ኣብ ኦሊምፒክ ፓሪስ ሜዳልያ ወርቂ ትፅቢት ዝገበረላ ኣትሌት

ናይ ዓለም ኣትሌቲክስ ከዋኽብት ናይ ውድድር ድምቀት ካብ ዝኾኑ ናይዚ ዘመን ወሰንቲ ኣትሌታት እታ ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ፀጋይ ‘ያ። ኣብ ዕደመ ንእስነታ ብዙሕ ስኬት ዝተጎናፀፈት መንእሰይ ኮኾብ ኣትሌት ካብ ነባራት ኣትሌታት ካብ ምኽታል ሓሊፋ ንተተካእቲ መንገዲ እናኸፈተት ትርከብ። እናዛሐለ ዘሎ ስኬት ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ብምንቅቃሕ ዝነበረ ተስፋ እናመስከረት ፀኒሓ ‘ያ። ኸዚ ድማ ኢትዮጵያውያን ብተደጋጋሚ ኣብ ዝኸበርሉ ዓብይ ውድደር መድረኽ ካልእ ክብሪ ንምጉንፃፍ እናፃዓረት ትርከብ።

ካብ ክልል ትግራይ ዝተረኸበት ኣትሌት ጉዳፍ ኣትሌቲክስ ዝጀመረት ተምሃሪት እናሃለወት ‘ዩ። እዛ ጠንካራ ኣትሌት ሃገራ ዝወከለት ገና ኣብ እዋን ቁልዕነታ እንትኾን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2014 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዓለም ናይ ገዛ ውሽጢ ቻምፒዮና ብ16 ዓመታ ብ1ሽሕን500 ሜትሮ ርሕቐት ብምስታፍ መበል ታሽዓይ ብርኪ ሒዛ እያ ነይራ ዝዛዘመት። ኣብቲ ዓመት ኣሜሪካ ዩጂን ኣብ ዝተገበረ ትሕቲ 20 ዓመት ቻምፒዮና ንካልኣይ እዋን ኢትዮጵያ ወኪላ ዓብይ ፍኹክር ብምግባር ተሸላሚት ሜዳልያ ክትኾን ክኢላ ‘ያ።

ድሕሪኽልተ ዓመት ኣብ ቻምፒዮና እንትትሳተፍ ብቃልኪዳን ገዛሀኝ ተዳሒዙ ዝፀንሐ ፈጣን ሰዓት ብ10ሰከንድ ብምምሕያሽ በዚ ርሕቐት ባዓልቲ ዋና ክብረወሰን ዓለም ክትኸውን ክኢላ ‘ያ። እዚ ድማ ንዋና ብሄራዊ ጉጅለ ንትሕፀ ገይርዋ ‘ዩ። በዚ ድማ ፓርትላንድ ናይ ገዛ ውሽጢ ቻምፒዮና መበል ሳልሳይ ብርኪ ሒዛ ብምዝዛም ንሃገራ ናሓስ ሜዳልያ ክትረክብ ክኢላ ‘ያ።

እዛ በዓልቲ ተሰፋ ኣትሌት ዒስራ ዓመት እንተዘይመልኣ ‘ውን ዝነበራ ቅዋም ኣብቲ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ሪዮ ኦሎምፒክ ብ800 ሜትሮ ርሕቐት ተሳታፊት ንክትኾን ኣኽኢልዋ ‘ዩ። ኣብ ቀፃሊ ናይ ለንደን ዓለም ቻምፒዮና እታ ኣትሌት ንኻልኣይ እዋን ሃገራ ንትውክል ሓላፍነት እንተተውሃበ ‘ውን ውፅኢታዊ ግና ክትኾን ኣይካኣለትን።

ጠንካራ ስራሕ መፍለጢኣ ዝኾነ ኣትሌት ጉዳፍ ናብ ዝነበራ ቅዋም ተመሊሳ ኣብ ዳይመንድ ሊግ ብቅዓታ ብምምስካር፤ ኣብ ኳታር ዓለም ቻምፒዮና ብሄራዊ ጉጅለ ኢትዮጵያ ዝርዝር ውሽጢ ክትኣቱ ክኢላ ‘ያ። ኣብቲ ቻምፒዮና ዘሸነፈቶ ሜዳልያ ድማ ንቶኪዮ ኦሎምፒክ ንክትምረፅ ኣኽኢልዋ ‘ዩ።

