
ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ቶኪዮ 2025 ክካየድ ካብ ክልተ ወርሒ ዘይበልፅ ግዜ ይተርፎ። ካብ ማእኸላይ ክሳብ ነዊሕ ርሕቐት ከምኡ ‘ውን ማራቶን ንውፅኢት ትፅቢት ካብ ዝግበረለን ሃገራት እታ ሓንቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ ‘ውን ኣብቲ ሻምፒዮና ዓለም ብዝተፈላለዩ ርሕቐታት ዝውክልዋ ኣትሌታት እናፈለየት ትርከብ።
ኣብቲ ትፅቢት ዝግበረሉ ውድድር ማራቶን ኣብቲ ሻምፒዮና ዓለም ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣትሌታት ብዘለዎም ቕልጡፍ ሰዓት መሰረት ምምራፆም ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ቕድሚ ሰሙን ዕላዊ ምግባሩ ዝዝከር ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ሒዲት መዓልትታት ‘ውን ብነዊሕ ርሕቐት ብፍላይ ብ10 ሜትር ደቂ ተባዕትዮ ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣትሌታት እንመን ከምዝኾኑ ብሕዚኡ እናተፈለዩ ‘ዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዳይመንድ ሊግ ሂውጂን ንምክያዱ ስዒቡ ድሕሪ ሒዲት ኣዋርሕ ዝካየድ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ንኢትዮጵያ ብመንፅር ውፅኢት ካብ ብሕዚኡ ተስፋን ስግኣትን ከምዘለዎ ተራእዩ። ውድድራት እቲ ዳይመንድ ሊግ ብፍላይ ‘ውን ኬንያውያን ኣትሌታት ንሻምፒዮና ዓለም ሃገሮም ንምውካል ከም መፃረዪ ዝተጠቀሙሉ እንትኸውን ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ‘ውን 10 ሽሕ ሜትር ደቂ ተባዕትዮ ቕልጡፍቲ ሰዓት ኣመዝጊቦም ብተመሳሳሊ ትኬት እቲ ሻምፒዮና ዓለም ዝቖርፁሉ ብምዃኑ ትፅቢት ዝግበረሉ ‘ዩ ነይሩ።
በዚ መሰረት ‘ውን ብደቂ ተባዕትዮ 10 ሽሕ ሜትር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብቲ ዳይመንድ ሊግ ዘድንቖን ብቕዓት ብምርኣይን ካብ ቐዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምዝዛምን ብሕዚኡ ኣብ ሻምፒዮና ዓለም ዓብዪ ተስፋ ከርእዩ ኽኢሎም። ብ10 ሽሕ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ናይ መወዳእታ ተመረፅቲ ብወገን ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ብዕሊ ዝተገለፀ ነገር እንተዘይሃለወ ‘ውን ንመረፃ ሻምፒዮና ዓለምን ኣብ ሻምፒዮና ዓለም ናይ ምስታፍ ዕድል ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ከዋኽብቲ ኣትሌታት ሚኒማ ንኸማልኡን ብዘቐመጦ መለክዕን ግዜን መሰረት ክሳብ ዝመፅእ ጁን 20 ኣብ ዘሎ ግዜ ዝምዝገብ ሚኒማ እንተሃልዩ ከምዘሎ ኾይኑ ኣብ ታሕቲ ብልምዓት ዝተዘርዘሩ ኣትሌታት ኣብ 10 ሽሕ ሜትር ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ሻምፒዮና ዓለም ቶኪዮ ናይ ምስታፍ ዕድሎም ሰፊሕ ምዃኑ ምርኣይ ይከኣል።
