ስፖርትን ግደ መራኸብቲ ሓፋሽን

ስፖርት ኸዚ ዝበፅሖ ብርኪ ዕብየትን ዘመናዊነትን መሰረታዊ ለውጥታት ካብ ዘምፅኡ ጉዳያት መራኸቢ ሓፋሽ ዓብይ ግደ ዝሕዝ ‘ዩ:: ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 1990 ፍርቂ ጀሚሩ መራኸቢ ሓፋሻት ንስፖርት ዝህብዎ ሽፋን ምውሳኽ ስዒቡ ተበፃሕነት ጥራሕ እንተይኾነስ ስፖርት ባዕሉ ዝኻኣለ ዓብይ ዘፈር ንክኾን ኣኽኢሎም ‘ዮም::

እዚ ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ ‘ውን ዝስትውዓል እንትኾን ትኹረቶም ኣብ ስፖርት ዝገበሩ ናይ ሕትመት፣ ብሮድካስት ከምኡ ‘ውን ድሕረ ገፃት ካብ እዋን ናብ እዋን እናበዝሑ ‘ዮም:: ነቲ ዘፈር ዘለዎም ግደ ‘ውን ልዑል ‘ዩ:: ምንስቃስ ስፖርት ሃገራት ንምዕባይን ብዓለም ለኸ ብርኪ ፅዕንቶ ፈጣሪ ንምዃን ኣብ ሜዳ ስፖርት ዝምዝገብ ውፅኢት በይኑ ዋጋ ኣህልዎን::

መራኸቢ ሓፋሽ ሽፋን ተረኺብሉ ንሕብረተሰብ ተበፃሒ ክኾን ይግባእ:: ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ሐዚ እዋን ኩነታት ከምዘሪኦ መራኸቢ ሓፋሻት ኣብ ውሽጢ ሃገር ጉዳይ ስፖርት ሽፋን ሂቦም ዝሰርሑ ብጣዕሚ ዉሑዳት ‘ዮም:: ስፖርትን መራኸቢ ሓፋሻትን ዘይነፃፀሉ ናይ ሓንቲ ሳንቲም ክልተ ገፃት ኾይኖም እናሃለዉ ሃገራዊ ስፖርት ትኹረት ብምስኣኑ ዝገርም እንተኾነ ‘ውን ኣብዚ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ግን ክላዓሉ ይኽእሉ ‘ዮም::

ናይ ሀገር ውሽጢ ስፖርት ብምፍላጥ ታሪኽ ናይ ምስናድ ዓብይ ግደ እናተፃወተ ዝፀንሐ ውፅኢት ሕትመት ምድኻምን ምጥፋእን ተጠቀስቲ ‘ዮም:: ኣብ ስፖርትን ዝተፈላለዩ ጉዳያትን ትኹረት ገይሮም ዝሰርሑ ጋዜጣታት ብዙሓት እንተኾኑ ‘ውን ካብ ሕትመት ዋጋ ምኽባር ካልኦት ተደሓሓዝነት ዘለዎም ፀገማት ዝተልዓለ ዝተዓፀዉ ጋዜጣታታት ቁፅሪ ዉሑድ ኣይኮነን:: ርግፅ ናይ ብሮድካስትን ድሕረ ገፅን ምፍጣሮም ንስፖርት ዓብይ ትንሳኤን ምምፃእ ክኢሉ ‘ዩ:: ኾይኑ ግና ኣብ ኢትዮጵያ ብዝግበኦ ልክዕ ትኹረት ረኺቡ ንክዓቢ ኣመራርሓታት ብምፍታሽ ዝተሰርሐ ስራሕ ኣዕጋቢ ኣይኮነን::

ኮርፖሬሽን ብሮድካስቲግ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲኡ ካብ ዝርከቡ ጣብያታት ሓደ ዝኾነ ኤፍኤም ኣዲስ 97ነጥቢ1 ናይ ምስረታ ክብረ ባዓል ብዝተፈላለዩ ሃገራዊ ጉዳያትን ዘተ ብምክያድ ዘኽበረ እንትኾን፤ ኣብቲ ዘተ ካብ ዝቐረቡ ጉዳት ርክብ ስፖርትን መራኸቢ ሓፋሽን ዝምልከት ‘ዩ:: መረኸቢ ሓፋሽ ንዕብየት ስፖርት ኢትዮጵያ ዘለዎ ግደ፣ ፀገማትን ቀፃሊ ጉዕዞን ብዝብል መልዓሊ ሓሳብ ተላዒሎም ብስፖርት ጋዜጠኛታት፣ ሓለፍቲ ፌደሬሽን ስፖርት ከምኡ ‘ውን ኣሰልጠንቲ ሓሳቦም ሂቦም ‘ዮም::

