ኢንዱስትሪ ፊቤላ 12ነጥቢ 2ሚሊየን ሊትሮ ዘይቲ ኣምሪቱ ንዕዳጋ ኣቕሪቡ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡-ፊቤላ ኢንዱስትሪ ኣብ መጀመርያ ዙር ወፃኢ ምንዛሪ ተመዲብሉ ብዘእተዎ ጥረ ኣቅሓ ተጠቒሙ 12ነጥቢ2ሚልየን ሊትሮ ዝፅጋዕ ዘይትን 1ነጥቢ 8 ሚልየን ሊትሮ ካልኦት ምህርትታትን ኣምሪቱ ናብ ዕዳጋ ምቕራቡ ባዓልዋና ኢንዱስትሪ ፊቤላን ኣካቢ ቦርድ ቢኬጂ ኣይተ በላይነህ ክንዴ ገሊፆም።

ኣይተ በላይነህ ክንዴ ብፍላይ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዝገለፅዎ ፣እቲ ፋብሪካ ካብ ዝምረቕ እዋን ጀሚሩ ክሳብ ኸዚ ኣብ መጀመርያ ዙር ሸርፊ ወፃኢ ተመዲብሉ ብዘእተዎ ጥረ ኣቅሓ 12ነጥቢ 2ሚልየን ሊትሮ ዝፅጋዕ ዘይቲን 1ነጥቢ 8 ሊትሮ ካልኦት ምህርትታት ኣምሪቱ ናብ ዕዳጋ ኣቕሪቡ እዩ።8ሚልየን ዝፅጋዕ እቲ ምርቲ ብኣከፋፈልቲ ናብ ህዝቢ ዝበፅሐ እንትኸውን ዝተረፈ ድማ ኣብ ምፅዓን ይርከብ።

ቁፅሪ ምንኣስ ኣከፋፈልቲ ብዝተደሓሓዘ ምህርቲ ናብ ተጠቃሚ ንምብፃሕ ፀገም ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ዘመልከቱ ኣይተ በላይነህ ፣እዚ ፀገም ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው መንግስቲ ብብርኪ ሃገር ለኸ 33 መከፋፈልቲ ናብዚ ስራሕ ንክኣትዉ ምግባሩን ፣ካብዚኦም ውሽጢ እቶም ሸውዓተ ንትካሎም ዝተመደቡ ብምዃኖም ፀገም ምክፍፋል ምሉእ ብሙሉእ ክፍታሕ እዩ ዝብል ተስፋ ከምዘለዎም ገሊፆም ።

ትካሎም ንመጀመርያ ዙር ብዝተፈቐደሉ ሸርፊ ወፃኢ 14ሚልየን ሊትሮ ድፍድፍ ዘይት ካብ ወፃኢ ኣእትዩ ከምዝነበረ ዘዘኻኸሩ ኣይተ በላይነህ ፤ካልኣይ ዙር ድማ 20ሚልየን ሊትሮ ድፍድፍን ካልኦት መዐሸጊ ኣቕሓ ካብ ማሌዥያ ተኣዚዙ ጅቡቲ በፂሑ ኣብ ምጉዓዝ ከምዝርከብ ኣፍሊጦም ።

ክሳብ ሕዚ ናይቲ ፋብሪካ ምህርቲ ዘይቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ክልላት ኦሮምያ ፣ደቡብ ፣ኣምሓራ ፣ቤኒሻንጉል ጉምዝን ጋምቤላን ኣብ ዕዳጋ እናቐረበ ከምዝኾነ ዘፍለጡ ኣይተ በላይነህ፣ነቲ ኸባቢ ዝተመደቡ ኣከፋፋልቲ ምህርቲ እናወሰዱ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም እዮም።

መንግስቲ ንዘይቲ ቐዳምነት ብምሃብ ካብ ዘለዎ ሸርፊ ወፃኢ ነዚ ስራሕ ምምዳቡ ዓብይ ሓገዝ እዩ ዝበሉ ኣይተ በላይነህ ፣ንሕና እውን ዝተውሃበና ዓብይ ዕድል ብኣግባብ በምጥቃም ምህርትና ንህዝቢ እናቕረብና ንርከብ ኢሎም።

ምህርቲ ብሓላፍነት ምብፃሕ ከቢድ ስራሕ እዩ ዝበሉ ኣይተ በላይነህ ፣እዚ ስራሕ መስመር ንምድሓዝ ቁሩብ ዘይምስትኽኻል ክህሉ ከምዝኽእልን ኣብ ዝቕፅል ዒስራ መዓልትታት ኹሎም ኣከፋፈልቲ ናብ ስራሕ እንትኣትዉ እቲ ሕብረተሰብ እኹል ምህርቲ ክረክብ ከምዝኽእል ዘለዎም እምነት ገሊፆም ።

ፊቤላ ክሳብ ሕዚ ሓደ ሊትሮ ካብ ብር 39.05 ክሳብ 42 ንኣከፋፈልቲ እናቕረበ ከምዝርከብ ዘፍለጡ ኣይተ በላይነህ፣ እዚ ኣብ ዓለም ዋጋ ሓደ ሊትሮ ካብ ዝሽወጥ ብጣዕሚ ዝናኣሰ ከምዝኾነ ገሊፆም።ኣብዚ ሕዚ እዋን ዋጋ ዓለምለኸ ድፍድፍ ዘይቲ ክብ ብምባሉ ከምኡ’ውን ዋጋ ዶላር ብምንሃሩ ብዝነበረ ዋጋ ንምቕራብ ኣፀጋሚ ስለዝኾነ ናይ ዋጋ ምስትኽኻል ብምግባር ሓድሽ ዋጋ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እቲ ፋብሪካ ኣብ መዓልቲ ሓደ ሚሊየን ሊትሮ ዘይቲ ናይ ምምራት ዓቕሚ ከምዘለዎ ዘመልከቱ ኣይተ በላይነህ፣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ በቢሰዓቱ ዝቆራራፅ ብምዃኑ ብዘለዎ ዓቕሚ ልክዕ ከምርት ከምዘይኻኣለ ገሊፆም እዮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ፋብሪካ 24 ሰዓት ንክሰርሕ ፃዕሪ እናገበረ ከምዝኾነን ምስ መብራህቲ ተደሓሒዙ ዓብይ ፀገም እናበፅሖም ከምዝኾነ ኣመልኪቶም እዮም።እዚ ፀገም ንምፍታሕ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ 6ሽሕ 500ኪሎ ዋት ዘመንጭው ዓበይቲ ጀኔሬተር ገዚኦም ከምዘእተውን ምስ ምቑርራፅ ኤሌክትሪክ ተተሓሒዙ ኣብማሽናት ዝበፅሕ ጉድኣት ንምቕናስ ከምዘኽእል ኣመልኪቶም።ብተወሳኪ’ውን ፋብሪካ ጠጠው ከይበለ ን24 ሰዓት ንምምራት የኽእሎ እዩ ኢሎም።

ወጋሕታ 7 ሚያዚያ 2013

Recommended For You