ጉዳፍ በዚ ኦሎምፒክ ካብ እትሳተፈሉ ርሕቐት ወፃኢ ብ5ሽሕ ሜትሮ ዝተኻፈለት እንትትኾን ፤ብተኸታታሊ ዓመት ንሃገራ ኽልተ ሜዳልያ ነሓስ ኣመዝጊባ ‘ያ። ብብዓል ገዛኣ ሕለፍ ይሕደጎ ብዘሰልጠና ስኬታማ ዓመት ኣሕሊፋ ‘ያ። ኣብ ሊቨን ብ1ሽሕ500 ሜትሮ ናይ ዓለም ክብረወሰን ብምጭባጥ ብቅዓታ ዘርኣየት ‘ያ።

ከም ኣውሮፓ ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ወኪላ ናይ ዓለም ገዛ ውሽጥን ቻምፒዮና 2ናይ ወርቂን 1ሜዳልያ ብሩር ኣመዝጊባ ያ። ሃገራ ፈታዊት ኣትሌት ጉዳፍ ብምኽንያት ዝነበረ ሰሜን ኹናት ተደሓሒዙ ምስ ቤተሰብ ምርሕሓቃ ከይተሸነፈት ኢትዮጵያ ብምቕዳም ንሃገራ እናተቃለሳ ካብ ዝነበራ እታ ሓንቲ ‘ያ።

በዚ ተግባራ ንብዙሓት መናእሰይ ኣትሌታት ኣብነት ዝኾነት ጉዳፍ ዝሓለፈ ዓመት ብውልቀን ዓለምለኸን ውድደራት ተዓዋቲት ኾይና ‘ያ። እቲ ዓመት ብዓለም ቻምፒዮና ኽልተ ሜዳልያ ብምውሳድ ኣብ ዩጂን ዳይመንድ ሊግ ክትክሕስ ክኢላ ‘ያ። ናይ 5ሽሕ ሜትሮ ናይ ዓለም ክብረወሰን ናብ ኢትዮጵያ መሊሳ ባዓልቲ ክብረወሰን ከምዝኾነት ዝዝከር ‘ዩ። ዝሓለፈ ዓመት ብዝገርም ብቅዓት ዝዛዘመት እታ ኣትሌት ኣብ ዝተድሓዘ ዓመት ብቤተሰብ ኣትሌቲክስ ብሃንቀውታ ንክትፅበ ገይርዋ ‘ዩ።

ናይ ኦሎምፒክ ዓመት ብምዃኑ ኣብ ዓብይ መድረኽ እተመዝግቦ ዓወት ካብ ኸዚ ትፅቢት እናተገበረ ይርከብ። ኣብ ገዛ ውሽጢ ውድድራት ዝጀመረት እንትኾነ ‘ውን ብ3ሽሕ ሜትሮ ሜዳልያ ብሩር ወሲዳ ‘ያ። ኣብዚ ዓመት ትልማ ግና ኦሎምፒክ ብምዃኑ 47መዓልቲ ዝተረፎ ኦሎምፒክ ፓሪስ ኣብ ምድላው ትርከብ።

ስለዚ ኣብ ፓሪስ ሓድሽ ታሪኽ ንምፅሓፍ ተሊማ ‘ያ። ምስ ዓለም ኣሌቲክስ ሓፂር ፃንሓት ዝነበራ ኣትሌት ጉዳፍ ‹‹ሃገረይ ኣብዚ መድረኽ ምውካለይ ዓብይ ታሕጓስ ተሰሚዕኒ‘ዩ። ህዝቢ ኹልግዜ ሜዳልያ ንክነመዝግብ ‘ዩ ትፅቢት ዝግበር፤ ግና ናተይ ዓላማ ሜዳልያ ጥራሕ እንተይኾነስ ናይ ወርቂ ሜዳልያ ‘ዩ፤ ሃገር እንትውክል ኹልግዜ ሓላፍነት ከምዘለኒ ይስመዐኒ›› ክትብል ገሊፃ ‘ያ።

‹‹ኦሎምፒክ ዓብይ ውድድር መድረኽ ብምዃኑ ናይ ኹልግዜ ሕልመይ ‘ዩ። ኣብ ኣትሌቲክስ ዝሓሰብኩዎ ኹሉ ምስኻዕ እንተኻኣልኩ ‘ውን ኣብ ኦሎምፒክ ወርቂ ምርካብ ግን ይተርፈኒ ‘ዩ፤ ብምዃኑ ቀፃሊ ሽቶይ እዚ ‘ዩ ›› ክትብል ገሊፃ ‘ያ።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 6 ሰነ 2016 ዓ.ም

Recommended For You