ኣብ ዕብየት ስፖርት ኢትዮጵያ ውሽጢ ናይ ሕትመት፣ ብሮድካስትን ማሕበራዊ ሚድያን ግደ ዓብይ ከምዝኾነን ስፖርት ሓደ ስጉምቲ ንክጓዓዝ ከምዝገበረን ኣብ ዝቐረበ ፅሑፍን ዘተን ተሳተፍቲ ሓሳብ ሂቦም ‘ዮም:: እቲ ስፖርት ምፍላጥ፣ ታሪኽ ብምህናፅን ብምምሃር ዓብይ ግደ ኣለዎም::

ኣብ ዓለም መድረኽ ብስፖርት ዝተፈጠሩ ጀጋኑ፣ ዓወታትን ንሃገር ዝተገበሩ ቃልስታት ብጋዜጣ ተሓቲሞም፣ ብሬድዮን ቴሌቪዥንን ተፀብፂቦም ናይ ሓባር ታሪኽ ብምዃን ንክዝከሩ ምግባር ተኻኢሉ ‘ዩ:: ኢትዮጵያ ብስፖርት ብብርኪ ዓለም ብዓወት ንክትፍለጥ ገፅትኣ ንክትቕየር ገይሩ ‘ዩ:: ኾይኑ ግና መራኸቢ ሓፋሽ ናይቲ ዘፈር ኣመራርሓ ኣብ ምፍታሽ ክሰርሑ ከምዝግባእ ተጠቂሱ ‘ዩ::

ስፖርት ብዓለም ለኸ ናይ ስፖርት ማሕበራት ዝምራሕ ብምዃኑ መንግስት ናይቶም ትካል ኣሰራርሓ ንምፍታሽ ዘኽእል ሓላፍነት የብሉን:: ስለዝኾነ ኣሰራርሕኡ ብምፍታሽ ንክስተኻኸል ናይ መግባር መሰልን ሓላፍነትን ናይ መራኸቢ ሓፋሽ ‘ዩ ዝኸውን:: ነዚ ‘ውን ዝግባእ ትኹረትን ቦታን ብምሃብ ማሕበራት ስፖርት፣ክለባት ፣ ትካላትን ካልኦት እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ተበፃሒ ብምግባር ምስራሕ ይግባእ::

ዕንቅፋት ፖሊሲ ስፖርት፣ ፀብፃብ ምርመራ ፀገማት ግልፅነት መራኸቢ ሓፋሽ ነቲ ስፖርት ብትኽክል ሽፋን ንከይዋሃብን ኣሰራርሖኦም ብዝግባእ ንከይፍትሹ ከም ዕንቅፋት ተገይሮም ተወሲዶም ‘ዮም:: ሚዛናዊነት ዘይሓለዉ ስራሕቲ፣ ሓደ ሓደ ጋዜጠኛታት እቲ ሞያ ዝሓቶ ባህሪ ብዘይምህላው፣ ብቅዓት ሞያ ምንኣስ፣ ባህሊ ስፖርት ምሽርሻርን እቲ ስፖርት ንከይዓቢ ከምዝገበረን ካብ ተሳተፍቲ ዝተልዓሉ ነጥብታት ‘ዮም::

ሃገር ውሽጢ ስፖርት ዝግበኦ ሽፋን ክረክብን ንቕድሚት ዝሓሸ ንምግባር ምስራሕ ይግባእ ዝብል ሓሳብ ከም ፍታሕ ካብ ተሳተፍቲ ቀሪቦም ‘ዮም:: ካብዚኦም ድማ እቲ ሞያ ዝምጥን ጋዜጠኛ፣ ሚዛናዊ ፀብፃብ፣ ዓውዲ መፅናዕትን ምድላው ፓናል ዘተን፣ ተሓታትነትን ግልፅነትን ምፍጣር፣ ምስ ዝሰልጠኑ ሃገራት ልምዲ ልውውጥ ብምግባር ስፖርት ንምዕባይ ፃዕሪ ምግባር ዝብሉ ሓሳባት ተላዒሎም ‘ዮም::

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 29 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You