የሓ ምስክር ማእኸል ስልጣነ ትግራይ ካብዝኾኑ ቦታታት!

ኣብ ሃገርና ካብ ዝርከቡ ብዙሓት ሓድግታት ልዕሊ 13 ቕርስታት ኣብ ሕቡራት መንግስራት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህልን (ዩኔስኮ) ብዓለም ቅርስነት ተመዝጊቦም ‘ዮም። ቀሊል ዘይብሃሉ ቅርስታት ሃገርና ድማ ኣብ ግዝያዊ መዝገብ ዩኒስኮ ተመዝግቦም ይርክርቡ:: ካብዚኦም ሓደ ዝኾነ ድማ ምስክር ማእኸል ስልጣነ ትግራይ ዝኾነ የሓ ‘ዩ::

ትግራይ ካብ ስልጣነ ድኣማት፣ የሓን ኣክሱምን ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ብውሱን መልክዑ ተዃዒቶም ዝተረኸቡን፣ ብዘይኳዕቲ ብደዎም፣ ቕያን ውፅኢት ስነ-ጥበብን ኢደ-ጥበብን ቐዳምነት ወለድና ዘዝንትዉ ሓወልቲታት፣ መካነ መቓብራት፣ ኣብያተ መንግስታት፣ ቤተ መቕደሳት፣ መሳጊድ፣ ብኢድ ዝተፅሓፉ ዝተፈላለዩ ብራና መፃሕፍቲ፣ ስእልታት ወዘተ፣ ብሓፈሻ ትግራይ፣ ብቐዳሞት ወለድና፣ ጥበብ ስነ-ህንፃን ቅድን ዝተሃነፁ፤ ካብ ከውሒ ዝተፈልፈሉ ልዕሊ 120 ኣብያተ ክርስቲያን ፣ ፅላተ ሙሴ ዝርከበላ ፣ ከምኡ እውን ልዕሊ 7 ሽሕ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐሱ፣ ቅርስታት ኣብ ሕቑፋ ከምዘለዋ ኣብ ዝተፈላለዩ መዛግብቲ ተገሊፁ ይርከብ ‘ዩ::

ብፍላይ ጥንታዊ የሓ ሓደ ካብቶም ስልጣነታት ቅድመ ኣክሱም ዝኾነ፣ ማእኸል ስልጣነ ደኣማት ዝነበረ፣ ኣብ ቅድመ ስልጣነ ኣኽሱም ዘመን ናይ ማእኸል ፓለቲካ፣ ንግዲ፣ ጥበብን ሕርሻን ኮይኑ ዘገልገለ፤ ልዕሊ 2800 ዓመታት ፀሓይን ዝናብን ተፃዊሩ ጠጠው ኢሉ ዝርከብን ኣብ ትሕቲ ሰሃራ በረኻ ዝነውሐ ዕድመ ዘቁፀረ ብቅዲ ስነ ህንፅኡ ፍሉይ ዝኾነ ምኩራብ ዝርከበሉ ብጣዕሚ ገዚፍ ተፀኒዑ ዘይተወደአ ቤተ መንግስቲ ዝርከበሉ ጥንታዊ ገዳም ኣቡነ ኣፍፄን ኣቡነ መዝራእተን ዝወነነ ማእኸል ምርምር ስነ ጥንቲ ዝኾነ ን”Best Heritage City Development” ዝተዓደለ ታሪኻዊ ስፍራ ‘ዩ ይብሉ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ዶክተር ኣፅብሃ ገ/ሄር።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ፅሑፍና ብፍላይ ብዛዕባ ጥንታዊ የሓ ክነልዕለሉ ዘደለና ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን፤ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓርቢ ዋዕላ ጥንታዊት ከተማ ይሓ ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዝተሳለጠ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብዚ ምኽንያት ብምግባር ድማ ገለ ክንብል መሪፅና ኢና::

ቢሮ ባህልን ቱሪዝም ትግራይን ምስ ኢንስቱቲት ስነ ጥንቲ ጀርመንን በዓል መዚ ሓድጊ ኢትዮጵያን ህዝብን ምምሕዳርን ተወለድትን ፈተውትን ልምዓት ጥንታዊት ከተማ ይሓን ከባቢኣን ኣብ ዝተዳለወ ዋዕላ ጥንታዊት ከተማ ይሓን ኣብ ውሽጣ ዘለው ዓሚቕ ትርጉም ዘለዎም ሓድግታት ከመይ ይተዓቀቡ፥ ናብ ቀፃሊ ወለዶ ክመይ ይሰጋገሩ ፥ ብቐፃሊ ብኸመይ ይልምዑን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ምይይጥ ከምዝተሳለጠ ተፀብፂቡ ‘ዩ ።

