ ጥልፊ፣ ስፈ ወዘተ ድማ ካብቶም መፈለይ ባህሊ ትግራይ ዝባሃሉ እቶም ዉሑዳት ‘ዮም :: እንድሕር ሕድሕድ እዚኦም ብኣግባቡ ንዓለም ኣላሊና ዑደተኛታት ክመፁ እንተገይርና ናይ ብሓቂ ንሶም ‘ውን ይረኽዑ ንሕና ትግራይ ዓመታዊ ኣታዊና ልዕል ምባል ዓብይ ዕድል ‘ዩ ።

ጎላጉል ራያ፣ ወልቃይት፣ ሑሞራን ኣድያቦን ንትግራይ ሙሉእ ቀሊቡ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ክቐርብ ዝኽእል ምህርቲ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ዘለዎም ሰፋሕቲ ተፈጥሮኣዊ ናይ ሕርሻ ቦታታት ኣለዎም ። መስኖ ወሲኽካ ድማ ኣብ ዓዲ ሓ ፣ ራማ፣ ራያ፣ ዛሬማን መዘጋን ካልኦት ከባብታትን ዝተርኣየ ኣብነታዊ ለውጢ ምስፍሕፋሕ ይከኣል ‘ዩ።

ብቴክኖሎጂ እንተተሓጊዙ ድማ ጣፍ ሓፀቦን ካልኦት ከባቢታት ኣክሱም፣ እንዳባጉና፣ ሃገረ-ሰላም፣ ኦፍላ ወዘተ ‘ውን ንትግራይ እኹል ቀላብ ናይ ምቕራብ ዓቕሚ ዘለዎም ኸባቢታት ‘ዮም ። ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ራያ ናይ ከተማ ድማ ከም ቀላሚኖ ፈለግ ዳዕሮ ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል።

ጣዕሚ ዓሳ ተከዘን ሓሸንገን ኣብ ዕዳጋ ተመራፂ ‘ዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኸባቢኣን ብዓበይቲ ሆቴላት ተመራፂ ‘ዩ። ከም ካልኦት ዓሳ ባሕርታት ጨው ዘይብሉ ምዃኑን ካልኦት ረቛሕታትን ተመራፂ ይገብርዎ። ካልኦት ኣናኡሽቲ ግድባት ‘ውን ብቴክኖሎጂ እናተሓገዘ ክነፍርየሉ ንኽእል ኢና።

እዙይ ብቀጥታ ብምሻጥ ከምኡ ‘ውን ኣናኡሽቲ ትካላት መዐሸጊ ገይርካ ትግራይ ናብ ደገ ክትሰደሉ ትኽእል ዕድል ምፍጣር ይካኣል ‘ዩ። ካልእ ኣብ ትግራይ ዝፍለጥ መዓር ‘ዩ :: ዓርሱ ዝኻኣለ ፅቡቕ ኣታዊ ክረክብ ዘኽእል ‘ዩ:: እዚ ድማ ናብ ወፃኢ ብምልኣኽ ፍልፍል ኣታዊ ኢኮኖሚ ምግባር ይካኣል ::

እዚ ኹሉ ሃፍቲ ብምድሓዝ ካብ ካልኦት ሃገራት ወሲድና እነማዕብሎም ተሞክሮታት ከምዘለዉ ኮይኖም፤ ብኲናት ዝዓነዉ መሊስካ ናብ ንቡር ምምላስ ‘ውን ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ኢድና ዘለዉ ነገራት ተሓሳቢ ብምግባር ትግራይ ብዘለዋ ሰብ ሰራሕን ተፈጥራውን ሃፍቲ ብምክብኻብን ናብ ረብሓ ብምቕያርን ኣታዊኣ ክብ ብምባል ክንሰርሕ ይግባእ::

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 13 ሰነ 2016 ዓ.ም

Recommended For You