
ዜና ጠዓሞት
ን 2018 በጀት ዓመት 1 ነጥቢ 93 ትሪልዮን ብር ፀዲቑ
ኣዲስ ኣበባ፡-ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበሉ በጀት መንግስቲ ፌዴራል 2018 ዓ/ም ኣፅዲቑ።ኣብቲ ኣኼባ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፕላን፣በጀትን ፋይናንስን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ደሳለኝ ወዳጄ ሓሳብ ውሳነን ፀብፃብን ረቂቕ በጀት መንግስቲ ፌዴራል 2018 ዓ/ም ኣቕሪቦም።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እቲ ሓሳብ ውሳነ ብምምርማር ረቂቕ በጀት መንግስቲ ፌዴራል 2018 ዓ/ም ኣፅዲቑ።ኣብቲ ፀብፃብ፤ በጀት መንግስቲ ፌዴራል ቀፃሊ በጀት ዓመት 1 ነጥቢ 93 ትሪልዮን ብር ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ካብቲ ረቂቕ በጀት 1 ነጥቢ 2 ትሪልዮን ብር ንስሩዕ ወጻኢ፣415 ቢልዮን ብር ንካፒታል ወፃኢ፣315 ቢልዮን ብር ንደገፍ መንግስትታት ክልል ከምኡ ‘ውን 14 ቢልዮን ብር ንመፈፀሚ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ክልላት ደገፍ ዝውዕል ‘ዩ።
ካብቲ ረቂቕ በጀት 1 ትሪልዮን ብር ወይ ድማ 73 ሚኢታዊ ካብ ኣታዊ ታክስ፣236 ቢልዮን ብር ካብ መሓዙት ልምዓት እቲ ዝተረፈ ድማ ካብ ደገፍ ፕሮጀክትታትን ዝተፈላለዩ ኣታዊታትን ንምርካብ ከምዝተተለመ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ረቂቕ በጀት ብኣንፃር ጥሙር ሃገራዊ ፍርያት ዘይተፃረየ ጉድለት በጀት 2 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ከምኡ ‘ውን ዝተፃረየ ጉድለት በጀት 1 ሚኢታዊ ከምዝኾነ እቲ ፀብፃብ ይገልፅ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህንፀት 15 ሺሕን 960 ፕሮጀክትታት ተዛዚሙ
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህንፀት 15 ሺሕን 960 ፕሮጀክትታት ተዛዚሙ ኢሉ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ምምሕዳር እታ ከተማ።
ሓላፊት እቲ ቢሮ እናትኣለም መለስ ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ፣ ኣብ ባጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ህንፀቶም ዝተዛዘሙ ፕሮጀክትታት ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ብምምራቕ ንኣገለግሎት ክፍቲ ክኾኑ ‘ዮም ኢለን።ካብ መንጎ እቶም ዝተሃነፁ ፕሮጀክትታት ብቀንዱ ባህጊ ህዝቢ ንምምላእ ልዕሊ 10 ሺሕ ኣባይቲ ምህናፆም ተዛሪበን።
ኣብ ባጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ድልየት መንበሪ ነበርቲ እታ ከተማ ንምምላእ ዝተሃነፁ ኣባይቲ፥ ብምትሕብባር ምንግስቲን ሕብረተሰብን ከምዘኾነ ገሊፀን።ብሓፈሻ ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ሀዝቢ ዝሕግዙ ናይ ጥዕና፣ ተምህርቲን መንገዲን ፕሮጀክትታት ተሃኒፆም ‘ዮም ኢለን።
ሕቶ መናእሰይ እታ ከተማ ንምምላስ 122 ስፍራታት ስፖርት ምህናፆም ተዛሪበን።ኣብቶም ፕሮጀክትታት ን366 ሺሕ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ምፍጣር ከምዝተኽኣለ ሓቢረን።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንትካላት ዴሞክራሲ ዝገብሮ
ደገፍ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ‘የ
ናፃን ገለልተኛን ትካላት ዴሞክራሲ ንጠንካራ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ዘለወን ግደ ብዝበለፀ ንምጉላህ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ‘ዩ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ።ናብቲ ባይቶ ተፀዋዕቲ ዝኾና ትካላት ዴሞክራሲ ሓበራዊ መድረኽ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ትካላዊ ሪፎርም ይካየድ ኣሎ።
ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ትካላት ዴሞክራሲ ሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊን መሰል ዜጋታት ኣብ ምኽባር ርኡይ ግደ ኣለወን ኢሎም።
እተን ትካላት ሓላፍነተን ብብቕዓት ንክዋፅኣ ኣብ ሕጊን ኣወዳድባ ዘለዉ ብድሆታት ነክመዓራረ ስራሕቲ ሪፎርም ምስራሖም ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ስምምዕ ፋይናንስ 1 ቢልዮን ዶላር ተፈራሪሞም
ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያን ኩለመዳያዊ ዕቤትን ንምድጋፍ ዘኽእል ስምምዕ ፋይናንስ 1 ቢልዮን ዶላር ተፈራሪሞም።
እቲ ስምምዕ፤ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴን ዳይሬክተር ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ባንኪ ዓለም ማርያም ሳሊምን ‘ዮም ፈሪመምዎ።
ኣካል ካልኣይ ፕሮግራም ፖሊሲ ልምዓት ዘላቕን ኩለመዳያውን ዕቤት (DPO) ዝኾነ እቲ ስምምዕ ፋይናንስ ብመልክዕ ረድኤትን ብዝነኣሰ ወለድን ኣብ ነዊሕ እዋን ዝኽፈል ልቓሕ(Concessional Loan) ዝወሃብ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ገንዘብ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ኣፍሊጡ። ባንኪ ዓለም ኣጀንዳ ሪፎርም ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ዘለዎ ቆራፅነት ዘመላኽት ከምዝኾነ ‘ውን ሓቢሩ።
እቲ ፕሮግራም፤ መንግስቲ ዓውዲ ፋይናንስ ንምርግጋዕ፣ተወዳዳሪነት ንግዲ ንምዕባይ፣ ዓቕሚ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ውሽጢ ሃገር ንምጥንኻር፣ ተሓታትነት ዝተረጋገፀሉ ውፅኢታዊ ኣገልግሎት መንግስቲ ንምፍጣር ከምኡ ‘ውን ዘላቕነት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምርግጋፅ ዘሳልጦ ዘሎ ስራሕ ዝድግፍ ከምዝኾነ እቲ መግለፂ ይሕብር።
እቲ ስምምዕ፤ ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ኩለመዳያውን ዘላቕን ልምዓት ጋህዲ ናይ ምግባር ሓባራዊ ሽቶታቶም ንምዕዋት ዘለዎም ጠንካራ ምትሕብባር ዘመላኽት ከምዝኾነ ‘ውን እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።
ወጋሕታ 3 ሓምለ 2017 ዓ.ም