ተጠቃምነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንቕልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት እቲ ዞባ ዕዙዝ ግደ ኣለዎ

ኣዲስ ኣበባ:- ተጠቃምነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላም ብምርግጋፅ ቕልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ንምምፃእ ዕዙዝ ግደ ከምዝህልዎ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ምሁር ሰፕላይ ቸን ማኔጅመንት ማትዮስ ህንሰርሙ (ኣሶሸት ፕሮፌሰር) ገሊፆም።

ማትዮስ (ኣሶሸት ፕሮፌሰር) ንትፕኢ ከምዝገለፅዎ፤ ተጠቃምነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላም ንኽዓስል ካብ ምግባሩ ንላዕሊ ቕልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ብምምዝጋብ ተሓባቢርካ ንምዕባይ የኽእል። ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ከይሃለዋ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት እናመዝገበት እንተኾነ ‘ውን ካብዚ ብዝበለፀ ንምዕባይ በሪ ባሕሪ ኣድላዪ ምዃኑ ገሊፆም፤ በሪ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ጉዳይ ህልውናን ሓቢርካ ምዕባይን ምዃኑ ገሊፆም።

ብመሰረት ዓለም ለኸ ሕግታት ኣጠቓቕማ በሪ ባሕሪ ንዝኾነት ሃገር በሪ ባሕሪ ናይ ምጥቃም መሰል ዝኽልክል ሕጊ ዘይምህላዉ ገሊፆም፤ ተጠቃምነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላም ብምርግጋፅ ቕልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ንምምፃእ ዕዙዝ ግደ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም።

ዛጊድ ብዘሎ ህሉው ኩነታት ዓለም ካብ 80 ክሳብ 90 ሚኢታዊ ዝኸውን ንግዲ ዝሳለጥ ብበሪ ባሕሪ ኣቢሉ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ኣሶሸት ፕሮፌሰር፤ ኢትዮጵያ ቕልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ንምምዝጋብ ኣብ ሓፂር ግዜ ውሽጢ በሪ ባሕሪ ክትረክብ ኣለዋ ኢሎም።

ከም ገለፅኦም፤ ሃገራት በሪ ባሕሪ ዝረኽባ ናብ ወሰን ባሕሪ (Coastal states) ብዘለወን ቕርበትን በሪ ባሕሪ ምስ ዘለወን ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ብምፍጣርን ‘ዩ። እዚ ‘ውን ዝኸውን ዓለም ለኸ ሕጊ ኣጠቓቕማ በሪ ባሕሪ ንዝኾነት ሃገር በሪ ባሕሪ ናይ ምጥቃም መሰል ስለዘይኽልከል ‘ዩ።

ብመሰረት እዚ ሕጊ በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት በሪ ባሕሪ ምስ ዘለወን ሃገራት ርክብ ብምፍጣር፣ በሪ ባሕሪ ብምግዛእ ወይ ድማ ሓቢርካ ነቲ ባሕሪ ብምልማዕ ናይ ምጥቃም ዕድለን ከምዘሳኽዓ ዝገለፁ እቶም ምሁር፤ ከም ኣሜሪካ፣ ፈረንሳይን ዝኣመሰላን ሃገራት ካብ ሩሑቕ ተጓዒዘን ኣብ ጅቡቲ ወደብ ዝጥቀማ በዚ መልክዕ ‘ዩ ክብሉ ካብ ኣብነት ኣልዒሎም።

ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ እንተረኺባ ኢኮኖሚኣ ብቕልጡፍ ብምዕባይ ኣብቲ ከባቢ ዝለዓለ ፅዕንቶ ክተሕድር ‘ያ ኢለን ዝጠራጠራ ዝተወሰና ሃገራት ምህላወን ገሊፆም፤ ካብዚ ዝተልዓለ ‘ውን ኣብ ኣባይ ህንፀት ግድብ ንኸይተካይድን በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰላ ንኸይትጥቀምን ከምዝፈታተንኣ ተዛሪቦም።

እዚ ‘ውን ፅዕንቶ ከምዘሎ ኾይኑ ኢትዮጵያ ህንፀት ግድብ ኣባይ ኣሳኺዓ ‘ያ፤ በሪ ባሕሪ ‘ውን ብዝተጀመረ ኩነታት ብምቕፃል ኢኮኖሚ ‘ውን ብቕልጡፍ ምዕባይ እንተተኻኢሉ ዘይሳኽዐሉ ምኽንያት የለን ኢሎም።

ከም ገለፃ ኣሶሸት ፕሮፌሰር ማትዮስ፤ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚኣ ብቕልጡፍ ንምዕባይ ብጠመተ ክትሰርሕ ይግባእ። ምኽንያቱ ‘ውን ኢኮኖሚ ብዝዓበየ ቑፅሪ ዝወፁን ዝኣትዉን ፍርያታት ይውስኹ ‘ዮም። ናይቶም ፍርያታት ምውሳኽ ድልየት በሪ ባሕሪ ካብ ምውሳኽ ሓሊፉ ኣብ ወነንቲ በሪ ባሕሪ ንዘሎ ተደላይነት ንክውስኽ ይገብር።

ኢትዮጵያ መእተዊ በሪ ኣፍሪካን ናይ ብዙሓት  ዲፕሎማት ቢሮ ዝርከበላን ብምዃና ብመንፅር ዘለዋ ፅዕንቶ ፈጣራይነት በሪ ባሕሪ ኣድላዪ ምዃኑ ገሊፆም፤ ሰላምን ድሕንነትን እቲ ዞባ ንምርግጋፅ በሪ ባሕሪ ተጠቃሚ ምዃን ኣብ ሕቶ ውሽጢ ክኣትው ኣይነበሮን ኢሎም።

ተጠቃምነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ኾነ ከም ኣህጉር ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ሰላም ንምርግጋፅን ኢኮኖሚ ብቕልጡፍ ንምዕባይን ዕዙዝ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ኣመላኺቶም።

ብተወሳኺ ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ ሓራማያ ጀማል ዩሱፍ (ዶክተር) ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ምስ ሃገራት እቲ ዞባ ሓቢራ ክትለምዕ ዘኽእላ ምዃኑ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ነተን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሃገራት ብዙሕ ዕድላት ዝፈጥር ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንምምሃርን ምርምርን ስራሕቲ ዝዓለመ ንጥፈታት ንምክያድ እታዎታት ብቐሊሉ ንምርካብን ወፃኢታት መጓዓዝያ ንምቕናስ ከምዘኽእል ኣረዲኦም።

በሪሁ ኣረጋ፣መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 6 ሰነ 2016 ዓ.ም

Recommended For You