
ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ዘለው ወገናት ብተኣማንነት ግብሪ ናይ ምኽፋል ልምዲ ከዕብዩ ሓደራ ክብል ይደሊ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፃውዒት ኣቅሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም በቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ዝቀረበሎም ሕቶታት ብፍላይ ኣታዊ ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም፡፡ ግብሪ እንተዘይተኸፊሉ መንገዲ፣ መብራህቲ፣ ማይ፣ ወታደር፣ ፖሊስ ብሓፈሻ መሰረተ ልምዓታትን ሃገርን የለን ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሰብ ግብሪ ዝኸፍል ባዕሉ ንምሕላው፤ ደቁ ንምምሃር፣ ጥዕንኡ ንምሕላው ከምዝኾነ ተዛረቦም።
ኣብዚ መዛሚ በጀት ዓመት ካብ ኣታዊ ግብሪ ዝተረኸበ ሓፈሻዊ ሃፍቲ ብመንፅር ወፃኢ እንትርኣይ ትሑት ከምዝኾነ ብምሕባር ፤ ነዚ ምኽንያቱ ድማ ዝተወሰነ ብኺሳራ ሪፖርት ዘቅርብ ብምዃኑ፣ ዝተወሰነ ድማ ኣታውየይ ምስ ወፃእየይ ተመጣጣኒ ‘ዩ ትርፊ የብለይን ዝብል ምኽንያት ዘቅርብ ብምዃኑ ንመንግስቲ ዝኸፍሎ የብለይን ብዝብል፤ ሓደ ሓደ ድማ ሪፖርት ዘየቅርብ ብምኻኑ ‘ዩ ኢሎም። በዚ ምኽንያት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ፍቃድ ንግዲ ወሲዶም፤ ግብሪ ክኸፍሉ ካብ ዝግብኣም ዝኸፈሉ 37 ሚታዊ ጥራሕ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብዚ ዓመት 900 ቢሊዮን ብር ኣታዊ ከምዝተኣከበን 1 ነጥቢ 2 ትሪሊዮን ብር ወፃኢ ከምዝወፅአ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ተዛሪቦም። ካብ ዝተመዘገበ ኸፋሊ ግብሪ ውሽጢ 37 ሚእታዊ ኸፋሊ ግብሪ 50 ሚእታዊ ምብፃሕ እንተዝክኣል፤ ሎሚ ዝተኣከበ ኣታዊ ብዝለዓለ ብርኪ ክውስኽ ከምዝነበረ ሓቢሮም።
ታክስ ካብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ምህርቲ (ጂዲፒ) ዘለዎ ብብርኪ ኣፍሪካ እንትርኣይ ንኣብነት ናይ ኬንያ 14 ሚእታዊ ከምዝኾነ ብምልዓል፤ ናይ ኢትዮጵያ ግና ካብዚ ብፍርቂ ዝንእስ ‘ዩ ኢሎም። ናይ ኬንያ ዝኣክል ኣታዊ ምእካብ እንተዝክኣል ነይሩ 1 ነጥቢ 8 ትሪሊዮን ብር ክእከብ ከምዝነበረ ተዛሪቦም። ኣብ ኢትዮጵያ ዝእከብ ትርፊ ካብ ኣታዊ ካብ ኣፍሪካ ካብ ፍርቂ ዝነኣሰ ምዃኑ ኣረዲኦም።
ታክስ ይኸፈል ‘ዩ ተባሂሉ ዝግመት 37 ሚእታዊ ውሽጢ 40 ሚእታዊ ዝኸውን ካብ ትካላት ልምዓት መንግሥቲ ዝእከብ ከምዝኾነ ገሊፆም። ትካላት ልምዓት መንግሥቲ ቅድም ክብል ደመወዝ መኽፋል ዘይኽእሉ፤ ንመሸጣ ቀሪቦም ገዛኢ ዘይረኸቡ ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር፤ ብዝተሰርሐ ሪፎርም ግና ሎሚ ትካላት ልምዓት መንግስቲ 2 ትሪሊዮን ብር ኣታዊ ከምዘእተውን ካብኡ ውሽጢ ብ100 ቢሊዮናት ዝግመት ግብሪ ከምዝኸፈሉ ኣረዲአም።
ውሑዳት ዘይበሃሉ ሰባት ስራሕ ቦትኦም፣ መኪነኦም ከምኡ ‘ውን ዝሃንፅዎ ገዛ ምስ ዝኸፍልዎ ግብሪ እንትነፃፀር ከምዘይጥዕዓም ብምሕባር፤ ብኡ ልክዕ ግብሪ ዝኸፍሉ ልምዓት ዝሕግዙ በጣዕሚ ተኣመንቲ ከምዘለው ‘ውን ሓቢሮም። ኣብ ቀፃሊ ኣተኣኻኽባ ግብሪ ብስርዓት ዲጂታላይዝ ብምግባር እቲ ፀገም ንምቅራፍ ሃገር ሓቆፍ ኮሚቴ ተዋቂሩ እናተሰርሐ ከምዘሎን በዚ ድማ ዘበረታትዕ ውፅኢት እናምፅአ ምዃኑ ብምሕባር፤ ዜጋታት ብተኣማንነት ግብሪ ናይ ምኽፋል ልምዲ ከዕብዩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 3 ሓምለ 2017 ዓ.ም