
ኣብ ሃገርና ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጠናኸሩ ይመፅኡ ካብ ዘለው መስሕባት ቱሪዝም ሃይማኖታዊ በዓላት ዋና ተጠቀስቲ ‘ዮም። ኣብ ሃገርና ብፍላይ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ መዕነዋይ ኵናት ተጎዲኡ ዝፀንሐ ዓውዲ ቱሪዝም ንስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ኣንፃራዊ ሰላም ምንቅቃሕ ዓውዲ ቱሪዝም ዳግም ክርኣይ ካብ ዝጀመሩ ሓደ ‘ዩ።
ነዚ ምንቅቃሕ ቱሪዝም ዓብይ ገደ ካብ ዝተፃወቱ ድማ ቱሪዝም ውሸጢ ዓዲ ተጠቃሲ ኮይኑ ካብዚ ድማ ዝተፈላላዩ ሃይማኖታዊ ክብረ በዓላት ዓብይ ግደ እናተፃወቱ ይርከቡ። ኣብዚ እስላማዊ ሓድግታት ናይ ባዕሎም ግደ ዝፃወቱ ኮይኖም ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ታሪኻዊ መሰጊድ ነጃሽ ወይ ኣልነጃሺ ዝተኸበረ በዓል ዓሹራ ሓደ ኣብነት ‘ዩ።
እዚ ኣብ ፈላማይ ኣፍሪካዊ መስጊድ፣ ሰረት ምክእኣልን ምክብባርን፣ ምጅማር ፈላማይ ሂጂራ፣ ፈላማይ ታሪኽ ዓለምለካዊ ዕቑባን ከለላን፣ መዕረፊ ክቡር ዓፅሚ ኣስሓብን ካልኣይ ቅዱስ ስፍራ መካን ኣብ ታሪኽ ጥንታዊ ስልጣነ ኢትዮጵያ ልዕል ግደ ቦታ ዘለዎ ኣብ መሰጊድ ነጃሽ በቢዓመቱ ዝኽበር በዓል ዓሹራ ተጠቃሲ ‘ዩ። ከምቲ ዝተለመደ ሎሚ ‘ውን ንመበል 1447 ዓመት ኣቆፃፅራ ህጅራ ዝኽበር ዘሎ ክብረ በዓል ዓሹራ ኣብቲ ናይ ሃይማኖት፣ ታሪኽን ባህልን ማእኸል ዝኾነ መስጂድ ኣልነጃሺ ብሃይማኖታውን ካልኦት ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ተሰኒዩ ካብ ውሽጥን ካብ ደገን ዝተፈላላዩ ኣጋይሽ ብዝተረኸበሉ ብዝለዓለ ድምቀት ተኸቢሩ ‘ዩ።
ኣካል እዚ ምድላው ኣብ ዙርያ ሃይማኖታዊ፣ ታሪኻውን ቱሪዝማውን ፀጋታት ኣል ነጃሺ ማእኸል ዝገበረ ብምትሕብባር ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ሓፈሻዊ ቤትምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይን ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ውቅሮ ዝተሳለጠ ኮይኑ፤ ኣብቲ ፓነል ድሕሪ ዉዕል ፕሪቶርያ ኣብ መስጊድ ኣልነጃሺ ኣብዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝምልከት ብምክትል ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣይተ ሃይላይ በየነ ፅሑፍ ቀሪቡ ‘ዩ።
ኣብዚ ዝቀረበ ፅሑፍ ከምዝተሓበረ ‘ውን መስጊድ ኣልነጃሺ ምልክት ሰላም፣ ሓድነትን ተወሃሂድካ ምንባርን ዝኾነ ዓለም ለኻዊ ሓድጊ ከምዝኾነን፤ እዚ መስጊድ ኣብ እዋን ኵናት ብኸቢድ ብረት ብምዉቅዑ ጉድኣት ከምዝበፅሖን ብምሕባር ካብ መስከረም ክሳብ ጉንበት 2017 ዓ.ም. ንዝሓለፉ ሸዉዓተ ኣዋርሕ ፅገና እናተገበረሉ ፀኒሑ ሕዚ ንምረቓ ተዳልዩ ከምዘሎ ብምግላፅ፤ ኣብ ስራሕቲ ፅገና እቲ መስጊድ ሕብረተሰብ ዘሳተፈ ስራሕ ከም ዝተሰርሐን ንፅሬቱ ዝቖፃፀር ኬዝ ቲም ተጣይሹ እናተሰርሐ ከምዝመፀ ‘ዉን ሓቢሮም ‘ዮም።
ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብወገኖም እቲ ጅማሮ ፅቡቕ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ መስጊድ ኣልነጃሺ ብብርኪ ዓለም ንምልላይን ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራሕ ዘይኮነስ ኩልግዜ ዝጉብነ መስሕብ ቱሪዝም ንምግባር ክስራሕ ይግባእ ብምባል መስጊድ ኣልነጃሺ ዝርከበሉ ከተማ ነጋሽን ከተማ ዉቕሮን ኣጋይሽ ንምቕባል ዝሕግዙ መሰረተ ልምዓታት ክማለእለን ከምዝግባእ ተገሊፁ።
ምስዚ ተተሓሒዙ ብኣሚር ሳሊሕ (ኣሚር ዛኪ) ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልም ‹‹ኣርዱል ስድቕ›› (ምድረ ሓቂ) ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኣብ መበቆላዊ ታሪኽን ክብርታትን ኣል ነጃሺን ምብራኽ ልምዓት ቱሪዝምን ዝጠመተ ተመሪቃ ‘ያ። እታ ሰነዳዊት ፊልሚ ናይ 34 ደቒቓ ንውሓት ዘለዋ እንትኾን ፤ ቅድሚ 1400 ዓመታት ብሰዓብቲ ነብዩ መሓመድ ናብ ትግራይ ካብ ዝተኻየደ ፈላማይ ጉዕዞ ሂጅራ ጀሚሩ ክሳብ ናይ ሕዚ ህልዊ ኩነታት እቲ መስጊድ ትድህስስ ‘ያ።
እታ ሰነዳዊት ፊልሚ ፤ ብቋንቋታት ትግርኛ፣ ኣምሓርኛ፣ ኢንግሊዝኛን ዓረብኛን ዝተዳለወት ምዃና ዝገለፀ እቲ ደራሲ፤ ታሪኽን ሓድግታትን ነጃሺ ብምዕቃብን በቲ ኲናት ዝበፅሖ ጉድኣት ብምፅጋንን ልምዓት ቱሪዝም ትግራይ ንምልላይ፣ ከምኡ ‘ውን ንተወሳኺ መፅናዕትን ምርምርን ከም ዝሕግዝ ብምግላፅ፤ ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ሓድግታት ትግራይ ንምስናድ ዝጀመሮ ስራሕ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅሎ ‘ውን ተፀብፂቡ።
ኣብቲ ምረቓ ዝተረኸቡ ፕሬዝደንት ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሸኽ ኣደም ዓብዱልቃድር፣ እቲ ሰነዳዊ ፊልም መበቆላዊ ታሪኽን ክብርታትን ኣል ነጃሺ ብምዕቃብን ሓድግታትና ብምልማዕን ንረብሓ ቱሪዝም ክውዕል ኣብ ምግባር ወሳኒ እጃም ከበርክት ‘ዩ ክብሉ ‘ውን ተዛሪቦም። ካብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ካብ ዓለም ድማ ኻልኣይ መስጊድ ምዃኑ ዝዝረበሉ መስጊድ ኣልነጃሺ መሰረት ዝገበረ ብመምህር ዩኒቨርስቲ ሙሓመድ ኣወል (ዶ/ር) መመያየጢ ፅሑፍ ቀሪቡ ዝተዘተየሉ ኮይኑ፤ እቲ መስጊድ ብዝግባእ ለሚዑ ናብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ክውዕል ትኹረት ተገይሩ ክስራሕ ተሳተፍቲ እቲ ስነ ስርዓት ተላብዮም። ብተወሳኺ መስጊድ ኣልነጃሺ ኣብ ዩኒስኮ ክምዝገብ ዘኽእል ስራሕ ክስራሕ ፃውዒት ቀሪቡ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 3 ሓምለ 2017 ዓ.ም