ነዚ ‘ውን ካብ ናይቶም ኣትሌታት ናይ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ውፅኢትን ሓደ ኣትሌት ልዕሊ ሓደ ኣብቲ ሻምፒዮና ዓለም ኣይጎይይን ካብ ዝብል መለክዕን ብምልዓል ካብ ትካላት ኣትሌቲክስ ብዝተረኸቡ መረዳእታታት ውፅኢት መሰረት ምቕማጥ ይከኣል። በዚ መሰረት ‘ውን ብ10 ሽሕ ሜትር ደቂ ተባዕትዮ 26:31:01 ዝኾነ ቕልጡፍ ሰዓት ዝሓዘ ኣትሌት ዬሚፍ ቀጄልቻ በቲ ርሕቐት ቐዳማይ ተመራፂ ኾይኑ።
በኣብዝሓ ሂውጂን ኻልኣይ ኾይኑ ዝዛዘመን ናይቲ ርሕቐት ተዓዋታይ ብሪ ሜዳልያ ኦሎምፒክን በሪሁ ኣረጋዊ ብ26:31:71 ሰዓት ኣብቲ ሻምፒዮና ዓለም ዝስለፍ ኻልኣይ ኣትሌት ናይ ምዃን ዕድሉ ሰፊሕ ‘ዩ። ብተመሳሳሊ ኣብ ሂውጂን ሳልሳይ ኾይኑ ዝዛዘመ ኣብ ቶኪዮ ኦሎምፒክ 2020 ናይቲ ርሕቐት ሰዓራይ ሰለሞን ባረጋ 26:34:93 ሰዓቱ ሳልሳይ ተመራፂ ይገብሮ። በኣብዛኛው ሂውጂን ንበሪሁን ሰለሞንን ቐዲሙ ብምእታው ሰዓራይ ዝኾነ መንእሰይ ኣትሌት ቢኒያም መሓሪ ብ26:37:93 መሐለውታ ኾይኑ ከምዝምረፅ ትፅቢት ይግበር።
ገመቹ ዲዳ 26:42:12 ሰዓት ዘለዎን ካብ ኣርባዕቲኦም ኣትሌታት ቐፂሉ ዝቕመጥን ኣትሌት ‘ዩ። እዚ ‘ውን ኣብ ኦሊምፒክ ፓሪስ ኣብቲ ርሕቐት ንዝተሳተፉ ሰለስቲኦም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዳግማይ ኣብ ሻምፒዮና ዓለም ቶኪዮ ብተመሳሳሊ ርሕቐት ክንምልከቶም ንኽእለሉ ዕድል ሰፊሕ ምዃኑ የርእይ። ኣብ ሂውጂን ናይ 5 ሽሕ ሜትር ናይ ዓለም ኽብረወሰና ኣብ ዘደንቕ ቁመና ብትርከብ ኬንያዊት ቢትሪስ ቺቤት ዝተመንጠለት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ሻምፒዮና ዓለም ቶኪዮ ብደቂ ኣንስትዮ 10 ሽሕ ሜትር ብቐጥታ ምስታፋ ናይቲ ርሕቐት ናይቲ ግዜ ሻምፒዮን ምስ ምዃና ተተሓሒዙ ቕድም ኢሉ ‘ውን ዝተረጋገፀ ‘ዩ።
ፎቴን ተስፋዬ ብ29:47:71 ሰዓት፣ ፅጌ ገብረሰላማ ብ29:49:33 ሰዓት ብቕደም ሰዓብ ናይ ምምራፅ ዕድለን ሰፊሕ ‘ዩ። እጅጋየሁ ታዬ ብ29:50:52፣ ኣይንኣዲስ መብራቱ 30:09:05 ሰዓት መሐለውታ ክኾና ‘የን ማለት ‘ዩ። ኣብ ዳይመንድ ሊግ ሂውጂን ብደቂ ኣንስትዮ 5 ሽሕ ሜትርን 1500 ሜትርን ኬንያውያን ብኽብረወሰን ዓለም ተዓጂበን ዘርአይኦ ዘደንቕ ቁመና ኣብቲ ሻምፒዮና ዓለም ንኢትዮጵያውያን ዓብዪ ዕዮ ገዛ ሂቡ ዝሓለፈ እንተኾነ ‘ውን ቅድሚ ሓደ መዓልቲ እቲ ዳይመንድ ሊግ ኣብ ፈረንሳይ ናንሲ ኣብ ዝተኻየደ 800 ሜትር ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር ፅቡቕ ዜና ተሰሚዑ ‘ዩ።
እዚ ‘ውን ኢትዮጵያ ብደቂ ተባዕትዮ ብ800 ሜትር ካብ መሓመድ ኣማን ናብዚ ሚኒማ ሻምፒዮና ዓለም ከማልእ ዝኸኣለ ኣትሌት ምርካባ ‘ዩ። እቲ መንእሰይ ኣትሌት ዮሃንስ ተፈሪ 1:44.49 ብዝኾነ ሰዓት ሳልሳይ ኾይኑ ብምዝዛም ናይ ውልቀ ተመራፂ ሰዓት ዘመዝገበ እንትኸውን፤ እዚህ መንእሰይ ኣትሌት ካብ ብሕኢኡ ትኹረት ብዙሓት እናሰሓበ ይርከብ።
ኣብ ፈረንሳይ ናንሲ ዘመዝገቦ ሰዓት ብኢትዮጵያውያን ኣብዚ ዓመት በቲ ርሕቐት ካብ ዝተመዝገቡ እቲ ቕልጡፍ እንትኸውን፣ ሚኒማ ሻምፒዮና ዓለም ብምምላእ ኣብ ቶኪዮ ሃገሩ ንምውካል የኽእሎ ‘ዩ ተባሂሉ። እዚ ‘ውን ኣብ ሂውጂን በቲ ርሕቐት ምስ ዝሰዓረት ተዓዋቲት ብሪ ሜዳልያ ፅጌ ድጉማን ኻልኦትን ሓዊሱ ኢትዮጵያ ኣብ ቶኪዮ ብ800 ሜትር ብኽልቲኡ ፆታ ዝውክላ ክትረክብ ‘ያ ማለት ‘ዩ።
በሪሁ ኣረጋ
ወጋሕታ 3 ሓምለ 2017 ዓ.ም