ጥበብ ኣክሱም ኣብ ዘመነ ንጉስ ኢዛና

ኣብ ስልጣነ ኣክሱም ብዙሓት ነገስታት ብዙሕ ናይ በዓሎም ስልጣነን ታሪኽን ሰሪሖም ሓሊፎም ‘ዮም:: ታሪኽ ኣክሱም ኣዝዩ ብዙሕ ‘ዩ፤ ተዛሪብካን ዘርዚርካን ዝውዳእ ኣይኮነን:: እቲ ታሪኽን ካብ ቕድሚ ልደተ ክርስቶስ ከምዝጅምር ‘ዩ ሙሁራት ዝሕብሩ:: ስነ ኳዕቲ ወይ ኣርኪዎሎጂ መፅናዕቲ ‘ውን ነዚ ‘ዩ ዘማላኽት::

ኣብቲ እዋን ብፍላይ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ብሰፊሑ ከም ህንፃታት ቤተ መንግስቲ፣ ሰናቲም፣ ሓወልቲ ወዘተ ነይሮም ‘ዮም:: እቲ ስነ ጥበብ ኣዝዩ ብዙሕ እኳ እንተኾነ ሕዚ ግን ኣብዝተወሰኑ ታሪኻዊን ጥንታዊን መግለፂ ስልጣነ ኣክሱም ንምርኣይ ከንፍትን:: ንስሱ ‘ውን ኣብ ከም ጥበብ ሓወልትን ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ሰናቲምን ብሓፂሩ ንምርኣይ ‘ዩ::

እቶም ሓወልትታት ኣብ ከባቢ ቤተ ክርስትያን ኣክሱም ፅዮን ዝርከቡ እንትኾኑ ኣብ ከባቢ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ከምተሰርሑ ይንገር:: እዚኣቶም ምናልባት እቶም ዝያዳ መለለዪ ክፋል ናይ ኣኽሱማዊ ስነ ህንፃዊ ለጋሲን ስልጣነን ክኾኑ ይኽእሉ ‘ዮም።

እዞም ሓወልቲታት ንመቓብራት ንምምልካትን ንሓደ ብዙሕ ደብርታት ዘለዎ መስተንክር ቤተ መንግስቲ ንምውካልን ተገይሮም ከምተሰርሑ ‘ዩ ዝንገር:: እቲ ታሪኽ ኣዝዩ ጥንታዊ ምስምዃኑ ተተሓሒዙ ጭቡጥ ዝኾነ ሓበሬታ ንምርካብ የፀገም ‘ዩ:: ገሊኡ ብኣፈታሪኽ ‘ዩ ዝዝረብ:: ገሊኡ ድማ ብሳይንስ ዝተፀንዐ ‘ዩ::

 

እቶም ዲዛይናት ወይ ቅርፅታት ብናይ እቲ እዋን ዝነበሩ ምልክት ማዕፆን መስኮትን ገዛን ዘማላኽቱ ከምዝኾኑ ‘ዮም ሙሁራት እቲ ኣውዲ ዝዛረቡ:: ካብዞም ዘለዉ ሓወልቲታት ጥባብ እቲ ዝዓበየ 33 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ኮይኑ ሕዚ ወዲቑ ተሰይሩ ይርከብ:: እቶም ሓወልቲታት ዝበዝሕ ኣካሎም ካብ መሬት ንለዓሊ ኮይኑም ዝተወሰነ ክፋሎም ድማ ንኸይወድቅ ወይ ሚዛን ንምሕላው ዝተወሰነ ኣካል እግሮም ኣብ መሬት ተቐቢሩ ይርከብ:: እዚ ድማ ሚዛኖም ንምሕላው ይጠቕሞም።

እቶም ሓወልቲታት መብዛሕትኡ ግዜ ንኽብሪ መግለፂ ንጉሳውያን ተባሂሉ ይትከል ከምዝነበረ ‘ዩ ዝግለፅ:: ከምኡ ‘ውን ኣብትሕቲኡ መቓብር ንጉሳውያን ወይ ቤተሰብ ንጉሳውያን ከምዘለዎ ‘ውን ሙሁራን ይዛረቡ:: ብሓፂሩ ኣብ ጥቕኡ መቓብር ከምዘሎ ዝግለፅ ኮይኑ ነዚ ንምምልኻት ተገይሩ ይትከል ከምዝነበረ ‘ዩ ዝዝረብ::

