
ሓተታ ዜና
ክረምቲ ሓሊፉ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝቕልቐለሉ ዓለም ኩሉ ዝርእዮ፣ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያውያንን ብሃንቀውታ ዝፅበይዎ ዝነበሩ ናይ ታሕጓስ ድግስ ብኢትዮጵያውያን ብድምቐት ክበዓልን ክኽበርን ‘ዩ። እዚ ድግስ እዚ ዓለምና ብፍላይ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ዝተፈልየ ድግስ መርዓ ‘ዩ። ፍሉይ ዝገብሮ ደጋሲ ውልቀ ሰብ እንተይኮነስ ዓባይን ታሪኻዊትን ሃገር ኢትዮጵያ ‘ያ።
ኢትዮጵያ ነዚ ዕዙዝ መርዓ ኣብ እትዳልወሉ እዋን፣ ጎረባብታን ሃገራት ተፋሰስ ኣባይን ብፍላይ ድማ ግብፅን ሱዳንን ኣይረሰዐትን። ብመራሒ እታ ሃገር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣቢላ ኣብዚ ዓቢዪ ድግስ ክሳተፉ ናይ ስነ-ስርዓት ዕድመ ኣቕሪባትሎም ኣላ። ነዚ ድግስ እዚ ኢትዮጵያውያን ብሄር፣ ሃይማኖት፣ ፆታ፣ ዕድመ ብዘየገድስ ብሓንሳብ ደው ዝበሉላ፤ ብዘይካ ኣብ ማህፀን ዘሎ ዕሸልን ኣብ መቓብር ዘሎን ኩሉ ሰብ ብዓቕሙ ካብቲ ዝተረፈ ጥራይ ዘይኮነ ካብቲ ዝጎደለ ብዓቕሙ ኣበርክቶ ዝገበረሉ ዓባዪ ግድብ ኣባይ ‘ዩ።
እወ ኢትዮጵያውያን ነዚ ዓቢዪ ግድብ ብዘይ ደገፍ ናይ ወፃኢ ሓይልታት ን14 ዓመታት ክሕልውዎ ፀኒሖም፤ ንውሽጣውን ግዳማውን ብድሆታት ይሰግሩ ኣለዉ። ክረምቲ ሓሊፉ ፀልማት ንጎኒ ተገሊሁ ብርሃን ምስ ወፀ እቲ ዓቢዪ ግድብ ኣባይ ብርሃንን መብራህትን ንመላእ ዓለም ክግለፅ ‘ዩ።
ኣብዚ ጉዳይ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌደራላዊት ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብ26 ሰነ 2017 ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ “ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ ክንምርቕ ኢና፤ ቅድሚ ምምራቑ ክንዘርጎ ይግባእ ዝብሉ ሰባት ኣለው፤ ግን ክረምቲ ክውዳእ እንተሎ ክንምረቕ ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም። ተወዲኡ ኣሎ ናብተን ታሕተዎት ሃገራት ዘለኒ መልእኽቲ ብፍላይ ንግብፅን ሱዳንን ህዳሰ በረከት ‘ዩ።
እቲ ዝመፅእ ልምዓትን ፀዓትን ንኹለን ሃገራት ዝጠቅም ‘ዩ፤ ግድብ ኣስዋን ግብፂ ብሰንኪ ግድብ ህዳሰ ሓንቲ ሊትሮ ማይ ኣይቐነሰን። ኢትዮጵያ ብልፅግትን ዝማዕበለትን ክሳብ ዝኾነት ናይ ግብፃውያንን ሱዳናውያንን ኣሕዋትና ጉድኣት ኣይንደልን ኢና። እቲ ፀዓትን ማይን ብሓባር ክንጥቀመሉ ኢና፤ ልምዓትን ዕብየትን ክመፅእ ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም።
“ኢትዮጵያ ሕዚ ‘ውን ምስ ታሕተዎት ሃገራት ንምዝርራብ፣ ንምድርዳር ንምስራሕን ድልውቲ’ያ። ግብፅን ሱዳንን ከምኡ’ውን ኩሎም መንግስታት ታሕተዎት ሃገራት ኣብ ወርሒ መስከረም ህዳሴ ክንምርቕ እንተለና ናይ ታሕጓስና ተኻፈልቲ ክኾኑ ንዕድም ክብሉ መልእኽቶም አሕሊፎም። መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ብሓፈሻ ክራኣይ እንተሎ ስራሕ ህንፀት ግድብ ኣባይ ብውዲት ከምዘይተዓናቀፈን እቲ ምርቓ ‘ውን ብባዕዳን ኮነ ብባንዳታት ምትዕንቓፍ ዝሕሰብ ኣይኮነን ዝብል ‘ዩ። እቲ እንኮ ዘዋፅእ ትሩፋት ህዳሰ ግድብ ምቑዳስን ብሓባር ምልማዕን ጥራይ ‘ዩ።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 3 ሓምለ 2017 ዓ.ም