ኣብቲ መድረኽ ምይይጥ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ዶክተርር ኣፅብሃ ገ/ሄር ይሓ ትግራይ መቦቆል ስልጣነ ክትብሃል ካብ ዘኽእሉ ሓደ ሓወልቲ ‘ዩ ብምባል፤ ብዛዕባ ይሓ ምምካርን ምዝታይን ኣዝዩ ምድንጋዩ ከም ጣዕሳ ወሲድና ሕዚ ግና ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዘለው ካልኦት ሃፍቲ ቱሪዝም ሓዊሱ ኮሪድር ልምዓት ቱሪዝም ንምግባር እናተሰርሐሉ ከምዝኾነ ሓቢሮም እዮም።

እቲ ዋዕላ ኣብ ታሪኻዊ ቦታኡ ይሓ 28 ን29 ግንቦት 2016 ዓ/ም ከምዝሳልጥ ዝሓበሩ ዶ/ር ኣፅብሃ ግደ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ይሓ እጃምና እንታይ ከምዝኸውን ኢልና እንዝትየሉ ፤ ናብ ግብራዊ ልውጢ ምስግጋር ግድን ኣብ ዝብለሉ እዋን ኢና ብፂሕና ዘለና ዝተፈላለዩ ልምዓታት ከምኡ እውን ኣገልግሎት ውሃብቲ መሰረተ ልምዓታት ክህነፁ ይግባእ ብምባል፤ ህዝቢ ሓድገታት ትግራይ ከይጥፍኡን ብውረርቲ ከይዝመትን ብምግባሩ ድማ ዝለዓለ ናእዳን ምስጋናን ከምዘቕሪቡ ትግራይ ‘ተለቭዥን ፀብፂቡ ዩ።

ተወካሊ ማሕበር ልምዓት ይሓ ኣይተ ብርሃነ ሃይሉ ኣብ ስልጣነ ዓለም ብምዕቡል ስራሕቲ መስኖ፥ ብደኒ ዝተሸፈነ ዝነበረ ፥ብኪነ ህንፃ ኣብ ዝለዓለ ብርኪ በፂሑ ዝነበረ ጥንታዊ ስልጣነ ዝተወሃቦ ትኹረት ትሑት ብምኻኑ ኣብዚ ሕዚ በፂሕዎ ዘሎ ብርኪ በፂሑ ክብሉ ብምግላፅ፤ ሕዚ ‘ውን ግዜ ከይሃብካ ኣብ ይሓ ንመስሕብ ቱሪዝም ዝኸውን ምቹው ኩነታት ክፍጠር ይግብኦን ናብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ብምቕያር ኢሉ ‘ውን ከም መንነት መኽበሪ ክንጥቀመሉ ይግባእ ኢሎም።

ኣብቲ መድረኽ ምይይጥ ይሓ መን እያ፥ ፀጋታት ሓደጊ ይሓን ዕድላትን ፈተናታትን ዝቡሉ ፅሑፋት ቀሪቦም ዘተ ተገይሩሎም ‘ዩ። ቅርሲ የሓ 700 ዓመት ቅድሚ ልድተ ክርስቶሰ ከምዝትሃነፀ ዝግልፅ ኮይኑ፤ ብ2020 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኣብ ግዝያዊ መዝገብ ዩኒስኮ ድማ ዝተመዝገበ ምዃኑ ዝዝከር ‘ዩ።

ካብ ጉዳይ ቅርስታት ከይወፃእና ኣብዚ ሰሙን ኣምባሳደር ጣልያን ኦጎስቲኖ ፓለሴን ምስ መሳርሕቶም ናብ ትግራይ ዑደት ዝገበሩ እንትኾኑ፤ ዑደት ካብ ዝገበሩሎም ሓድግታት ትግራይ ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ሓዊሱ ኣብ መንጎ ውቅሮን ጎቦታት ገርዓልታን ዝርከቡ ሓድግታት ከምዝሃወፁ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ዶክተር ኣፅብሃ ገ/ሄር ኣብ ዕላዊ ማሕበራዊ ገፆም ገሊፆም። ብተወሳኺ ኣብ ድሕረ ኩናት ፅገና ሓድግታትን ማሕበረሰብ ተኮር ልምዓት ቱሪዝምን ትግራይ ሓገዝ ንምግባር ድልውነቶም ኣረጋጊፆምልና ክብሉ ሓቢሮም።

ኣብ መዛዘሚ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዓቕሚ ብምንኣስን ይኹን ካሊእ ክስራሕ ዝግበእ ብዘይምስራሑ፣ ተፈጥሮኣዊ፣ ባህላዊን ታሪኻውን፣ ሓድግታትና ቅርስታትናን ብዝግባእ ኣብ ዓልም ኣላሊና ካብኡ ክንረኽቦ ዝግበአና ረብሓ ኣይረኸብናን:: ስለዝኾነ ሓድገታት ትግራይ ይኹን ብሓፈሻ ሓድግታ ሃገርና ኣብ ዓለም ብግቡእ ንክፋለጡ ከምቲ ተጀሚሩ ዘሎ በዕቱብ ክዝተየሉን ክስርሓሉን ይግባእ:: ብፍላይ መንእሰይ ወለዶና ሃፍተ-ገነት ትግራይ ብምርዳእ ዓቂቡ ናብ ረብሕኡ ከውዕል ክረባረብ ይግባእ::

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 29 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You