እቶም ጠጠው ዝብሉ ሓወልቲ ካብ ግራናይት ዝበሃል ጠንካራ እምኒ ዝተፀረቡ ኮይኖም ብቐሊሉ ዘይሰባበሩ ፍሉይ ዓይነት ግራናይት ኣእማን ‘ዮም:: እዞም ታሪኻዊ ሓወልትታት ረቂቕ ትርጉም ዘለዎም ኮይኖም ኣዝዮም ብዘደንቕ ጥበብ ዝተሰርሑ ‘ዮም:: እዞም ሓወልትታት ኣብ ታሪኽ ኣኽሱም ወሰንቲ ኣካላት ብፍላይ ድማ ንነገስታት ወይ ካህናትን ንምኽባር ዝውዕሉ ከምዝነበሩ ይዝረብ::

ካሊእ ኣብቲ እዋን ብፍላይ ኣብዘመነ ኢዛና ሳይዘና ዝነበሩ ጥበብ ሳናቲም ምርኣይ ይከኣል ‘ዩ:: ሓደ ሓደ ኣብዘመነ ንግስነት ኢዛና ዝተቐርፀ ሳንቲም ብቋንቋ ግሪኽ ΤΟΥΤΟ ዝብል ጭርሖ ዘለዎ ፅሑፍ ዝሓዘን፤ ምልክት ወርሒ፤ ምልክት መስቀል ዘለዎም ዝተፈላላዩ ሳናቲም ኣለዉ::

እቶም ምልክት ወርሒ ዘለዎም ሳናቲም ንጉስ ኢዛና ቕድሚ ሃይማኖት ክርስትና ምቕባሎም ዘማላኽት ኮይኑ ትርጉሞም ድማ እቲ ዝነበረ ህዝቢ ወይ እቲ ንጉስ ኣብ ከም ወርሒ ይኣምኑ ወይ ይኣምን ምንባሮም/ሩ ዘማላኽት ‘ዩ፤ እቲ ምልክት መስቀል ድማ ናይ ክርስትና መግለፂ ስለ ዝኾነ ሃይማኖት ክርስትና ተኣታትዩ ምንበሩ ዝገልፅ ‘ዩ::

እቲ ንጉስ ‘ውን ናብ እምነት ክርስትና ምቕያሩ ዘማላኽት ‘ዩ:: እቲ ጭርሖ ዝሓዘ ሳንቲም ድማ ኣብ ልዕሊ ድሌታትን ዕግበትን ህዝቢ ንጉሳዊ ሓልዮትን ሓላፍነትን ዝፈጥር ከምዝኾነ ምሁራን ርኢቶኦም ይህቡ:: ሓደ ዘደንቕ ጥበብ መለለዪ ናይቶም ሳንቲም ካብ ምልክት ዲስክን ወርሕን ዘለዎ ምልክት ናብ መስቀል ዘለዎ ዲዛይን ምቕያር ‘ዩ። እዚ ዘሪአካ ድማ ኣብቲ እዋን እምነት ክርስትና ምትእትታዉ ዘማላኽት ‘ዩ::

ኣብ ንጉስ ኢዛና ብፍላይ ብዙሓት ሓወልቲ ከምዝተተኸሉ ዝንገር ኮይኑ እቶም ብግሪክ ዝተፃሓፉ ብዛዕባ ንግስነት ኢዘና ዝገልፁ ‘ዮም:: ኣብ መወዳእታ ኣብ ህንዲ ብምልክዕ ልውውጥ ንግዲ ከይዶም ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ሳንቲማት ተረኺቦም ‘ዮም:: እዚ ድማ ምስ ህንዲ ኣብቲ እዋን ንግዳዊ ርክባት ከምዝነበረ ዘመልክት ‘ዩ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ  22 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You